Saturday, April 7, 2018

ሰሙነ ሕማማት (ዓርቢ)


ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኪርያላይሶን
ሰሙነ ሕማማት (ዓርቢ)
ሓሙስ ምሸት እቶም ንጎይታ ዝሓዝዎ ኣይሁዳውያን ንጎይታ ከባጭውሉ ድሕሪ ምሕዳር፡ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ፡ ሄሮድስ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ ከምዚ እናገበሩ ኣላገጽሉ ሊቃነ ካህናትን  ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እዃ እንተቐረቡ፡ ሓንቲ ኣይረኸቡን። ድሓር ግን ክልተ ቐሪቦምእዚ ሰብ እዚንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እኽእል እየ ኢሉ ተዛሪቡበሉ። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣነዚ ዝብሉኻ ዘለዉስ ገለዶ ኣይትምልሰሉን ኢኻ በሎኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ ክትነግረና በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹበሎ። ኢየሱስ ከኣንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻበሎ። ድሕሪ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ እናቐደደእንሆ ይጸረፍ ኣሎ፡ ደጊም ደኣ እንታይ ንስክር ኣድልየና፡ እንታይከ ይመስለኩም፧በሎም። ንሳቶም ከኣሞት ይግብኦ”  ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። መሲሕ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስከ ተነበየልና ኣንዳበሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ውን እቶም ህዝብን ሽማግለታትን ብሓሶት እኳ እንተኸሰስዎ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፡ ጲላጦስውን መርሚሩ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበሉንኣነ ካብ ደም እዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹሕ እየ ባዕልኹም ትፈልጡኢሉ ኣእዳዉ ተሓጽበ። ንሳቶም ግና  “ይቀተል ይቀተልኢሎም ጫው ጫው ምስ በሉ  ኣብ በዓሎም ሓደ እሱር ናይ ምፍታሕ ልማድ ስለ ዝነበሮም፡ ንበርባን ወይ ንክርስቶስ ክፍትሓሎም ሓተቶም። ንሳቶም ግና እቲ ሽፍታ በርባን ክፍትሓሎም፡ እቲ ሓንቲ ዘይተረኽቦ  ክርስቶስ ግና ክስቀል መረጹ። በዚ መሰረት ድማ ገሪፎም ንክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ዝኾነ ክጾሮ ዘይክእል መከራ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ካብ ሊቶስጥራ  ክሳብ ቀራንዮ ብዘሰቅቕ መከራ ተወስደ። ኣብዚ ክብርቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ሞንጎ ሸፋቱ ልክዕ ሰዓት ስድስቱ (ፍርቂ መዓልቲሰዓት ዓሰርተ ክልተ) ኣብ ማእከለ ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ፡ ብገዛእ ስልጣኑ ድማ ክብርቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ስግኡ ሰዓት ተስዓቱ ፈለያ። ሰዓት ኃሙሽተ ምስ ኮነ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ድማ ገኒዞም ቀበርዎ።
ነገረ ስቕለቱ ብኵሎም ወንጌላውያን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ መስቀል ድማ ድንቂ ዝኾነ ስንቂ ህይወት እንረኽበሉ ቃላት ተጻሒፉ ይርከብ። ኣብዚ ክዝርዘር ስለዘይከኣል ድማ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ትርጓሜኡ ኣስተውዒልና ነንብቦ።  ብዝተረፈ ግና እዚኣ መዓልቲ ናታ ፍሉይ ስም ከም ዘለዋውን ምጥቓስ ይግባእ እዩ።
 ዓርቢ ስቕለት፦ መድሓኒ ዓለም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ (ማቴ2735, ማር 1521-32, ሉቃ23 26-43, ዮሓ1917-27)
እዚ ዕለት እዚ ዓቢ ዕለት እዩ። ብበደል ኣዳም ናብ ዓለም ዝኣተወ ሞት እተሳዕረሉ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሰጋግረናሉ፡ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ዝወጻናሉ፡ እቲ ዝቃወመና ዝነበረ ናይ ዕዳ ደብዳቤና ዝተደምሰሰሉ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝኣተናሉ፡ ትንቢት ነቢያት፡ ተስፋ ኣበው እተፈጸመሉ፡ ገነት ዳግማይ ዝተኸፈተትሉ ዓቢይ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ መስቀል ምልክት ድኅነትና ኣርማ ናጽነትና ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ደቂ ኣዳም ኣብ ዝኸፈአ በደል እንተተረኽቡ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ይፍረዶም ነበረ። ነዚ ናይ ገበነኛታት መቅጽዒን ምልክት መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ንምሕረትና ትእምርቲ ሰንደቅ ድኅነትና፡ መመክሒ ክርስቶሳውያን፡ ንዲያብሎስ ንስዕረሉ ሓይሊ ዝገበረሉ፡ ብሞቱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገናሉ ቅዱስ ንዋይ ገበሮ። በዚ ዕለት ኵሎም ምእመናን ካብ ክፉእ ተግባራት ርሒቖም ካብ እኽለ ማይ ተቖጢቦም ክሳብ ዕርበተ ፀሓይ ማለት ሰዓት ሽዱሽተ ድኅሪ ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰግዱን ክጽልዩን ዝውዕልሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ዘይብሃል ስቓይን መከራን ዝበዝሖ 13 ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ እዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑዉን ዓበይቲ ምስጢራት ዝሓቖፋን መልእኽቶምውን ረዚን ዝኾና 7 ቃላት ኣብ መስቀል እንከሎ ተዛሪቡ እዩ።
13ሕማማተ መስቀል ዝበሃሉ
1. ኣክሊለ ሶክ            2.ተኮርዖ ርእስ      3. ተጸፍኦ መልታሕት
4.ተወክፎ ምራቕ          5 ሰተየ ሓሞት      6, ተኣስሮ ድሕሪት
7. ተቀስፎ ዘባን           8. ጸዊረ መስቀል    9. ሳዶር
10. ኣላዶር               11. ዳናት          12. ኣዴራ         13. ሮዳስ
ብዘይካ እዚ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረበን ሸውዓተ ቃላት ኣለውዋ፡ ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ተባሂለን ድማ ይጽውዓ። ንሳተን ከኣ፥
1. ! ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትሓዘሎም(ሉቃ 2334)
2. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ(ሉቃ 2343)
3. እንሆ ወድኺ፡ እንሀት ኣዴኻ (ዮሓ 1926-27)
4. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ (ማቴ 2746)
5. ጸማእኩ (ዮሓ 1928)
6. ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣለኹ (ሉቃ 2346)
7. ተፈጸመ (ዮሓ 1930)
 ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ብገዛእ ፍቓዱ ነፍሱ ካብ ስግኡ ምስ ፈለየ ሸውዓተ ተኣምራት ተፈጺሞም እዮም። እተን ሠለስተ ኣብ ሰማይ ዝፈጸማ ክኾና እንከለዋ እተን ኣርባዕተ ከኣ ኣብ ምድሪ ዝተፈጸማ እየን።
ኣብ ሰማይ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፥
1. ፀሓይ ጸልመተት፡
2. ወርኂ ደም መስለት፡
3. ከዋኽብቲ ረገፉ፡
ኣብ ምድሪ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፥
4. መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡
5. ኣእማን ተፈተቱ (ኣኻውሕ ተጨዱ)
6. መቓብራት ተኸፍቱ፡ዝ
7. ምውታትውን ተንስኡ።
እዛ ዕለት እዚኣ እምበኣር ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስስ ክርስቶስ  ምእንታና ክብል ዝረኸቦ ስቓይን መከራን  እናዘከርና፡ እቲ ኩሉ ሓጢኣትና ገዲፍና ብንስሓ ተሓጺብና ነቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ መሲልና ብንጽህና ክንነብር ከም ዘለና እተዘኻኽር ዕለት እያ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለቲ ብቓላት ክግለጽን ክንገርን ዘይክእል ውዕለቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ኣሜን!!
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!

No comments:

Post a Comment