Friday, May 20, 2016

ናይ ዘውትር ጸሎት ብቋንቋ ግእዝን ትግርኛን

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን
ናይ ዘውትር ጸሎት ብቋንቋ ግእዝን ትግርኛን
ጸሎት ማለት ፈጣርን ፍጡርን ዘራኽብ እቲ ቀዳማይን ቀንድን ስነ ምግባርን እዩ። ብዘይ ጸሎትን ጾምን ምስ ፈጣሪ ምርኻብ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ብጸሎት ኵሉ ንረክብ ብጸሎት ኩሉ ጸጋታት ካብ ኣምላኽ ንቕበል። ለምኑ ክወሃበኩም ኢዩ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም።ማዕጾ ኳሕኲሑ ክረሓወልኩም ኢዩ(ማቴ7፡7-8)።  ስለዚ እንደልዩ ክንረክብ ሓሳብ ክብና ክሰልጠና ዘውትር ንጸሎት ክንነቅሕ ኣለና። ካብዚ ቀጺልና እምበኣር  መዓልታዊ ክንገብሮ ዝግበኣና ጸሎት ብግእዝን ትግርኛን ከነቕርበልኩም ኢና፥
አአትብ ገጽየ ወኩለንታየ በትምእርተ መስቀል
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ በቅድስት ሥላሴ እንዘ አአምን ወእትመኃፀን እክሕደከ ሰይጣን በቅድመ ዛቲ እምየ ቅድስት ቤተ ክርስትያን እንተ ይእቲ ስምዕየ ማርያም ጽዮን ለዓለመ ዓለም።
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላክ  ብቅድሥት ሥላሴ እንዳ ኣመንኩን እንዳ ተማሕጸንኩን  ኣብ እዛ ኣደይ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስትያን ሰይጣን ይኽሕደካ ኣለኹ ንሳውን ጸግዐይን ምስክረይን ዝኾነት ማርያም ኢያ።
ነአኵተከ እግዚኦ፣
ነአኵተከ እግዚኦ ወንሴብሐከ፣ ንባርከከ እግዚኦ ወንትአመነከ ንስእለከ እግዚኦ ወናስተበቍዓከ ንገኒ ለከ እግዚኦ ወንትቀነይ ለስምከ ቅዱስ፣ ንሰግድ ለከ ኦ ዘለከ ይሰግድ ኵሉ ብርክ ወልከ ይትቀነይ ኵሉ ልሳን፣ አንተ ውእቱ አምላክ ኣማልክት ውእግዚአ አጋእዝት ወንጉሠ ነገሥት፣ አምላክ አንተ ለኵሉ ዘሥጋ ወለኵላ ዘነፍስ፣ ወንጼውዐከ በከም መሀረነ ቅዱ ወልድከ እንዘ ይብል አንትሙሰ ሶበ ትጼልዩ ከመዝ በሉ።
ኦ! ጎይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና ኦ! ጎይታ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና፣ ናይ ኩሉ ብርኪ ዝሰግደልካ ናይ ኩሉ ልሳን ዝግዝኣልካ  ኦ! ጎይታ ንሰግደልካ ኣሎናናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ናይ ጎይቶት ጎይታ ናይ ነገስታት ንጉስ ንስኻ ኢኻ ኩቡርን ምስጉኑን ወድኻ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከለኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ንጽውዓካ ኣለና
አቡነ ዘበሰማያት፣
ኣቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ ትምጻእ መንግስትከ። ወይኩን ፈቃድከ  በከመ በሰማይ ከማሁ በምድር ሲሳይነ ዘለለ ዕለተነ ሀበነ ዮም። ኅድግ ለነ ኣበሳነ ወጌጋየነ ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘኣበሰ ለነ። ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት። ኣላ ኣድኅነነ ወባልሓነ እምኩሉ እኩይ እስመ ዚኣከ ይእቲ መንግስት ኅይል ወስብሓት ለዓለመ ዓለም።   
ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ ፣መንግስትኻ ትምጻእ ፈቓድካ ኣብ ሰማይ ከም ዝኾነት ከምኡውን ኣብ ምድሪ ትኹን ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና ፣ ንሕና ንዝበደሉና ከም እንሓድግ ኣበሳናን ጌጋናን ሕደገልና መንግስትን ሓይልን ምስጋናን ንዘለዓለም ብሓቂ ናትካ ኢዩሞ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ፈጺምካ ኣድሕነናን ባልሃናን እንበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና ኣሜን፣
በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ
በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ኦ እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ ድንግል በሕሊናኪ ወድንግል በሥጋኪ እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ ቡሩክት አንቲ እምአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ፣ ተፈስሒ ፍስሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ ሰአሊ ወጸልዪ በእንቲአነ ኀበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ።
ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም እብለኪ ብሕልናኺ ድንግል እኺ፣ ብሥጋኺውን ድንግል እኺ ኣደ እግዚኣብሔርጽባኦት (ጎይታ ሰራዊት) ሰላም እብለኪ ኣለኹ ፣ ንስኺ ኣብ ኩለን ኣንስቲ ብርኽቲ እኺ ፣ ፍረ ከርስኺውን ብሩኽ ኢዩ ። ኦ ! ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔርምሳኺ እዩ፣ ኦ ፍስህቲ ደስ ይበልኪ ሓጢኣትና ክሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና ኣሜን።
ጸሎተ ሃይማኖት፣
ጸሎተ ሃይማኖት፣ ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚኣብሔር ኣብ ኣኃዜ ኵሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘያስተርኢ፣ ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም፣ ብርሃን ዘእምብርሃን አምላክ ዘእምአላክዘበአማን፣ ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ ዘዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ፣ ዘቦቱ ኵሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ ኣልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ፣ ዘበእንቲአነለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት፣ ተሰብአ ወተሠገወ እመንፈስ ቅዱስ ወእማርያም እምቅድስት ድንግል፣ ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነበመዋዕለ ጲላጦስ ጴንጠናዊ ሐመ ወሞተ ወተቀብረ ወተንሥአ እሙታን አመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ ዐርገ በስብሐት ውስተሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኬንን ሕያዋነ ወሙታነ ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ፣ወነኣምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረፀ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነብያት፣ ወነኣምን በአሐቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት፣ ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም።
ኩሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዝርአን ዘይርአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላክ ብእግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን። ብሓደ ጎይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደኣብ ዋህድ’ውን ነኣምን ፣ ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ ፣ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ ፣ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ ። ኩሉ ብኡኡ ዝተፈጥረ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓንና ካብ ሰማያት ዝወረደ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ዝለበሰ፣ ሰብ ኮነ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጠናዊጵላጦስ ምእንታና ተሰቕለ። ሓመመ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ ሞተ ተቐብረ፣ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታት ተፈልዩ ተንስአ  ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ  ከም ብሓድሽ ንህያዋንን ንምውታትን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግስቱ’ውን መወዳእታ የብሉን። ጎይታን መሕወይን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን። ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን ብነብያት ዝተነግረ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንኣምን። ሓጢኣት ንምስትስራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ነኣምን። ትንሳኤ ሙታን ንዘለኣለም ዓለም ብዝመጽእ ሂወት ተስፋ ንገብር ኣሜን።
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር፣
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ  ቅድሳተ ስብሓቲከ ንሰግድ ለከ ክርስቶስ ምስለ አቡከ ኄር ሰምያዊ ወመንፈስከ ቅዱስ ማሕየዊ እስመ መጻእከ ወአድኃንከነ።
እሰግድ ለአብ፣
እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  አሐተ ስግደተ፣  እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐተ ስግደተ፣  እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐተ ስግድጸተ፡ እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት።  እሰግድ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ። እሰግድ ለመስቀለ እግዚእነ  ኢየሱስ ክርስቶስ።  ዘተቀደሰ በደሙ ክቡር።
መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ።  አይሁድ ክሕዱ ንሕነሰ አመነ ወእለ አመነ በኃይለ መስቀሉ ድኅነ።
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጸባኦት ናይ ጎይትነትካ ምስጋና ፈጺሙ ሰማይን ምድርን ዝመልአ እዩ። ኦ ! ክርስቶስ መጺእካ ኣድሒንካና ኢኻ’ሞ ምስ መሓርን ሰማያውን ኣቦኻ ማህየዊ ምስ ዝኾነ ቅዱስ መንፈስካ ንሰግደልካ ኣሎና ።
 ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ስግደት እሰግድ (3.ግዜ በል) ሓደ እንከለዉ ሰለስተ ዝኾኑ ሰለስተ እንከለዉ ሓደ ዝኾኑ ብኣካል ሰለስተ ብመለኮት ሓደ እዮም ። ኣምላኽ ንዝወለደት ብስጋን ብነፍስን ንጽህቲ ንዝኾነት እግዝእትነ ድንግል ማርያም እሰግድ ።ዓለም ንምድሓን ንዝተሰቕለሉ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ንሰግድ
መስቀል ሓይልና ኢዩ፣  መስቀል ጽንዓትና ኢዩ፣ መስቀል ቤዛና ኢዩ፣  መስቀል መድሓኒ ነብስና ኢዩ፣   ኣይሁድ ከሓድዎ ንሕና ግን ኣመናዮ፣  ዝኣመና ንሕና ድማ ብናይ መስቀሉ ሓይሊ ድሓና ኣሜን።
ስብሐት ለአብ፡
ስብሓት ለኣብ ስብሓት ለወልድ ስብሓት ለመንፈስ ቅዱስ (፫ተ ግዜ በል)
ይ.ሕ    ይደልዎም ለኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ(፫ተ ግዜ በል)
ስብሓት ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲት ኣምላክ
 ይ.ሕ ፥ ይደልዋ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲት ኣምላክ
ስብሓት ለመስቀለ እግዚእነ  ኢየሱስ ክርስቶስ
ይ.ሕ  ፥ ይደልዎ ለመስቀለ እግዚእነ  ኢየሱስ ክርስቶስ
ክርስቶስ በምሕረቱ ይዘከረነ                                         ይ.ሕ   ኣሜን
ኣመ ዳግም ምጽኣቱ ኢያስተኅፍረነ                                    ይ.ሕ   ኣሜን
ለሰብሖተ ስሙ ያንቅሐነ                                           ይ.ሕ   ኣሜን
ወበኣምልኮቱ ይፅንዓነ                                             ይ.ሕ   ኣሜን
እግዝእትነ ማርያም ኣዕርጊ ጸሎተነ                                    ይ.ሕ   ኣሜን
ወኣስተሥርዪ ኲሉ ኃጢኣተነ                                        ይ.ሕ   ኣሜን
ቅድመ መንበሩ ለእግዚእነ                                          ይ.ሕ   ኣሜን
ለዘኣብልዓነ ዘንተ ኅብስተ                                     እስመ ለዓለም ምሕረቱ
ወለዘኣስተየነ ዘንተ ጽዋዓ                                     እስመ ለዓለም ምሕረቱ
ወለዘሠርዐ ለነ ሲሳየነ ወዐራዘነ                                 እስመ ለዓለም ምሕረቱ
ወለዘተዓገሠ ለነ ኲሉ ኃጢኣተነ                                      እስመ ለዓለም ምሕረቱ
ወለዘወሀበነ ሥጋሁ ቅዱስ ወደሞ ክቡረ                          እስመ ለዓለም ምሕረቱ
ወለዘአብጽሐነ እስከ ዛቲ ሰዓት።        ይ.ሕ፥  ነሀብ ሎቱ ስብሓተ ወአኮቴተ ለእግዚአብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይትአኮት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚኣብሔር ወትረ በኲሉ ጊዜ ወበኲሉ ሰዓት።
ስብሐት ለአብ፡
ምስጋና ንአብ፡ ምስጋና ንወልድ፡ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስይ ኹን።(3 ጊዜ ንበል)  
ይበል ሕዝቢ፦ ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስን ምስጋና ይግብኦም። (3 ጊዜ ንበል)
ምስጋና ንእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ይኹን።
ይ.ሕ.፦ንእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ምስጋና ይግባእ።
ምስጋና ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን።
ይ.ሕ.፦ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋናይግብኦ።
ክርስቶስ ብምሕረቱ ይዘከረና።                                        ይ.ሕ.፦ኣሜን
ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ኣየሕፍረና።                                    ይ.ሕ.፦ ኣሜን
ስሙ ንምምስጋን የንቅሓና።                                         ይ.ሕ.፦ኣሜን
ኣብ ኣምልኾቱ የጽንዓና።                                           ይ.ሕ.፦ኣሜን
እግዝእትነ ማርያም ጸሎትና ኣዕርግልና።                          ይ.ሕ.፦ኣሜን
ሓጢኣትና’ውን ኣስተሥርየልና።                                      ይ.ሕ.፦ኣሜን
ኣብ ቅድሚ መንበሩ ንጐይታና።                                      ይ.ሕ.፦ኣሜን
ነዚ ኅብስቲ’ዚ ንዘብልዓና።                        ይ.ሕ.፦ ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብሩ ኢዩ።
ነዚ መስተ’ዚ ውን ንዘስተየና።                    ይ.ሕ.፦ ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር ኢዩ።
መግብናን ክዳንናን ንዘዳለወልና።                   ይ.ሕ.፦ ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር ኢዩ።
ኩሉ ሓጢኣትና’ውን ንዝተዓገሰና።                  ይ.ሕ.፦ ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር ኢዩ።
ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንዝሃበና።              ይ.ሕ.፦ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር ኢዩ።
ክሣብ’ዛ ሰዓት እዚኣ’ውን ስለ ዘብጽሓና ምስጋና ይኹኖ።                ይ.ሕ.፦ ንልዑል እግዚአሔር ክብርን ምስጋናን ነቕርበሉ፤
ከምኡ ውን ንወላዲቱ ድንግል ንመስቀሉ ክብር።
ሰላም ለኪ፣
ሰላም ለኪ እንዘ ንሰግድ ንብለኪ ማርያም እምነ ናስተበቍዐኪ እም ኣርዌ ነዓዊ ተማኅፀነ ብኪ፣ በእንተ ሐና እምኪ ወኢያቄም ኣቡኪ ማኅበረነ ዮም ባርኪ፣
ሰላም ነዓኺ ኣዴና ማርያም
እናሰገድና ንዓኺ ሰላምታ ይግባእ ንብል ኦ ! ኣዴና ማርያም ካብ ሃዳናይ ኣራዊት (ድያብሎስ) ከተድሕንና ንልምነኪ ። ናባኺ ድማ ንምዕቆብ ምእንቲ ኣዴኺ ሓናን ኣቦኺ እያቄምን ኦ ድንግል ሎሚ ነዚ ማሕበርና ባርኺ ኣሜን                     
ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ፣
ታዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር ወትትኃሠይ መንፈስየ በአምላኪየ ወመድኃንየ እስመ ርእየ ሕማማ ለአመቱ፣ ናሁ እምይእዜሰ ያስተበፅዑኒ ኵሉ ትውልድ፣ እስመ ገብረ ሊተ ኀይለ ዐቢያተ ወቅዱስ ስሙ፣ ወሣህሉኒ ለትውልደ ትውልድ ለእለ ይፈርህዎ፣ ወገበረ ኃይለ በመዝራዕቱ ወዘረዎሙ ለእለ ያዐብዩ ሕሊና ልቦሙ ወነሠቶሙ ለኃያላን እመናብርቲሆሙ አዕበዮሙ ለትሑታን ወአጽገቦሙ እምበረከቱ ልርኁባን ወፈነዎሙ ዕራቆሙ ለብዑላን ወተወክፎ ለእስራኤል ቍልዔሁ ወተዘከረ ሣህሎ ዝይቤሎሙ ለአበዊነ ለአብርሃም ወለዘርኡ እስከ ለዓለም፣
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎት
ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ መድሓኒየይ ባህ ይብላ ውርደት ብርያኡ ርእዩ’ሞ እንሆ ካብ ሕጂ ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም። እቲ ኹሉ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ’ሞ ስሙ ቅዱስ እዩ።ምሕረቱ’ውን ኣብቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ ። ብቕልጽሙ (ስልጣኑ) ሓይሊ ገበረ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም። ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም ንጥሙያት ካብ በረኸቱ ኣጽገቦም ።ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ንኣቦታትና ኣብርሃምን ዘርኡን ዝነገሮም ንዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ ኣሜን።
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለምስቀሉ ክቡር 
ኣሜን!


No comments:

Post a Comment