Friday, June 8, 2018

ምቕባል ታቦት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቁዱስ ካንቶን ኑውሻተል


በስመኣብ ፥ ወወልድ ፤ ወመንፈስ ቅዱስ ፥ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ዝኸበርኩም፡ ተቐማጦ ካንቶን ኑውሻተል (Canton Neuchatel) ኩልኹም  ቤተሰብ ኦርቶዶክሳዉያን፥ ካብ ሎሚ ዓርቢ ዕለት፡ 08/06/2018 ስዓት 22:00 ምሸት ብማህሌት ጀሚሩ ምሉእ ለይቲ: ብምቕጻል ፥ብዘይ ምቑራጽ ካብ ሰዓት 04:00 ንግሆ ናብ ቀዳም ዘውግሕ ድማ ቅዳሴ ክሳብ ሰዓት 07:00 ንግሆ መደብ ከም ዘሎ  ብትሕትና ንሕብረኩም
ኣድራሻ ናይ ቤተ ክርስትያን ድማ= 
Chemin du crête-du-Chêne ,2000 Neuchâtel
ካብ ፕላስቡሪ ኣዉቶቡስ 107 direction hauterive ኣብ ፌርማታ La coudre ትወርዱ እቲ ቤተ ክርስትያን ሽዑ ክትርኢዎ ኢኹም፥ ብሰላም ምጹ። 
ነስተዉዕል ታቦተ ሕጉ ናይ እግዚኣብሄር ብመጀመርታ፥ ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 22:00 ምሸት ብድሙቕ  እልልታን ምስጋናን  ምስ ኣቦታትና፥ ቆሞሳትን ካህናትን ካብ ጥልያን፥ ጀርመን፥ ሆላንድን ዝመጹ: ምስ ተቐበልናዮ ምሉእ ለይቲ ክሳብ ንግሆ ቀዳም ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሰ  ቤተ ክርስትያን ኢና ክንሓድር።
             ነስተዉዕል  ቦታ ቕዳሴ ኣብቲ  ቤትክርስትያን ኩሉ ግዜ እንቕድስሉ ጥቓ ሕክምና Neuchatel  ዘሎ ኣይኮነን  ከይትጋገዩ። ሎሚ  ምሸት የራኽበና። እንቛዕ ኣብዚ ኣብጽሓና !!!!!!!!

ብሰላም ምጹ።
ሰበኻ ጉባኤ ካንቶን ኑሻተል Canton Neuchatel.

Saturday, April 28, 2018

ምሥጢረ ሜሮን


ናይ ሜሮን ኣሰያይማን ኣሰራርሓን፦ ሜሮን ብቋንቋ ጽርእ ሜሮን ይበሃል። ብግእዝን ብትግርኛ ድማ ካብ ናይ ጽርእ ቋንቋ ብዙሕ ከይተፈለየ ሜሮን እንዳተባህለ ይጽዋዕ። ሜሮን ቅብኣ ቅዱስ ወይ ድማ ዝተቐደሰ ቅብኣት እዩ።
ሜሮን ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንና ዘለዉ ሸውዓተ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ኮይኑ ደድሕሪ ጥምቀት ነቲ ተጠማቓይ ስርዓተ ሜሮን እዩ ዝፍጸመሉ።
ሜሮን በለሳን ካብ ዝበሃል ኦምን ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕጣን ዕንጨይትታትን ካብ ካልኦት 40 ዝኾኑ ጥዑም /ምኡዝ/ ጨናታት ዘለዎም ኣታኽልቲ ተቓሚሙ ዝዳሎ ንጹህን ቅዱስ ቅብኣት እዩ።
ናይ ሜሮን ኣገልግሎት (ጥቕሚ)
ተጠማቓይ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ካብ ኣምላኹ ካብ እግዚአብሔር ብጸጋ ዳግማይ ከምዝውለድ ናይ እግዚአብሔር ሕዝቢ ኮይኑ ክቑጸር፡ ብክርስቶስ ክርስቲያን ተባሂሉ ካብ ስም ንላዕሊ ስም ንኽረክብ፡ ናይ እግዚአብሔር መንግስቲ ንኽወርስ፡ ብሓፈሽኡ ብኣዳም በደል ምኽንያት ዝትወሰደሉ ሃብቲ መሊሱ ንኽረክብ ዝሕግዞ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቅባሉ ዳግም ልደቱ ዘረጋገጸሉ ማህተም እዩ።
ዮሓ 33-10, . ሓዋ 814, 2 ቆሮ 121-22, . ሓዋ 238, . ሓዋ 195-6, ዮሓ 220
ሜሮን ብብሉይ ኪዳን
ቤተክርስቲያንና ካብ ብሉይ ኪዳን ከምዝረኸበቶም መብዝሓትኦም ንዋያት ቅዱሳት ብሉይ ኪዳናዊ መሰረት ዘለዎም እዮም። ልዑል እግዚአብሔር ቅዱሳት ሕጉ ኣብ ጽላት ቀሪጹ ንዝሃቦ ሊቀ ነብያት ሙሴ ናይ ሜሮን ኣሰራርሓን ቅዱስነቱን ኣገልገለቱን ብዝግባእ ገሊጹ እዩ። ነብዪ ሙሴውን ብዝተኣዘዞን መሰረት ንኣሮንን ደቁን ንክህነት ንዝተፈላለዩ ናይ ቤተ መቅደስ መገልገልቲ ኣቑሑት ዝፈልዮም ዝነበረ በዚ ቅብኣ ቅዱስ እዩ ኔሩ። ስለዚ ሃብተ ክህነት፡ ሃብተ መንግስቲ፡ ሃብተ ትንቢት ዝረኽብዎ ብመንገዲ ሜሮን ብዝወሃቦም መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኦሪ ዘጸ 3022-34, ኦሪ ዘፍ 2818
ሜሮን ብሓዲስ ኪዳን
ኣቦታት ቅዱሳን ሓዋርያት እዚ ቅዱስ ቅብኣት ናይ ኣንብሮተ እድ ቦታ ቅድሚ ምሓዙ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ጸጋ መተሓላለፊ ከም ዝኾነ ብዝተፈላለየ ኣገላልጻ ብመልእኽቶም ጺሒፎም እዮም። 2 ቆሮ 121, 1 ዮሓ 220
ናይ ሜሮን ምሥጢርነ
ካብ ግዙፍ ነገር ዝተዳለወ ብዓይኒ ዝረኣይን ብኢድ ብዝድህሰስን ቅዱስ ቅብኣት ኣቢሉ ብሥጋዊ ዓይኒ ዘይረኣን ብሥጋዊ ኢድ ዘይድህሰስን ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ዝመሓላለፈሉ ስለዝኾነ ምሥጢር ተባሂሉ። ናይ ሜሮን ኣቀባብኣ ስርዓት ድሕሪ ስርዓተ ጥምቀት ምውድኡ ዲያቆን እቶም ዝተጠምቁሉ ሰባት ነብሶም ዝፈልጡ እንተኾይኖም ርእሶም ኣድንን ኣቢሎም ደው ክብል ይእዝዞም። ኤጲስቆጶስ ወይ ካህን ነቲ ሜሮን ሒዞም ኣብቲ ቅድሚ ዝጥመቅ ሰብ ደው ይብሉ፦
ናይ ተጠማቓይ ግንባር ብቅርጺ መስቀል እንዳቐብኡ ኡፍ ይብልሉ።
ናይ ዘልኣለም ሕይወት ንምቅባል ቅዱስ ቅብኣት ይቕብኣካ/ ኣለኹ እንዳበሉ ንኽልቲኡ መሳኹት ኣፍንጭኦም፣ ክልተ ከንፈሮም፣ ክልተ እዝኖም፣ ክልተ ዓይኖም፣ ኣፍልቦም፣ መዓንጥኦም፣ ሽምጦም፣ ሕንብርቶም ይቐብእዎም።
ብዘይፍታሕ ናይ ኣምላኽ መሲሕ ማሕተም እቐብኣካ/ ኣለኹ ኣሜንእንዳበሉ ክልቲኡ አእዳዉ/ዋ፣ መጋጠሚክልቲኡ መንኩብ ክሳዱ/ ናይ ክልቲኡ አእዳዉ መጋጠምን ብደገን ብውሽጡን ይቀብእዎ።
ቅዱስ ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ) ቅብኣት ይቐብኣካ/ ኣለኹእንዳበሉ ክልቲኡ ዳንግኡ፣ ክልቲኡ አእጋሩ፣ ኣጻብዕቲ አእጋሩ፣ ሰለፉ፣ ቀቢኡ ድሕሪ ምውድኡ ኣብ ልዕሊ ተጠመቕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ብምንባርብሰማያውያን መላእኽቲ በረከት ዝተባረኽካ/ ኩን/ኩኒብሩኽ ኩን/ኩኒ ብበረኸት መላእኽቲ ሰማያውያንድሕሪኡ ተጠማቓይ ጻዕዳ ክዳን ለቢሱ ቅዱስ ቁርባን ይቕበል።

ይቕጽል …