Sunday, November 30, 2014

ፍልይቲ ኣደ: እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም



†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን†††
እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም
እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘየጠራጥር መልኽዑ ካብ ፍጥረት ፍልይቲ ኢያ። ኣብ ድንግልና ኣደነት፣ ኣብ ክብረ ድንግልና ክብረ ወሊድ፣ ኣብ ድንጋሌ ሥጋ ድንጋሌ ነፍስን ድንጋሌ ኅሊናን ዝተዋህቦ እሳ እንተ ዘይኮይና ማንም የለን። እሱ ጥራሕ ኣይኮነን ምንም እኻ ‘’ ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት’’/ሉቃ 251/ ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ኣይትዛረቦ እምበር ካብ ፍጥረት ወገን ከም እመቤታችን ንዕኡ ምፍላጥ ዝተካእሎ ፍጥረት የለን።  
ሊቅ ኦሪገን ኣብ ሉቃስ ወንጌል ዝተጻሕፈ ትርጋሜ ክገለጾ ከሎ ስለ ኣምላኽ ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ ናይ መጨረሽታ ናይ ፍልጠት ደርጃ ዝበጽሐት እመቤታችን ጥራሕ ኢያ። ከም ናቱ (ትርጋሜ) ኣገላልጻ እመቤታችን ፍጡር ንፈጣሪ ክብሪ ከም ዘይውስኸሉ እንዳ ፈለጠት ‘’ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር - ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ’’ ዝበለቶ ፍጡር ክርድኦ ናብ ዘይክእል ናይ መጨረሻ ደረጃ በጺሓ በዚ ደረጃ ምምስጋና ክትገልጽ ኢያ ይብል።  

ብርግጽ ውን በዚ መጠን ካብኣ ንላዕሊ ክበጽሕ ዝክእል ከመይ ኢሉ ክነብር ይኽእል? እዚ ዘመልክቶ ገና ኣብዚ ምድሪ ኮላ ንፍጥረት ዝግብኦ ነዚ መጨረሻ ብቅዓት ካብ በጽሐት ካብዚ ዓለም ምስ ከደት ብድሕሪኡ ከመይ ዝበለ ዝተፈትወ ካብ ፍጥረት ኩሉ ዝተፈልየ ምስጋና ተቅርብ ትኸውን? እንታይ ዘጣራጥር ኣለዎ? ፍሉይ ዝኾነ ከተቅርብ ዝኸኣለት ፍልይቲ ኣደ።  ነዚ ዝበቅዓት እሳ ንሰብ ብዝክኣሎ ዝለዓለ መጠን ትእዛዙ ከምትሕልዎ ኣቀዲሙ ዝፈልጥ ፈጣሪ እሱ ድማ ሓለዋ ካብ ፍጥረት ድማ ፍልይቲ ኾነት።  

ሊቁ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ርብቃ ንይስሐቅ ዘተሐጸየትሉ ኣብ ዝነግር ኣንቀጽ ‘’ ትርኢታ ኣዝያ ውቅብቲ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ድንግል ነበረት’’/ዘፍ. 2416/ ዝበሎ ክትርጉም ከሎ ‘’ሰብኣይ ዘይፈለጣ ዝብል ንሥጋ ድንግልንኣ ድሕሪ ምሃቡ ‘’ድንግል ነበረት’’ ደጊሙ ዝበሎ ንምምድግጋም ዘይኮነ ብኅልንኣ ዘይበኸነት ዝተሓለወት ነበረት ክብል ኢዩ ይብል።
እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም

ይኹን እምበር ከምዚ ዝበለት ድንግል ርብቃ ድንገት ብዝረኸበቶ ማንነቱ ከማን ኣዕሚቓ ዘይትፈልጦ ሽማግሌ (ካብ ኣብርሃም ዝተላእከ) ንቤተሰባ ብዝሓተቶ መሰረት ወለዳ ጸዊዖም ምስ እዚ ሰብ ክትከዲ ኢኪ,, ኢሎም ኣብ ዝሓተቱላ ጊዜ ከይተኸራኸረት ‘’ይኸይድ’’ በለት መሰስ ኢላውን ተኸተለቶ።/ዘፍ. 2458/ እመቤታችን ግን ዝበለጸ መልኣኽ ተገሊጹ ክዛራረባ እንከሎ ናይ ልቦንኣ  (ማዕጾ) ንምዉላድ ኣይተኳሕኵሐን።  
ናብ ኣቅመ ኣዳም ዝበጽሓት ጓል ‘’ክትወልዲ ኢኪ ክትጸንሲ ኢኪ’’ ተባሂላ ምንም እኳ እንተ መነነት መልኣክ ተገሊጹ እንተነጊርዋ ‘’እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን’’ ክትብል ኣይትኽእልን፣ ከመይ ኢሉ ከምዝኸውን እሞ ኣጸቢቃ ትፈልጥ ኢያ። እመቤታችን ግን ካብዚ ኩሉ ፍልይቲ ስለ ዝኾነት ‘’እፎኑ ይከውነኒ ዝንቱ’’ ክትብል በዝዩ ሕቱም ዝኾነ ኅሊናኣ ነቲ መልኣክ ኣከራኺራቶ። 
 እሱ ውን ‘’ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር የለን’’ ኢሉ ካብ ምልልስ ተገላጊሉ። ካልእ ይትረፍ በዚ ቃል ተረቲዓ ብሥራቱ ክትቅበል ኮላ ‘’ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ-ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ’’ ዝበለቶ ንስኻ ከም ዝበልካዮ ናይ ኣምላኸይ ፍቃድ ኮይኑ እንበለ ዘርዕ (ብዘይ ዘርኢ) እንበለ ሩካቤ (ብዘይ ምርኻብ) ተጸኒሱ ዝውለድ እንተ ኮይኑ ይኩን ይፈጸም በለቶ እምበር ንኻልእ ነገርሲ ኅሊናኣ ከምዝተሓተሞ ኮይኑ ኢዩ ዝተረፈ። ‘’ጓለይ ስምዒ፣ ርኣዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ፣ ንጉስ ንውብነትኪ ይብህጎ እሱ ጎይታኪ ኢዩ እሞ ስገድሉ’’/መዝ 4510-12/ ክብል ኣቦኣ ዳዊት ብትንቢት ከምዝተናገረ እሳ ካብ ሔዋናዊ ጠባይ ተፈልያ ኢያ። 
  
ሰሎሙን ውን ‘’ኣቲ ፍትውተይ ኩለንተናኪ ጽብቅቲ ኢኪ፣ ነውሪ ውን የብልክን፣..…ልበይ ዘረፍክኒ.. ፍቅርኺ ክንደይ ይጥዕም…../መኃ፣4/ ዝበሎ ነዚ ነበረ።  ነቢይ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ ‘’ዝተሓተመት ደብዳቤ’’ ዝበላ ነዚ እዩ /ኢሳ 2812/ ምክንያቱ ከም ልማዱ ከማን ደብዳቤ ምስ ተጻሕፈ ይዕሸግ እዩ። ስለ እሳ ዝተነገረ ግን ምስ ተሓተመ ወይ ምስ ተዓሸገ ዝብል እዩ። ኣብ ብድንግልና ሓቲሙ ከብቅዕ ኣካላዊ ቃል ዝጸሓፈላ ምንባብ ዝኽእሉ (እሥራኤልን) ምንባብ ዘይክእሉ (ኣሕዛብ) ከነንብቦ ኣይንኽእልን (ብድንግልና ብንጽሕና ብክብሪ ብምስጢር) ተሓቲሙ ዝተናገረላ ደብዳቤ እሳ እያ። \

መልኣክ ቅዱስ ገብርኤል ጸጋ ንዝተዋህቦም ሰባት ብሥራት ከብጽሕ ከመጽእ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይነበረን፣ ይኹን እምበር ንዳንኤል ኮነ ንጻድቅ ዘካርያስ ንዓ ከም ዝገበሮ መዓስ ንዖም ጌሩ? እሶም ኢዶም ነሲኦም ሰጊዶሙሉ እምበር እሱ መዓስ ኢድ ነሲኡ ሰጊድሎም? ካብዚ ንላዕሊ ፍሉይ ሙካን ኣበይ ይርከብ? ፍጹም ፍልይቲ ሙካና ንምርግጋጽ ዝኣክል ሓደ ነገር ጥራሕ ክውስኽ። ናይ ጥንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሉቃውንቲ ጎይታ ንሐዋርያት ቤተ ክርስቲያን መታን ክሕልዉ ዝሃቦም ክልተ ግዜ ኢዩ ይብሉ። ሓደ ብዙሕ ግዜ ክንበብ እንሰምዖ ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝተዋህቦ ኢዩ። እሱ ውን ዕያውተይ ኣብልዕ፣ ኣባጊዓይ ሓሉ፣ ኣባጊዓይ ኣብልዕ/ዮሐ 2115-18/ ዝበሎ ኢዩ። 

ካልኣይ ድማ ካብኡ ኣቀድም ኣቢሉ ኣብ መስቀል ዝሃቦ እዩ፣ ኣብ መስቀል ጎይታ ንዮሐንስ ‘’እንሃት ኣዴኻ’’ ክብል ዝሃቦ እሳ ጥራሕ ዘይኮነ ቤተ ክርስቲያን ውን ኢዩ ይብሉ። ብናይዞም ሊቃውንቲ ትርጓሜ መሰረት ክልቲኦም ርእሶም ዝኽኣሉ ምስጢራት ዝሓዙ እዮም። ቅዱስ ጴጥሮስ ሕጋዊ ስለ ዝነበረ (ብመርዓ ዝተወሰነ ማለት ኢዩ) ዝተዋህቦ ሓደራ ነዚ ዝምልከትን ኣባጊዑ ኪሳብ ኣገልገልተንን(ምእመናን) ዝምልከትን ኢዩ። ጌታ ኣብ ወንጌል ‘’ኣባጊዓይ ድምጸይ የለልያ’’ ከም ዝበሎ ነዚ ድምጺ እምበር ቃል ምፍላይ ዘይከኣሎም ምእመናን ኢዮም።  
እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም

ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ግን ካብዚ ኩሉ ኣዝዩ ይፍለ። ምክንያቱ እመቤታችን እሳ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ጥራሕ ዘይኮነት ናይ ፍጹማት ደናግል ውን ኢያ። ስለዚ ካብ ድምጺ ዝሓለፈ ቃላትን ምፍላይ ዝከኣሎም ፍጽምና ንዝምልከቶ ዮሐንስ ሓደራ ዝተዋህቦ ንዝበቅዓ ጥራሕ ዘይኮነ ፍጹም ድንግል ዮሐንስ ኢዩ። ስለዚ እመቤታችን ምግፋዕ ቤተ ክርስቲያን ምግፋዕ ኢዩ ኣብ ልዕሊኣ እዝን እትን ምባል ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን ከም ምባል እዩ። እሳ ኣብ ቤቱ ምቅባል ዝከኣሎ ዮሐንስ ዝመሰለ ቅዱስ ድንግል ኢዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከም ዝበሎ ጎይታ ዝሃባ ድንግል፣ ንድግል፣ ንጽሕትውን ንንጹሕ ኢዩ። መልኣኽቲ ኪሕልውዋ ምስ ነበሩ መልኣኽ ንዝመሰለ ሰብ ሃባ እምበር ንኻልእ ኣይተዋህበትን፣ ኪቅበላ ዝከኣሎ ውን የለን።  

ብፍላይ ኦሪገን እዚ ኣብ ዝተርጎመሉ ኣንቀጹ ስለ ናቱ ቅድስና፣ ብቅዓት ክዛረብ ከሎ ንዓ ‘’እንሆ ወድኺ’’ በላ እምበር ‘’ወዲ ይኹንኪ’’ ኣይበላን፣ ምክንያቱ ዮሐንስ በቲ ናይ ፍርሓት ናይ ጭንቀት ናይ መከራ ግዜ ኣብ ዕለተ ስቅለት ከይፈርሐ ከይተዳህለለ ኣብ እግሪ መስቀሉ ዝተረኽበ (ቅዱስ ጳውሎስ ‘’ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኩ /ገላ 220/) ከም ዝበሎ ዮሐንስ ንርእሱ ክሒዱ ስለ ዝነብር ንርእሱ ዝነብር ኣይነበረን ኣብኡ ሓዲሩ ዝነበረ ጎይታ እዩ። ‘’እንሆ ወድኺ‘’ ዝበላ ኣብኡ ሓዲረ ዘሎኩ ኣነ እየ ማለቱ ስለ ዝኾነ ካብኣ ሰብ ምስ ኮነ ንኻልእ ኣይሃባን፣ ኣብ ዮሐንስ ሓዲሩ ዝተቀበላ እሱ እዩ፣ ካብኡ ንደሓር ንዓ ክቅበል ዝከኣሎ የለን ይብል።  

ስለዚ ሓደ ሰብ ኣሽንኳይ ንዓ ክነቅፍ ንኸመስግን ክትወሃቦ እንተደለየ ከማን ከም ዮሐንስ ኮይኑ ርእሱ ብንጽሕና ዪሓሉ፣ ፈጺሙ ውን ርእሱ ይኽሓድ በሃሊ ኢዩ። ናይ ሕጂ ሰባት ንዓ እንተ ዘይተቀበሉ፣ ብናታ ኣማላድነት እንተ ዘይኣመኑ ንምንታይ ንድነቅ!? እሶም ብዉሑድ ነገር ከማን ዘይእመኑ ናታ ነገር መታን ክርድኡ ዓቢን ሰማያዊ ምስጢርን መን ሓደራ ክህቦም ይክኣሎ?  

ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም
ኣማላድነታይን ጣዕመ ፍቅራን
ምስ ኩላትና ይኹን።
ኣሜን!!!!

2 comments: