Thursday, April 5, 2018

ሰሙነ ሕማማት (ሓሙስ)


ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን

ሰሙነ ሕማማት (ሓሙስ)

ኣብ ስነ-ፍጥረት : ሓሙስ ስጋውያን ኣዕዋፍን እንስሳታትን ዝተፈጥሩላ ሓሙሸይቲ መዓልቲ እያ። ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ተዋሃሂዱ ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ ድማእዚ ስጋይ እንኩ ብልዑ፡ እዚ  ድማ ደመይ  እዩ እንኩ ስተዩኢሉ ስግኡ ፈቲቱ ደሙ  ኣፍሲሱ ዘለኣለማዊ መግቢ ህይወት ዝሃበና፡  ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓልና መዓልቲ እያ።  እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዙሕ ፍጻመታት ዝተፈጸመላ መዓልቲ እያ ገለ ካብኡ ንምይቃስ፥

1) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንምግላጽን ንምርዳእን ከምኡውን ኣርኣያ ንምዃንን ክጽሊ ዝሓደረሉ ዕለት እዩ። ጎይታ ሕብስትን ወይንን ባሪኹ ንደቂ መዛሙርቱ ክህበም ከሎ ጸለየ፡ ምእንቲ ደቂ መዛሙርቱ ጸለየ (ዮሓ17) ስለዝኾነ እዛ  መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸሎት(ጸሎተ ሓሙስ) ተባሂላ ትጽዋዕ (ማቴ 2636-46, ማር1432-42, ሉቃ2239-46, ዮሓ171-መፈ)

2)  ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ትሕትናን ፍቕርን ኣብ ኣገልግሎትና ድማ ትጉሃትን ጽኑዓትን ክንከውን ከም ዘለና ንኽምህረና፡ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ትሕት ኢሉ ተንበርኪኹ ዝሓጸበሉ ዕለት እዩ። ጎይታ ሓጺብዎም ጥራይ ስቕ ኣይበለን፡ንስኻትኩምውን ከምዚ ኣነ ዝገበርክዎ ግበሩኢሉውን ኣዚዝዎም እዩ (ዮሓ131)  ነዚ መሰረት ብምግባር  ድማ ኣቦታትና ካህናት በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝተረኽቡ  ምእመናን ብቖጽሊ ኣውሊዕ፡ ሳዕሪ ፡ወዘተ ገይሮም ተንበርኪኾም ኣእጋሮም  ብማይ ይሓጽቡ።

ብኻልእ ድማ እዚ መዓልቲ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንሓዋርያት ምስጢረ ጥምቀት ዝፈጸመሉን፡ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉን ዕለት እዩተጠምቁ አርድእት በምሴተ ኃሙስ ለጸቢሐ ዓርብ እምቅድመ ይንስኡ ስጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ ወወደየ ማየ ውስተ ምንዛህ ወአጥመቆሙ ለኵሎሙ አርዳኢሁከም ዝበለ (ተስእሎተ ባስልዮስ)

3) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስርዓተ ቁርባን ዝሰርዓሉ ዕለት እዩ።ክበልዑ ኸለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሩሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱእዚ ስጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑእናበለ ሃቦም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማእዚ ምእንቲ ብዙኃት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ”(ማቴ2626-28,ማር1422-26, ሉቃ2214-20, 1ቆሮ 1123-25 )እናበለ ሃቦም። በዚ ድማ ኩላትና ስግኡን ደሙን ተቐቢልና ህይወት ክንረክብ ዝሰርዓልና ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስጢር እዩ።

4) ይሁዳ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓም ዘትሓዘሉ ዕለት እዩ  (ማቴ2647-58, ማር 1443-52, ሉቃ2247-53, ዮሓ183-12,)

5) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መፋናዊ ነዊሕን ሰፊሕን ትምህርቲ ንደቂ መዛሙርቱ ዝመሃረሉ መዓልቲ እዩ (ዮሓ 1416)

እዚ መዓልቲ እዚ ካብ ካልኦት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ዘለዉ መዓልቲታት ፍልይ ብዝበለ፡ ቅዳሴ ዝቕደሰሉ ዕለት እዩ። ኣብዚ መዓልቲ፡ ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያት ዝገበሮ ንሳቶምውን ነንሕድሕዶም ከምኡ ክገብሩ ስለ ዝኣዘዘ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዝምስጥ ስርዓት ንመዘከርትኡን በረኸት ንምውሳድን ሕጽበተ እግር ቅድሚ ቅዳሴ ይፍጸም እዩ።

 ስለዚ እዚ ዕለት እዚ ኣዘወቲርና ክንጽልን ኣብ ነንሕድሕድናውን ፍቕርን ስኒትን ክህልወና፡ ከምኡ ውን ኩሉ እንገብሮ ነገር ብትግሃትን ብትሕትናን ክንገብሮ ከም ዝግብኣና ዘዘኻኽር ዕለት እዩ።

ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎት ክንተግህ፡ ፍቕሪ፡ ስኒትን ትዕግስትን ክህልውናን፡ ደሙን ስጋኡን ተቐቢልና ምስኡ ክንነብርን ናይ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቓድ ይኹነልና! ኣሜን!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

No comments:

Post a Comment