Sunday, September 7, 2014

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና

እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡

ብሓደ ኣምላኽ ብአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም፡ ብቅድስት ሥላሴ  እናኣመንኩንእናተማሕጸንኩን ኣብ ቅድሚ እዛ ኣደይ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን እኽሕደካ ኣሎኹ።ንሳውን ናይ ዘልዓለም ጸግዐይ ምስክረይ ዝኾነት ማርያም እያ።

ነአኵተከ እግዚኦ

ኦ ጐይታ! ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና።
ኦጐይታ! ንባርኸካን ንእመነካን ኣሎና።
ኦጐይታ! ንልምነካን ንማልደካን ኣሎና።
ኦጐይታ! ንግዝኣካን ንቅዱስ ስምካ’ውን ነገልግልኣሎና።
ኦ ጐይታ!  ኩሉ ብርኪ ዝሰግደልካ ንሰግደልካ ኣሎና።
ኩሉ ልሳን’ውን ንዓኻ ይግዛእ፡
ኣምላክ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይቶትን ንጉሥ ነገሥስታትን ንስኻ ኢኻ።
ንኹሉ ሥጋን ንኹሉ ነፍስን ፈጣሪ ንስኻ ኢኻ።
ቅዱስ ወድኻ ንስኻትኩም ሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ፡ ኢሉ ከም ዝመሃረና ንጽውዓካ ኣሎና።

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ፡ መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከምቲ ኣብሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ። ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና በደሎምከም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብክፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግሥትን ሓይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካኢዩ ኣሜን።

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ

ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም እብለኪ ኣሎኹ። ብሓሳብኪ ድንግል ኢኺ፡ብሥጋኺ’ውን ድንግል ኢኺ። ናይ ጐይታ ሠራዊት ናይ እግዚኣብሔር ኣደ፡ ሰላምታ ንዓኺ ይኹን። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ንስኺ ኢኺ፡ ናይ ከርሥኺ ፍረ’ውን ቡሩኽ’ዩ። ኦ ጸጋ ዝመልኣኪ ፍስሓ ተፈስሂ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ’ሞ፡ ካብ ፍቁር ወድኺ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ለምንልናን ኃጢኣትና ይቕረ ምእንቲ ኽብለልና ኣሜን።

ጸሎተ ሃይማኖት

ናይ ሃይማኖት ጸሎት፡ ኩሉ ብዝሓዘ ሰማያትንምድርን ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ፡ ብሓደኣምላኽ ብእግዚኣብሔር አብ ንኣምን። ብሓደጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብ ዋሕድ’ውንንኣምን።  ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፡ ካብሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፡ ዝተወልደእምበር ፍጡር ዘይኮነ፡ ብመለኮቱ  ምስ አብማዕረ ዝኾነ፡ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ብዘይካኡግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲሰብ ምእንቲ ምድሓንና፡ ካብ ሰማያት ዝወረደብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያምሥጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ፡ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘበንጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፡ መከራመስቀል ተቐበለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ ቅዱሳትመጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲካብ ምውታን ተፈልዩ ተንሥአ፡ ብኽብሪ ናብሰማያት ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ። ከምብሓድሽ ንሕያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድብኽብሪ ኪመጽእ እዩ፡ ንመንግስቱ መወዳእታየብሉን። ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ፡ ካብ አብብዝሰረፀ ብመንፈስ ቅዱስ ንኣምን፡ ምስ አብንወልድን ክንሰግደሉን ከነመስግኖን ብነቢያትዝተነግረ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ብዝኾነት ናይሓዋርያት ጉባኤ፡ ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ንኣምን። ሓጢኣት ንምስትሥራይብሓንቲ ጥምቀት’ውን ንኣምን። ትንሣኤምውታንን ንዘለዓለም ዝመጽእ ሕይወትን ተስፋንገብር፡ ኣሜን።

ቅዱስ፡ቅዱስ፡ቅዱስ እግዚአብሔር ፀባዖት

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታሠራዊት፡ ፍጹም ክብሪ ምስጋናኽ ሰማያትንምድርን ምሉእ’ዩ። ንአብ ንወልድን ንመንፈስቅዱስን ሓንቲ ስግደት እሰግድ። (ሠለስተ ጊዜበል) ሓደ ኸለዉ ሠለስተ፡ ሠለስተ ኸለዉ ሓደዝኾኑ፡ ብኣካላት ሠለስተ፡ ብመለኮት ከኣ ሓደኢዮም። ነዴና ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽእሰግድ። ንሳ ብሥጋን ብነፍስን ብውሽጥንብደገን ኩሉ ሣዕ ንጽሕቲ ኢያ። ንመስቀልጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሰግድ፡ ንሱ ብኽቡርደም ጐይታ ዝተቀደሰ ኢዩ። መስቀል ሓይልናእዩ፡ መስቀል ጽንዓትና እዩ፡ መስቀል ቤዛና እዩ፡መስቀል መድሓኒት ነፍስና እዩ። ኣይሁድከሓድዎ ንሓድዎ ንሕና ግና ኣመንና፡ እቶምዝኣመንና ብሓይሊ መስቀሉ ደሓንና።

ስብሐት ለአብ፡

ምስጋና ንአብ፡ ምስጋና ንወልድ፡ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስይ ኹን።(3 ጊዜ ንበል)
ይበል ሕዝቢ፦
ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስን ምስጋና ይግብኦም። (3 ጊዜ ንበል)
ምስጋና ንእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ይኹን።
ይ.ሕ.
ንእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ምስጋና ይግባእ።
ምስጋና ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን።
ይ.ሕ.
ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋናይግብኦ።
ክርስቶስ ብምሕረቱ ይዘከረና።                    ይ.ሕ.፦ኣሜን
ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ኣየሕፍረና።                ይ.ሕ. ኣሜን
ስሙ ንምምስጋን የንቅሓና።                       ይ.ሕ.፦ኣሜን
ኣብ ኣምልኾቱ የጽንዓና።                          ይ.ሕ.፦ኣሜን
እግዝእትነ ማርያም ጸሎትና ኣዕርግልና።          ይ.ሕ.፦ኣሜን
ሓጢኣትናውን ኣስተሥርየልና።                  ይ.ሕ.፦ኣሜን
ኣብ ቅድሚ መንበሩ ንጐይታና።                  ይ.ሕ.፦ኣሜን
ነዚ ኅብስቲ ንዘብልዓና።
ይ.ሕ. ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብሩ ኢዩ።
ነዚ መስተ ውን ንዘስተየና።
.. ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር ኢዩ።
መግብናን ክዳንናን ንዘዳለወልና።
.. ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር ኢዩ።
ኩሉ ሓጢኣትናውን ንዝተዓገሰና።
.. ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር ኢዩ።
ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንዝሃበና።
..፦ምሕረቱ ንዘለዓለም ይነብር ኢዩ።
ክሣብ ሰዓት እዚኣውን ስለ ዘብጽሓና ምስጋና ይኹኖ።
.. ንልዑል እግዚአሔር ክብርን ምስጋናን ነቕርበሉ፤
ከምኡ ውን ንወላዲቱ ድንግል ንመስቀሉ ክብር።
ስም እግዚአብሔር ኣምላኽና ብኹሉ ጊዜን ሰዓትን ክምስገን ይንበር፡ ኣሜን።

ሰላም ለኪ

እናሰገድና ሰላም ንብለኪ። ማርያም ኣዴና ንልምነኪ። ካብ ሃዳናይ ኣራዊት ንምሕጸን ብኣኺ። ምእንቲ ሃና ኣዴኺ ኢያቄምውን ኣቦኺ። ንማሕበርና ድንግል ሎሚ ባርኺ።

ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም

ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣብኣምላኸይ በቲ መድኃንየይ ባህ ይብላ ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ፡ እንሆ ካብሕጂ ኵሎም ወለዶ ብፅዕት ኪብሉኒ ኢዮም።እቲ ዅሉ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ ኢዩእሞ ስሙ ቅዱስ ኢዩ። ምሕረቱ ውን ኣብቶምዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ኢዩ። ብቕልጽሙኃይሊ ገበረ፡ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም።ንኃያላት ካብ ዝፋናቶም ኣውረዶም። ንዝተዋረዱኸኣ ልዕል ኣበሎም፡ ንጥሙያት ብበረኸትኣጽገቦም፡ ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶምሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና ንኣብርሃምን ንዘርኡንዝነገሮም ንዘለዓለም ምሕረቱ እናዘከረ ንእስራኤልባርያኡ ተቐበሎ። ንአብን ንወልድን ንመንፈስቅዱስን ምስጋና ይኹን፡ ንዘለዓለም ዓለምኣሜን።
ሉቃ.146-55

No comments:

Post a Comment