Saturday, April 7, 2018

ሰሙነ ሕማማት (ቀዳም)


ኪሪያ ላይሶን   ኪርያ ላይሶን    ኪርያላይሶን
  ሰሙነ ሕማማት  (ቀዳም)
ቀዳም ስዑር እዛ ዕለት እዚኣ  ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከርሰ መቓብር ዝወዓለላ መዓልቲ እያ። እዚ ከኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱሳን ሓዋርያትን ተስፍ ዝገበሩሉ ኣምላኾም ብኣይሁድ ካብ ዝተታሕዘሉ ዕለተ ሓሙስ ክሳብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ዝርእዩ ንሞቱ ብምዝካር፡ ንትንሣኤኡ እናናፈቑ ዝጽበይሉ ዝነበሩ መዓልቲ እዩ። እዛ ቀዳም እዚኣ ዲያብሎስ ብመስቀል ክርስቶስ እተሳዕረላ፡  ነፍሳት ካብ ሲዖል ዝተበርበሩላን ዕለት ስለ ዝዝከረላ ስዑር ተባሂላ ትጽዋዕ
እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቤተክርስቲያን ሰቲ ዝዕደለሉ ዕለት እዩ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ስግደትን ጾምን ዝቀነዩ ምእመናን፡ ብዕለተ ቀዳም ናይ ንግሆ ጸሎት ምስ ተፈጸመ ካህናትገብረ ሰላም ብመስቀሉ” (ብመስቀሉ ሰላም ገበረ) እናበሉ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣከቡ ምእመናን ሰቲ ይዕድሉ። ሰቲ ናይ ብስራት ምልክት እዩ እቲ ምሳሌኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ኣብ  ግዜ ኖህ ዝነበረ ሕዝቢ ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጺኡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ምድሪ ብዓመጻ መሊእዋ ነበረ። ምድሪ ድማ ብኃጢኣት ወዲ ሰብ ተጸይቃ ነበረት። እግዚአብሔር ከኣ ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ንጻድቕ ኖኅን ስድርኡን ዝድኅነሉ መርከብ ክሰርሕ ኣዘዞ። ኖኅ ድማ ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ። እቶም ሕዝቢ ትምህርተ ንስሓ ኖኅ ክሰምዑን ክቕበሉን ስለዘይደለዩ፡ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ኖህ ሸሞንተ ነፍሳት ሒዙ ናብ መርከብ ኣተወ። ብድኅሪ ከኣ ምድሪ ብማየ ኣይኅ የዕለቕለቐት። ጻድቕ ኖህ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ካብቶም ሒዝዎም ዝኣተወ ኣንስሳ ናይቲ ማይ ምጉዳል ክትርኢ ንርግቢት ሰደዳ፡ ንሳውን እቲ ማይ ከም ዝጎደለ ምልክት ልሙዕ ቖጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ተመልሰቶ ኖህውን በቲ ቖጽሊ ኣውሊዕ እቲ ማይ ከም ዝጐደለ ተረዲኡ ተሓጐሰ(ዘፍ 81-29) ከምቲ ሰቲ፡ ምንቓጽ ጥፍኣት ማይ መበሰሪ ዝኾነ ሕጂውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሞት ክርስቶስ፡ ሞተ ነፍስ ካብ ደቂ ኣዳም ከም ዝረሓቐ ክተበስር ብካህናት ኣቦታትና ኣቢላ ሰቲ ትዕድል፡ ምእመናን ከኣ ነቲ ናይ ድሕነት ምልክት ዝኾነ ሰቲ ኸኣ ኣብ ግንባሮም ይኣስርዎ።
እዛ ቀዳም እዚኣ ቅድስት መዓልቲ እያ። ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር ንፍጥረታት ኵሉ ምስ ፈጠረ በዚኣ ዕለት እዚኣ ካብ ኵሉ ስርሑ ዝዓረፈሉ ክኸውን ከሎ፡ ብሓዲስ ኪዳን ከኣ ንኵሉ ናይ ምድሓን ስርሑ ፈጺሙ ብስግኡ ኣብ መቓብር ከዕርፍ ከሎ፡ ብነፍሲ ከኣ ንሲዖል ዘሚቱ ጥርሓ ዘትረፈሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ኣብ ሲዖል ዝነበሩ ነፍሳት ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲ ዘውረሰላ ዕለት ስለዝኾነት ካብ ካልኦት መዓልትታት ብዝተፈልየ ቅዱስ ቀዳም ተባሂላ ትጽዋዕ።
ቅዱስ እግዚኣብሔር ናብዚ ዕለት እዚ ዘብጽሓና ይኽበር ይመስገን ኣሜን!
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!

No comments:

Post a Comment