Thursday, December 4, 2014

ብእንታይ ኣለዎ ዝመጽእ ሰበብን ሓጢኣትን።



በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን፣

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ህያው ኣምላኽናን እግዚኣብሔር ጎይታ፣ ዝሓለፈ ግዜ፣ ኩሉ ብሰላምን ሂወትን ፍጹም ምህላውን ሓሊኻ፣ ደጊምካ ብሓጢኣትን በደልን ዝጨረሽናዮ ዕድመና ነዛ ሎሚ መዓልቲ ወሲኽካ ስለ ዝሃብካና ነመስግነካ ኣለና ።  ኦጎይታ ክብርን ም. ስጋናን ኣምልኾትን ውዳሴን ኩሉ ግዜ ንዓኻ ይኹን።  ዝተፈተኹም ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ሰብ ናይ እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ፈተውቲ ስጋብ ሞት ብዝፈተወናን ብዘኽበረናን ብሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰላም ዝሃበና።
ከመይ ዊዕኩም ከመይ ሓዲርኩም ከመይ ቀኒኹም? እግዚኣብሔር እዛ ሰዓት እዚኣ ብልግስና ዝሃበና፣ ሞትን ርኽሰትን ክፋእን ተንኮልን ክሕደትን ዝበዝሓ ዓለም፣ ፈልዩ ንርእሱ ብዝፈለዮ ዓለም ውሽጢ ዝሰወረና፣ ሕጂ ድማ ቅዱስ ቃሉ ኣብ ኣእዛና እንዳ ኣተወ ዝፍውሰና ስሙ ጸዊዕና ዘይንጸግበሉ ሂያው ኣምላኽና እግዚኣብሔር ንዘለዓለም ዝተመስገነ ይኹን ኣሜን።
ሎሚ እግዚኣብሔር እንተ ፈቒዱ ቅዱስ ኮይኑ ብዝርድኣናን በዚ ሎሚ መዓልቲ እንመሃረሉ ናይ ትምህርትና ኣርእስቲ እዚ ዝስዕብ እዩ።
ብእንታይ ኣለዎ ዝመጽእ ሰበብን ሓጢኣትን።
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣእይንተ እግዚኣብሔር ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ሰብ ናይ ድንግል ማርያም ፈተውቲ ከመይ ዊዒልኩም  ከመይ ሓዲርኩም ከመይ ቀኒኹም፣ ብየዋህነቱ ዝኣከበና ቅዱስ ቃሉ ዝምህረናን ዝምግበናን ንሕና ሓጢኣተኛታት ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ከም እንርከብ ዝፈቐደልና፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝተመስገነ ይኹን ኣሜን።
ሕጂ ድማ እዚ ንመሃሮ ብእንታይ ኣለዎ ዝመጽእ መዘዝን ሰበብን ጠንቅን እዩ። ብእንታይ ኣለዎ ዝብል ቃል ሰበብ ፣ በዚ ቃል እዚ ብዙሓት ሰባት ሂወቶም ተጎዲኦም እዮም።  በዚ ቃል እዚ ብዙሓት ብሃይማኖቶም ተጎዲኦም እዮም።ንምሳሌ ዝኸውን እንተ ዘይጾምናስ እንታይ ኣለዎ። እግዚኣብሔርሲ እንታይ ሰሪሕኩም እምበር እንታይ በሊዕኩም ኣይብልን ዝብሉ ኣለዉ። መስቀል እንተ ዘይተሳለምናስ እንታይ ኣለዎ ዝብሉ ኣለዉ። ንቤተ ክርስትያን እንተ ዘይከድና እንታይ ኣለዎ። እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ቦታ ደይኮነን ዘሎ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። ካብ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ካብ ሕብረተ ሰብና ወጻኢ ብእንታይ ኣለዎ ማለት ዝጠፍኡ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።
ጥበበኛ ስለሙን ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ምዕራፍ፣22 ቁ፣28። ከምዚ ይብለና ኣቦታትካ ዘቖምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተጥፍእ  ኢሉ ኣሎ።  ደረት ዝተባህለ ስርዓት እዩ፣ ስርዓት ማለት ድማ ትውፊት እዩ፣  ዶብ ወይ ደረት ዝተባህለ ድማ ሃይማኖት እዩ።  ኣቦታትና ዝሰርሕዎ ናይ ቀደም ድንድል ኣይተጥፍእ ማልት እዩ።  ናይ ሃይማኖትካ ስርዓት ኣይተጥፍእ ናይ ሃይማኖትካ ምልክት ኣይተጥፍእ ናይ ሃይማኖትካ ትውፊት ማለት ክምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ደረት ወለድኻ ኣይተጥፍእ ኢሉ ኣሎ።
ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተማሃርናዮ ጾም መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ። ብዛዕባ ጾም ይገልጽ እዩ ክገልጽ ኮሎ ነብያት ጸይሞም እዮም።  ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እኳ ናይ ኩሉ ፍጡር ፈጣሪ ንሱ ጸይሙ እዩ።  እቶም ንጌታ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሩ  ቅዱሳን ሓዋርያት እውን ጸይሞም እዮም።  ኣብ ቤተ ክርስትያና ሸውዓተ ኣጽዋማት ኢልና ንጸውም፣  ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ጌርና ትውፊት ስርዓተ ቤተ ክርስትያን ሕዝና ኢና።  ገለ ገለ ሰባት ኣለዉ ጽቡቅ ግብሪ ከም ዝለዎም ተመሲሎም  ቅኑዕ ከም ዝሰርሕ ( ሕጊ) ከም ዝሰርሕ ሰብ ተመሲሎም።  እንተ ዘይጸምኩ እንታይ ኣለዎ ይብሉ፣ እንተዘይ ጸምኩ እንታይ ጸገም የምጽእ እንታይ ኣለዎ ዝብል ሰብ ንኸብዱ ማለት ንስጋኡ ሰሲዑ እንበር ንነብሱ ደሊዩ ኣይኮነን።
ቅዱስ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ኣሎ፣ ኣብ ፍልጲስዩስ ምዕ፣3 ቁ፣ 18።
 ከመይ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝነገርኩኹም ሕጂ ኸኣ እናዓበኹም ዝነግረኩም ዘለኹ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።  መወዳእትኦም ከኣ ጥፋኣት እዮ።  ተቓወምቲ ኮይኖም ይመላለሱ መጨረሽኦም ግን ጥፍኣት እዩ።  ኣምላኾም ከብዶም እዩ።  ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፣ ሓሳቦም ድማ ምድራዊ እዩ፣ ንምዃኑ እንተ በላዕኩ እሞ እንተ ዘይጸምኩ እንታይ ኣለዎ ዝብሉ።  ኣነ ሓንቲ ሕቶ ኣላትኒ ኣሕዋተይ መዓረይ ንምዃኑ መንግስቲ ኣምላኽ ብመብልዕ ይውረስ ድዩ? ኣይውረስን።  መብልዕን መስተን ናብ እግዚኣብሔር የቕርብ ዶ? ኣየቕርብን። እሞ መብልዕን መስተን ናብ እግዚኣብሔር ዘቕርብ እንተ ኮይኑ፣ መብልዕን መስተን ንመንግስተ ሰማይ ዋጋ ዝኸውን እንተኮይኑ፣ ኣይኮነን ዶ ስጋ ብዕራይ ስጋ ኣድግን በቕልን እውን ንብላዕ ማለት እዩ። ናብ እግዚኣብሔር መብልዕ ዘቕርብ እንተኾይኑ፣ ነዚ ቃላት እዚ ዝተገረመ ዓብይ ኣቦና ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ይ ቆረንቶስ ምዕ፣8 ቁ 8።
ዘሎ ከምዚ ኢሉ ይመኽረና ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓንን እዩ። እንተ በላዕና ኣይውስኽ እንተ ዘይበላዕና ኣይንንኪ ፣ መብልዕ ናብ እግዚኣብሔር ኣየቕርበናን ከይበላዕና ተሪፍና ብንጸውም ምንም ኣይጎድለናን።  ጾም ስዒርና ብእንበልዕ ምንም ኣይንኸስብን ብዘይካ ሓጢኣት።  መሰረት ናይ ሓጢኣት መብልዕ ስለ ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ መብልዕ ናብ እግዚኣብሔር ኣየቕርበናን ኢሉ እዩ። ኩቡራት ህዝበ ክርስትያን መብልዕ ናብ እግዚኣብሔር ዘየቕርበና ካብ ኮነ፣ በሊዕና ትርፊ ዘይብልና ካብ ኮነ፣ እንተ ዘይበላዕናውን ዘይጎድለና ካብ ኮነ፣ ጾም ክንጸውም ይገበኣና።  ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ሮማ ክርስትያን ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ ኣሎ።
ኣብ ሮሜ ምዕ፣14 ቁ 19  እንበኣር ኣሰር ሰላምን ኣሰር እቲ ነሓድሕድና እነተሃናንጸሉ ነገር ንስዓብ።  ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ጽድቕን ሰላምን ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ደስታ እያ እንበር። ብምኽንያት ብልዒ ንስራሕ ኣምላኽ ኣይተፍርሶ።  ብርግጽ ምግቢ ዘበለ ኩሉ ንጹሕ እዩ፣  እንተ ኾነ ኃውካ ዚዕንቀፈሉ ምግቢ ምብላዕ ብደል እዩ ንምንታይ በለ። ነቲ ብእምነቱ ድኹም ዝኾነ ተቐበልዎ በቲ ዜየካትዕ ነገር ድማ ኣይትንቀፍዎ ኩሉ ዝተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ ። መንግስቲ ኣምላኽ ግን መብልዕን መስተን ኣይኮነትን ከምዚ ጌሩ ንክርስቶስ ዝግዛእ ንእግዚኣብሔር ደስ የብሎ። ብጾም ዝተመስገነ እዩ፣ ይብል ቅዱስ ጳውሎስ።  ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ መብልዕን መስተን ኣይኮነትን  ትውረስ ንምንታይ በለ። 
ቀዳማይ፣ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ብመብልዕን መስተን ኣይትውረስን ማለት እዩ። ካልኣይ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ዝበላ ወንጌል እያ።  ስለምንታይ እዩ  ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ዝበላ ንወንጌል?  ወንጌል ዝበለቶ ኩሉ ብዝፍጽምዎ ብዝሕልውዎን ብዘጽንዕዎን ምስ ወንጌል ምስ ዝነብሩን ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ስለ ተውርስ። ወንጌል ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ኢልዋ።  ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ መብልዕን መስተን ኣይኮነትን።
እንታይ ደኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ደስታን ሰላምን ራህዋን ክብል ኮሎ ወንጌል ማለቱ እዩ። ብዝፍጽምዋ ንወንጌል ግን ናይ እግዚኣሔር መንግስቲ ተውርስ ስለ ዝኾነት፣ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ሓድነትን ትሰብኽ ትምህረና እንበር፣ ንመብልዕን መስተን ንኸብዲ ዝኸውን ኣይትምህርን ማለት እዩ። ሳልሳይ ድማ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ መብልዕን መስተን ኣይኮነትን ክብል ኮሎ፣  ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ዝተባህለት ወንጌል ንብላዕ ንስተ ኣብ ትብል ነብሲ ኣይትሓድርን ኣይትዋሃሃድን ይብለና እምበኣር። እዞም ሰለስተ ቃላት ተረዲእና፣ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ መብልዕን መስተን ኣይኮነትን። ብመንፈስ ቅዱስ ጽኾነ ደስታን ሓጎስን ስለምን ቅሳነትን እያ። ክብል ሰውነትና ንኽርስቶስ ከነግዝኣ ማለቱ እዩ። ብሂወት ግዜና ኩሉ ደስ ነብሎ ንመንዩ እግዚኣብሔር እዩ። ብእንበልዕ ብእንሰቲ ግን ንስጋና ጥራይ እና ደስ ንብሎ።  እንተ ጸምና እንተ ሰጊድና እንተ ጸሊና እንተ መጽዊትና ግን ንእግዚኣብሔር እና ደስ ነብሎ።  ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዕብራውያን መልእኽቱ።
ኣብ ምዕ፣13 ካብ ቁ፣8 ጀሚሩ ዝተዛረቦ ኣሎ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ዝተዛረብኩኹም ቀንዱ ሕሰቡ ናቶም ፍለጥዎም።  እንዳ ተመልከትኩም ብእምነቶም ፍለጥዎም ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም እውን ንሱ እዩ። በብዓይነቱ  ብዝተፈላለየ ጋሻ ዝኾነ ኣስተምህሮ ናይ ዝኾነ ትምህርቲ ብሓድሽ ትምህርቲ ብናይ ጌጋ ትምህርቲ ስብከተ ሓሶት ማለት ሓሶት እንተ ተደጋገመት ሓቂ ትመስል ስለ ዝኾነ።  በዚ ኣብለጭላጪ ግዚያዊ ትምህርቲ ልብኹም ከይውሰድ ተጠንቀቑ። ብጸጋ መንፈስ ክንጸንዕ ጽቡቕ እዩ እምበር ብምብላዕ ኣይኮነን።  ብመብልዕ ዝሓለፉ ኣይተጠቕሙን እዩ ዝብለና።  ልብኹም ብምብላዕን መስተን ይጽናዕ ኣይብለናን እዩ። ልብኹም ብእግዚኣብሔር ፀጋ ጸኒዑ ይንበር እሉ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ዝበላ ከኣ ወንጌል እያ።ልብኹም ብሕጊ ወንጌል ጸኒዑ ይንበር ማለቱ እዩ። ገለ ሰባት ግን ኣለዉ ንብላዕ ንስተ እንዳ በሉ ከብዶም ዝገዝኦም ሰባት ከብዶም ዘሸንፎም ሰባት ከም በዓል ኤሳው ኣይተጠቕሙን ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።
ሓደ ግዜ ሓደ ቐሺ ኣባት ነብሲ እዮም ናብ ናይ ንስሓ ወዶም ከዱ ጸሎት ደጊሞም ቡራኬ ሂቦም ጸበል ነጺጎም ኮፍ ምስ በሉ ሓደ በጽሒ ኣብ ቅድሚኦም ኮፍ ኢሉ ኣርብዓ ጾም ምድሪ ጸባ ክሰቲ ረኣይዎሞ ገረሞም ለካ ንሱ ጴንጤ እዩ ነሩ።  ዘይፈለጡ ኣቦይ ቀሺ ምስ ረኣይዎ ሰንበዱ፣ በሉ ድማ በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣንታ ወደይ እንታይ ደኣሉ ጉዱ ኣርብዓ ጾም ምድሪ ጸባ ትሰቲ በልዎ። ወዮ ዘይሓፍር ምልስ እሉ ኣባቴ እንተ ዘይጸምኩ እንታይ ኣለዎ በለ። ቅብል ኣቢሉ ድማ ምንጥል ኣቢሉ ማለት ቅዱስ ስለ ዝይብሉ ጳውሎስ ሓዋርያ እኮ ኩሉ ተፈቒዱልና እዩ ኢሉ በሎም።  ስለዚ ኩሉ ካብ ዝተፈቕደልና ክንበልዕ ክንሰቲ ኢና በለ። ወዮ ደፋር በሎም ድማ ንስኻትኩም ናይ ኦርቶዶክስ ካህናት ግን ስቕ ኢልኩም እኹም ትኽልኩልና በሎም። ወዮም ኣቦ ኣንታ ወደይ በልዎ? ኣቤት ብሎም እሞ ኩሉ ተፈቒዱልና ኢልካስ ኩሉ ክትበልዕ በልዎ፣ ንሱ ድማ እወ በሎም። ወዮም ኣበ ነብሲ ነቶም ሰብ ገዛ ጸውዕዎም በሉ ዘምደቀይ በሉ ድሓን ኩኑ ድሓን ወዓሉ በልዎም ከይደ በሉ።  ወዮም ሰብ ገዛ ኣቦና እንታይ ኮንኩም በልዎም ንሶም ድማ እዚ ቆልዓ እዚ ንዓይውን ከይበልዓኒ ይፈርህ ኣለኹ በልዎም ። ብርግጽ ቅዱስ ጳውሎስ ኩሉ ተፈቒድልና ኢሉ እዩ።
1ይ፣ቆረንቶስ ምዕ፣6 ቁ፣12። ዘሎ ኩሉ ተፈቒዱልና ኢሉ እዩ ብሰብነትኩም ንእግዚኣብሔር ኣኽብሩ ኩሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ፣ ኩሉ ተፈቒዱለይ ኣነ ግና ናይ ሓደ ነገር እኳ ግዙእ ክኸውን ኣይደልን እየ። ብልዒ ንኸብዲ ከብዲ ድማ ንብልዒ እዩ፣ ኣምላኽ ግና ንኽልቲኦም ከጥፍኦም እዩ። ሰብነት ንጎይታ ጎይታውን ንሰብነት እዩ፣ እምበር ሰብነትሲ ንምንዝርና ኣይኮነን ። በለ ወገነይ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ሰብ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዘይጠቅም ነገር ምግዳፉ ዶ ወይስ ምሓዙ ያእ ምግዳፍ እዩ ጽቡቕ። ኩሉ ተፈቒዱልና ነገር ግን ኣይጠቕመናን ነገር ግን ኣይጠቅምን ኢሉ ኣሎ። ብኸምዚ ዓይነት ብእንታይ ኣልዎ ዝብል ቃል ዝተጎድኡ ኣለዉ።
እስኪ እንታይ ኣለዎ እሎም ብፍቓዶም ዝተጓዕዙ ሰባት እንታይ እንታይ ከምዝበጽሖም ሓደ ብሓደ ንመልከት ኦሪት ዘፍጥረት፣ምዕ፣2 ቁ 16 ዘሎ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ኣዘዞ ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ። ካብ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ ብሎ። ኣቦና ኣዳም ግን ነዚ ትእዛዝ እዚ ሸውዓተ ዓመት ጥራይ ክሕልዎም ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይ ምግዳስ ማለት ትእዛዝ እግዚኣሔር ብምፍራስ እንታይ ኣለዎ ካብዛ ዕጸ በለስ ዝኸልከለና እንተ በላዕና፣ ብማለት ትእዛዝ እግዚኣብሔር ጢሒሶም በሊዖም እንታይ ኣለዎ ካብዛ ዕጸ በለስ እንተበላዕና ኢሉ ዘጋገዮም እቲ ርጉም ሰይጣን እዩ። ብእንታይ ኣለዎ ዝመጽእ ሓሳብ፣  ሕጊ እግዚኣብሔር ከም ነፍርስ ብእንታይ ኣለዎ ካብ ምስጋና እግዚኣብሔር ከም ንርሕቕ ይገብረና መን እዩ ንሱ ዲያብሎስ ሰይጣን ምዃኑ ክንፈልጦ ይግበኣና።
ኦሪት፣ዘፍጥረት ምዕ፣ 4 ቁ 8 ዘሎ ቃኤልን ኣቤልን ንረክብ በቲ ዝነበረ ግዜ ምንም እኳ ሕጊ እንተ ዘይተሰርሐ ናይ መስዋእቲ ኣቃራርባ ኔርዎም እዩ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ንጹህ ስለ ዝኾነ ንጹህ መስዋእቲ ንእግዚኣብሔር ምቕራብ ይግበኣና እዩ። ኣቤል እንታይ ኣለዎ ከይበለ እንታይ ገደሰኒ ከይበለ ንጹህ መስዋእቲ ስርዓቱ ሓልዩ መስዋእቲ ኣቕረበ። እግዚኣብሔር ኸኣ መስዋእቱ ተቐበሎ እግዚኣብሔር ናብ ኣቤልን መስዋእቱን ረኣየ ይብለና። ቃኤልከ ብዘይ ምግዳስ እንታይ ኣለዎ ብምባል ረሳሕ ገፈል ዘለዎ መስዋእቲ እንተ ኣቕረብኩ ንእግዚኣብሔር እንታይ ኣለዎ ፣ እግዚኣብሔር  መሬት ወሪዱ ኣይበልዖን ብምባል ሓሰር ገፈል ዝበዝሖ መስዋእቲ ኣቕረበ ይብለና። እግዚኣብሔርከ ተቐበሎዶ? ኣይተቐበሎን።  ከምኡውን በዚ ኣየቋረጸን ቃኤል እንታይ በለ ሓወይ እንተ ቐተልኩዎ እንታይ ኣለዎ ኢሉ ሐሰበ።  ሓሲቡውን ኣይተረፈን ሓዉ ቀተለ፣ በዚይ እውን ኣየብቀዐን። ናይ ኣቤል ደም ናብ እግዚኣብሔር ኣእወየት።  ሎሚ ኣብዛ ዓለምና ናይ ብዙሓት ንጹህ ደም ክንደይ ይፈስስ ኣሎ። ናይ እዞም ኩሎም ንጹሃት ደም ኣውያት መን ይሰምዕ እግዚኣብሔር ይሰምዕ። ንወዮ ቃኤል እግዚኣብሔር ሓተቶ ኣቤል ሓውካ ኣበይ ኣሎ በሎ፣ ቃኤል ድማ ብልቡ ሓሰበ ኣነ ሓላዊኡ ድየ እንተ በልክዎ እንታይ ኣለዎ በለ።  ከምዚ ድማ በለ ኣነ ሓላዊ ኣቤል ሓወይ ድየ በለ፣ ብድሕሪኡ ከኣ እግዚኣብሔር ረገሞ ቓኤል መርገሙ ተሸኪሙ ነበረ ይብለና።
ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ፣ 19 ቁ 15። ዘሎ ሎጥን ሰበይቱን 2ደቁን ንረክብ ኢና ሶዶም ሓጢኣት ስለ ዝበዝሓ ግፍዒ ስለ ዝበዝሓ በደል ስለ ዝበዝሓ ናይ እግዚኣብሔር ቁጥዓ ኣብ ልዕሊ ሰዶም ዘነበ ሃረመ። ቅዲሚ ሰዶም ምጥፍኣ ግን ሓደ ጻድቕ ምስ ቤተ ሰቡ ስድርኡ ነበረ ይብለና ንሱኸ መን እዩ? ጻድቕ ሎጥ እዩ። ክልተ ቅዱሳን መላእኽቲ ናብ ሎጥ መጹ ብግንባሩ ተደፊኡ ሰገደሎም ይብለና። እዞም ክልተ ቅዱሳን መላእኽታት ስጋብ መጨረሽታ ኢድ ሎጥን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ደቁን ሕዞም ካብ ጥፍኣት ከተማ ኣውጽእዎም ።
ሎሚ ድማ ንዓይን ንዓኹምን  በዓል ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ኣእዳውና ሕዞም ካብ ጥፋት ከተማ የውጽኡና ኣሜን።  ብኣማላድነቶም ካብ ጥፍኣት ከተማ የውጽእና ።  ንስድራ ሎጥ ስርዓት ሰርዕሎም እቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ከውጽእዎም ከለዉ እዩ ንሱ ኸ? ንድሕሪት ገጽኩም ቁሉሕ ከይትብሉ ጉዕዞኹም ቀጽሉ በልዎም። ከምዚ ድማ በልዎ ንሎጥ ርእስኻ ኣድሕን በዚ ዙርያ ጠጠው ኣይትበል በልዎ ከይትጠፍእ ናብዚ ጎቦ ደይብካ  ተኸወል በልዎ። ሓንቲ ሕቶ ከሓተኩም እየ፣ በቲ ቦታ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ጠጠው ምባል ስርዓቱ የፍቅድ ዶ? ወይስ ኣየፍቅድን ግድን ኣየፍቅድን እዩ። ዝገርመኩም ሎጥን 2ተ ደቁን ነዚ ስርዓት ሓልዮም ንድሕሪት ግልጽ ከይበሉ ንቕድሚት ተጓዒዞም ከዱ ናይ ሎጥ ሰበይቲ ግን እንታይ በለት ብዚ ስፍራ እዚ ጠጠው እንተ በልኩ እንታይ ኣለዎ በለት፣ ጠጠው በለት ገለ ኣይኮንኩን በለት፣ ጠጠው ምባል ግን ትእዛዝ ናይቶም ቅዱሳት መላእኽት የፍቅድ ዶ ኣየፍቅድን።  ቀጺላ ድማ ንድሕሪት ተመሊሰ እንተ ረኣኹ እንታይ ኣለዎ በለትሞ። ጥምዝዝ (ጥውይ) ኢላ ንድሕሪት ጠመተት ረኣየት።  ካብኡ እንታይ ኮይና ተረፈት  ሓወልቲ ጨው ኮይና ተረፈት።
ሎሚ ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን ብእንታይ ኣለዎ ሰበብ ምስ ጫማና ንቤተ ክርስትያን ነኣቱ። ንሱ ጥራይ ከይኣክል ድማ ንዛረብ ሳእኒ ኣውጺእና ምእታው ኣይኮነን ኣብ ልብና ዘሎ ከም ጫማ ረሳሕ ማለት ሓጢኣት እዩ እንበር ንብል። እቲ ድኹም ወዲ ኣዳም ግና እቲ ዝርኣ ዘሎ ኣብ እግሩ ዘሎ ጫማ ከውጽእ ዘይከኣለ ካብ ዝሰነፈስ ከመይ ጌሩ ደኣ ኣብ ልቡ ዘሎ ረቂቕ ሓጢኣት ከውጽእ ይኽእል። ብቕሩብ ክትኣምን ዘይከኣልካስ ብብዙሕ ክትኣምን ከቢድ እዩ፣መጀመርያ ጫማኻ ኣውጺእካ እቶ። ጫማኻ ኣውጽእ ዝተበሃልካዮ እኮ ብናይ እግዚኣብሔር ቃል ትእዛዝ መሰረት እዩ። እግዚኣብሔር ነቦና ሙሴ እንታይ በሎ።
ኦሪት ዘጽኣት ምዕ፣3 ቁ 5 ዘሎ ኦ ሙሴ ዘለኻዮ ቦታ ቅዱስ እዩሞ ሳእንኻ ኣውጽእ በሎ ኣቦና ሙሴኸ እንታይ በሎ እንቢ እሉ ድዩ ኣይበለን፣ ኣሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ መልኣኽ ሰገደ ይብለና። ኣብ መጽሓፍ ኢያሱ ዘሎውን ተመሳስሊ ንረኽቦ ምዕ፣5 ቁ 13። ኢያሱ ኣብጥቓ ኢያርኮ ኮሎ ዝተመልሐ ሰይፊ ዝሓዘ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ሊኡ ረኣየ ፣ ኢያሱ ኸኣ ናብኡ ከይዱ ንስኻ ናትና ድኻ ወይስ ናይ ጸላእትና በሎ። ንሱ ድማ ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሔር ኮይነ ደኣ ሕጂ መጺአ ኣለኹ በሎ ኢያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ “ጎይታይ ንኣይ ንባርያኻ እትብሎ እንታይ ኣሎ” በሎ። እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሔር ድማ ንኢያሱ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ፣ ኣሳእንካ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ በሎ ኢያሱ ድማ ክምኡ ገበረ ይብለና። ብእንታይ ኣለዎ እንተ ዘየውጻእኩኸ ኣይበለን ትእዛዝ ናይቲ መልኣኽ ደኣ ፈጸመ ይብለና።ስለዚ ብእንታይ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ክንጉዳእ የብልናን።
ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ፣25 ቁ 34 ዘሎ ድማ ከምቲ ቅድም ዝተማሃርናዮ ኤሳውን ያዕቆብን ንረክብ ኤሳውን ያዕቆን መናቱ እዮም፣ ብሓደ መዓልቲ ኢዮም ተወሊዶም ነገር ግን ቀዳማይ ዝወጸ ጸሓይ ዝረኣየ ንሱ በኹሪ ይበሃል። ንሱድማ ኤሳው እዩ ዓብይ በኹሪ ድማ ተባህለ ያዕቆብ ድማ ናይ ሓዉ ሰረት ሒዙ ወጸ።  ናይ በኹሪ ውላድ ይባረኽ እዩ ብመን ብወላዲኡ በብኡ። ናይ በኹሪ ውላድ ይምረቕ ብመን በብኡ። ኣቦ ዝባረኾ ቡራኬ ኣቦ ዝምርቖ ምርቓ መን የጽንዓ ኣብ ሰማይ ዘሎ ፈጣሪና እግዚኣብሔር እዩ።  ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኤሳው ናብ ሁዱን ክሃድን ናብ በረኻ ወፈረ ይብለና ድልይ ዊዒሉ ግን ሓንቲ እኳ ኣይረኸበን ሲኢኑ ተመልሰ ይበለና ጠመዮ ድማ ሽዑ ናብ ዓዲ ክምለስ ከሎ ንእሽተይ ሓዉ ያዕቆብ ረኸቦ እሞ ምግቢ ከዳሉ ረኣዮ ይብል እቲ ቅዱስ ቃል። ሽዑ ብእንታይ ኣለዎ ብሸለልትነት ንመብልዕ ብኹርናኡ ሸጣ ለወጣ ይብለና።
ብኹርናኡ ኣቃለለ ይብለና ምቅላል ይግባእ ድዩ ኣይግባእን፣ ንምንታይ ብኹርናኡ በረኸት ስለ ዝኾነት ብኹርናኡ ምርቓ እያ ንሱ ግን ሓሲቡ ብኹርናይ ነዛ ዝበልዓ ምግቢ ንያዕቆብ ሓወይ እንተ ሸጥኩዋ እንታይ ኣለዋ እንተ ለወጥክዋ ኢሉ ሓሰበ። ብኹርናይ ብኣንጀራን ጸብሒን ናይ ያዕቆብ ሓወይ እንተ ለወጥክዋ እንታይ ኣለዎ ኢሉ ሓሰበ። ሓሲቡውን ኣይተረፈን ንሓዉ ንያዕቆብ ብኹርናኡ ሸጣ ለወጣ በቃ። እንታይ ተሪፍዎ ብድሕሪኡ ነገር በረኸት ተሪፉ ብኹርናኡ ካብ ዝሽይጥን ዝልውጥን። ካብ ዝሸጣ ግን ምጥማይ ምጻም ማሓሾ ነሩ ካብ እግዚኣብሔር ዝኾነ በለ ጌታ ኣብ ዮውሓንስ ወንጌል ምዕ፣8 ቁ 47።
ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ቃል ኣምላኽ  እዩ ዝሰምዕ ይብል ንስኻትኩም ግን ካብ ኣምላኽ ስለ ዘይኮንኩም ናይ ኣምላኽ  ቃል ኣይትሰምዑን ኢሉ፣እዚ ናይ ኣምላኽ ቃል ዝሰምዕ ሰብ ንሱ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኢዩ ኢሉ ኣሎ ።  እቲ ናይ ኣምላኽ ዘይኮነ ሰብ ግን መሊቑ ወይ ኣማኻንዩ ካብቲ ቃል ኣምላኽ ይርሕቕ ይወጽእ ድማ። ተመልከቱ ኤሳው እንታይ ኣለዎ ኢሉ ብኹርናኡ ሸጠ ብኹርናኡ ለወጠ በረኸት ድማ ሰኣነ። ተመልከቱ ኣሕዋተይ ካብዚ ኩሉ ግን እንተ ዝጸውም ምሓሾ ነይሩ። ካብ እግዚኣብሔር ዓስቢ ምረኸበ ነይሩ፣ ክብሩ ካብ ዝሸይጥ ሙጻም ምሓሾ እንተ ዝጸውም እውን ብኹርናኡ ኣይምሸጠን ኤሳው ግን ብኹርናኡ ዝሸጠ እዩ። ምርቓኡ ዝሸጠ እዩ፣ እዚ ትምህርቲ እዚ ብግቡእ ክንፈልጦ ይግበኣና ኩቡራት ኣሓዋትን ኣሓትን።
እንታይ ደኣ ቅዱስ ጳውሎስ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ነዚ ናይ ኤሳው ኩፉእ ታሪኽ ኣብ ዕብራውያን ምዕ፣ 12 ቁ 16 ዘሎ ከምዚ ይብል ሓደ እኳ ኣመንዚራ ዝኾነ ወይ ከምቲ ንሓንቲ ግዚ ኺበልዕ ኢሉ ብኹርናኡ ዝሸጠ ኤሳው መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ በለ። ኤሳው ጸኒሑ ነታ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየ ኣይተዋህቦን ብንብዓትውን እንተ ደለያ ንንስሓ ዚኸውን ግዜ ከም ዘይረኸበ ከም ዝተደርበየ ትፈልጡ ኢኹም በለ። ንሕና ኣሕዋት ድማ ክንፈልጥ ይግበኣና እዩ። ኣብ ኦሪት ዘሁልቅ ምዕ፣ 16፣ካብ ቁ 1 ክሳብ 50 ዘሎ ቆራሕ ዳታን ኣቤሮንን ንረክብ ቆራሕ ወዲ ይጽሃር ወዲ ቃሃት ካብ ነገደ ሌዊ እዩ፣ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ እዮም። ኦን ከኣ ውዲ ጴሌት ካብ ነገደ ሮቤል እዩ። ኣዚኦም ብሰሪ እንታይ ኣለዎ ዝብል ቃል ነቦና ሙሴ ብኽፋእ ተላዓልዎ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ዝነበሩ ሰዓብቶም ክልተ ሚኢትን ሓምሳን ሹማምንቲ ዝኾኑ ነበሩ ይብለና። ናብ ሙሴን ኣሮንን ተኣኪቦም መጹ እሞ “ ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ቅዱስ እዩ፣ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ማእከሉ እዩ።
ስለምንታይ ኣብ ሊዕሊ ማሕበር እግዚኣብሔር ኬንኩም እትዕበዩ። እምብዛ ኣብዝሕኩምዎ “ እናበሉ ተጻረርዎም። ከምኡ ምስ በሉ፣ ነዚ ምስ ሰምዐ ብገጹ ተድፍአ፣ ነብይ ሙሴ ከምኡ ምባሎም ገረሞ በሎም ድማ ንቆራሕን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም ‘’ እግዚኣብሔር ጽባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ከፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸኣ ናብኡ ከቕርቦ እዩ፣ ቆራሕን ኩሎም ሰዓብትኻን ከምዚ ግበሩ፣ ጸጽንሃህኩም ውሰዱ ጽባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሓዊን ዕጣንን ግበሩ። እቲ እግዚኣብሔር ዝሓረዮ ሰብኣይ ንሱ ቅዱስ ይኹን።  ኣቶም ደቂ ሊዊ እንብዛ ኣብዚሕኩምዎ ‘’ በል እንታይ ማለቱ እዩ፣ ብድፍረት ብእንታይ ኣለዎ ንሕጊ እግዚኣብሔር ክንዕቅዎን ከፍርስዎን የርእየና ኣሎ። እዞም ኩሎም ዝጠቐስናዮም ኣብ እዚ ምዕራፍ 16 ዝሎ ስጋብ መጨረሻ ንንብቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ብድፍረት ብእንታይ ኣለዎ ኢሎም ሕጊ እግዚኣብሔር ደፊሮም ምግባሮም ንሙሴ ኣቖጠዖ ከምዚ ድማ በለ ንእግዚኣብሔር  መስዋእቶም ኣይትቀበል፣ ኣነ ንሓደ እኳ ኣይበደልኩን ዋላ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩሎምን በለ።
ወዮም ቆራሕ ምስ ሰዓብቱ ድማ ብድፍረት ናብ ቤተ እግዚኣብሔር መጺኦም ኩሎም ክልተ ሚኢትን ሓምሳን ጽንሓህ ሓዙ ዕጣን ወን ኣዳለዉ ፍሕሚ እውን ቀረቡ ንነብሲ ወከፍ ፅንሓህ ዕጣን ገበሩሉ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ድማ ጠጠው በሉ እንታይ ኣለዎ ከም ኣሮንን ሙሴን ንእግዚኣብሔር እንተ ዓጠና ኢሎም ብድፍረት  ደው ብሉ ሙሴን ኣሮንን ከኣ ምስኣቶም ደው ኢሎም ነበሩ።  ሽዑ ሓይሊን ክብርን እግዚኣብሔር ከኣ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ተራእየ ተገልጸ።  በለ እግዚኣብሔር ድማ ንሙሴን ኣሮንን ካብዚ ኣኼባ እዚ ብቕጽበት ተፈለዩ በሎም።  ብቕጽበት ዓይኒ ከጥፍኦም እየ በለ።  ረኣዩ ኣሕዋተይ መዓረይ ብድፍረት ዝግበር ነገር ክሳብ ኣበይ ከምዘብጽሓካ ክንሓስብ ይግበኣና።  ተመልከቱ በቲ ግዜ ኢቲ ኣሮንን ደቁን ስልጣነ ክህነት ዝሃቦም መን እዩ እግዚኣብሔር እዩ።
ኣብ ኦሪት ዘጽኣት ምዕ፣28 ቁ 1 ዘሎ ንመልከት ነቦና ሙሴ እግዚኣብሔር ከምዚ በሎ ንስኻ ኸኣ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን፣ ካህናት ኮይኖም ኬገልግሉኒ ኻብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም ንሓውካ ኣሮን ድማ ኩቡርን ዘጌጸን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ በሎ።  ንቦና ሙሴ ረኣዩ እሞ ብስቕልካ ብእንታይ ኣለዎ ዘመጸ ክህነት ከምዘየሎ የረዳና ብዘይካ ብትእዛዙ። ኣሕዋተይ  ከምኡውን ኣብ ምዕ፣29 ቁ 1 ዘሎ ድማ ንመልከት ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ከገልግሉኒ ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ ቀድሶም ጉድለት ዘይብሉ በሎ። እግዚኣብሔር ነቦና ሙሴ።  ተመልከቱ በዓል ዳታን ኣቤሮን ዘለውዎም ግን ብእንታይ ኣለዎ ሕጊ እግዚኣብሔር ጢሒሶም ብእደ ወረዳኦም ገበሩ እሞ፣ እግዚኣብሔር እጥፍኦም። ማለት ኩሉ ስልጣነ ክህነት ክወሃብ ከሎ ስርዓት ኣለዎ፣ ነገር ግን እዞም ሰለስተ ሰብ ዻታን ኣቤሮን ቆራሕን ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ሙሴን ኣሮንን ብተንኮል ተላዓልዎም ይብለና። እቲ ዝሓሰብዎ ድማ ቅድም ብመገዲ ሙሴ ጌርና ክህነት ናይ ኣሮን ንውሰድ ብድሕሪኡ ናይ ሙሴ ስልጣን ንወስዳ ኢሎም ሓሲቦም ጌሮም እዮም።  ዝኹሉ ጌሮም ክህነት ብጉልበት ክህነት ብሓይሊ ወይ ብታህዲድ ዝመጽእ መንፈስ ኣይኮን። ብሰሪ መዓቶም ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኡ በልዖም ይብለና።
እታ መሬት ኣፋ ኸፊታ ብለዓቶም።  ግን ብእንታይ ኣለዎ እዞም ስለስተ ሰብ ህዝቦም ሒዞም ጠፍኡ ይብለና ቅዱሳት መጻሕፍትና።  ብእንታይ ኣለዎ ዝመጸ መዘዝ እዩ ብድፍረቶም ተቐዝፉ ይብለና። ኣብ ገለ ቅዱሳት ጽሑፋትና ድማ ከምዚ ይብለና ህዝቢ ንሙሴን ኣሮንን ከም ነብሰ ገዳይ ረኣይዎም።  ሙሴን ኣሮንን ነብሰ ገዳይ ድዮም ኣይኮኑን። እንታይ ደኣ ብዘይ ምግዳስ ብድፍረት ናይ እግዚኣብሔር ቤት ስርዓት ብምንዓቖም እዩ።  ኣይገርመኩምን ህዝቢ ኣብ ዘጉረምርሞሉ ግዜ እግዚኣብሔር ነቲ ህዝቢ ብምዓት ሃረሞም።  ህዝቢ ድማ ከም ቆጽሊ ክረግፍ ጀመረ ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣትዮም ናብ እግዚኣብሔር ለመኑ ኣእወዩ።  ኦ ኣምላኽ በጃኻ ነዚ ህዝቢ ራህርሃሉ በሉ። ረኣዩ በሉ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት እንተይ ይብሉ ክንዲ ወርደትን ንዕቀትን ዝገበርሎም ህዝቢ ። ናይ እግዚኣብሔር  ሰባት ግን ሙሴን ኣሮንን ናብ እግዚኣብሔር ምሕረት ክረኽቡ ለመንሎም። እግዚኣብሔር ድማ ለማንኦም ሰምዖም ሽዑ እግዚኣብሔር ንሙሴ እንታይ በሎ ኣሮን ጽንሃህ ይሓዝ እሞ ኣብ ማእከል ህዝቢ ቆይሙ ይዕጠን ምስ ዓጠነ ግዜ እቲ መቕዘፍቲ ጠጠው ክብል እዩ በለ እግዚኣብሔር።
ረኣዩ ኣሕዋተይ ንሕና ብዛዕባ ዕጣን ቀሊል ይመስለና ይኸውን ዕጣን ክዕጠን ከም ቀሊል ንወስዶ ንኸውን እዚ ጌጋ ኣራዳድኣ እዩ። ወዮ ኣሮንን ዕጣኑ ይዓጥን እሞ መቕሰፍቱ ጠጠው ክብል እዩ። ይብለና እግዚኣብሔርኣሮን ኣብ ማእከል፣ ህዝቢ ኮይኑ ምዕጣን ምስ ጀመረ መዓቱ መቕሰፍቱ ኣብ ጥቓ ኣሮን ክበጽሕ ጠጠው በለ ይብለና።  ኣሮን ኣብ ማእከል ህያዋንን ሙውታትን ጠጠው በለ ይብል። ብቅድሚቱ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ሬሳ ተረስሪሱ እዩ ዘሎ። ብድሕሪኡ ግን ዘለዉ ኩሎም  እቲ መዓት ኣይበጽሖምን ይብለና። ክቡር ህዝበ ክርስትያን ኣብ ፊት ፊትና ቅዱሳን እንተ ኣልዮም መቕሰፍቲ ናባና ክጽጋዕ ኣይክእልን እዩ። እቲ ቀንዲ ዘድልየና ግን ምእማን ጥራሕ እዩ። ኣብዚ ዝሐለፈ ህዝቢ በዚ ምኽንያት እዚ ክንደይ ሞይቶም ይመስለኩም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ።  ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን (14700) ሰባት ሞይቶም በዚ መዓት እዚ።
መጽሓፍ ኢያሱ ምዕ፣6 ቁ 18 ዘሎ ከምዚ ይብለና እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ወጺኦም ኢያሪኮ ትበሃል ቦታ ቅድሚ ምሓዞም እዩ ይብለና። ኢያሪኮ ድማ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል ተዓጽያን ተሸጉራን ነበረት። እግዚኣብሔር ድማ ንኢያሱ ከምዚ በሎ “ርአ ኢያሪኮን ንጉሳን እቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ እህበካ ኣለኹ በሎ። ኩሉኹም ተዋጋእቲ ሰባት ነተ ከተማ ከቢብኩም ሓንሳእ ንመዓልቲ ዙርዋ። ሽዱሽተ መዓልቲ ከምኡ ግበሩ ሾውዓተ ካህናት ከኣ ቅድሚ ታቦት ኮይኖም ሾውዓተ መለኸት እልልታ ይሓዙ። በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሾውዓተሳዕ ዙርዋ ። እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ ነቲ መለኸት እልልታ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ። እቲ ዳሃይ ,መለኸት ድማ ምስ ሰማዕኩም ኩሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ይጨድር።  መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ክወደቕ እዩ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብቲ ዘለዎ ኺድይብ እዩ በሎ። ኮነሎም ድማ እግዚኣብሔር ግን ንኢያሱ ከምዚ ኢልዎ ነሩ እዩ።  ኩላ ኣብ ትሕቲ ኢድኩም ክህበኩም ኢየ ግን ኣብኣ ዝነበረ  ንበረት ኩሉ ይጠቕመና እዩ ኢልኩም ከይትወስዱ ሓራም ይኹንኩም ውላ ሓንቲ ነገር ከይትወስዱ በሎም።
ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ኢያርኮ ዝርከብሉ ግዜ ወርቂ ይኹን ብሩር ገንዘብ ዝኾነ ይጠቕመና እዩ እልኩም ሓንቲ ከይተልዕሉ በሎም። እግዚኣብሔር ናይ ኣሕዛብ ወርቂ ሓራም ይኹን ምስ በሎም እግዚኣብሔር ካብ ኩሉ ዝነገርኩኹም እንተ ወሲድኩም ናይ እስራኤል ሰፈር ዝተረግመ ትገብርዎ ኣለኹም በሎም። ተጨንቕዎ ድማ ኣለኹም እንታይ ኣለዎ ኢልኩም ወርቂ ወይ ገለ ነገር ናይ ኣሕዛብ ንብረት ብትወስዱ ወይ ትትንክፉ  እንታ ኣለዎ ኢልኩም ገንዘብ ብእትእኩቡ ናይ እስራኤል ሰፈር ዝተረግመ ትገብርዎ ኣለኹም ተባሂሎም ብእግዚኣብሔር። ንሳቶም ግን ኣይሐለዉን ሓደ ካብኦም ኣካን ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ ካብ ነገደ የሁዳ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቁጥዓ እግዚኣብሔር ኣብ ህዝቢ እስራኤል ነደደ።
ረኣዩ ብናይ  እንታይ ኣለዎ ብሸለልትነት  ብዘይ ምፍራህ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ስለ ዝጠሓሱ ኣምላኽ ቀጽዖም።  እስራኤላውያን እንደገና ተሳዒሮም ምህዳም ጀመሩ ካብኡ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን እንዳ ሰገደ ኦ እግዚኣብሔር እስራኤላውያን ንምንታይ ሃደሙ በሎ ። በቲ ግዜ እቲ እግዚኣብሔር ድማ ንኢያሱ ከምዚ በሎ ካብ ህዝቢ እስራኤል ዝኾነ ሰብ ሓራም ዝኾነ ብእግዚኣብሔር ብእንታይ ኣለዎ ንእግዚኣብሔር ብዘይ ምፍራህ ወርቅን ገንዘብን ዝወሰደ ኣሎ በሎ።  እግዚኣብሔር ንኢያሱ ንዕኡ ኣውጻኣዮ በሎ። ብእግዚኣብሔር ዘይተፈቕደ ረኣዩ ኩሉ ግዜ እንታይ ኣለዎ እንዳ በልካ ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ የውርደካ። እዞም ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ከም ኣሮንን ደቁን ፍሕሚ ኣቕሪብና ዕጣን ጌርና ኣብ ቅዲሚ ታቦተ ጽዮን ዝይንዓጥን ዝበሉ እንታይ ረኸቡ? ብእግዚኣብሔር ዘይተፈቕደ ኣብ ታቦተ ጽዮን ብበዓል ዳታን እግዚኣብሔር ዘይኣዘዞ  ሓዊ ክገብሩ ጀመሩ።
እንተዓጠና እንታይ ኣለዎ  በሉ ሓዊ ሓዊ እዩ እንታይ ፍልልይነት ኣለዎ። ኢሎም እግዚኣኣብሔር ዘይኣዘዞ ሓዊ ጌሮም እሳት ኣቃጺሎም ናይ ዕጣን መስዋእቲ ኣቕረቡ ቃሉ ከምዚ ይብል ። ታቦተ ጽዮን ዘላቶ ቦታ ዕጣን ይዕጠን ነበረ።  ነቲ ዕጣን እቲ ዝዕጠነሉ ዝነበረ ሓዊ ጓህሪ ብእግዚኣብሔር ዝተኣዘዘ ኣይነበረን።  እሞ እቲ ሓዊ ተመሊሱ በልዖም ኣጥፍኦም ይብለና።  ነቶም ብድፍረት ብእንታይ ኣለዎ ዝገብርዎ ዝነበሩ።  እግዚኣብሔር ዝእዘዞ ዕጣን ግን ናይ መስዋእቲ ዕጣን ናይ በረኸት ዕጣን ናይ ምሕረት ዕጣን ንበረ ይብለና። እንበኣርከስ ኣሕዋተይ መዓረይ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት መዝሙር መዝሙር እዩ ኢሎም ናይ ጰንጤ መዝሙር ዝዝሙሩን ዝሰምዑን ኣለዉ።  ብእንታይ ኣለዎ እዩ ዝመጽእ ሰበብ ኩሉ። መዝሙር እዩ እንተ ሰማዕና እንታይ ኣለዎ ዝብሉ ኣይተሳእኑን።  ግን ብእግዚኣብሔር እዚ መዝሙር እዚ ናይ ክሕደት መዝሙር ናይ መናፍቃን መዝሙር ናይ መሐደስቲ መዝሙር ንፋቄ ክሕደት ስለዘለዎ እዩ።  ሓደራ ናይ መናፍቃን መዝሙር ኣብ ገዛኹም ከይተእትዉ ዎ ኣይትዘምሩ።  ስለምንታይ ናይ ጎይታ ስልጣን ፈላለይቲ ናይ ድንግል ማርያም ክብራ ኣቃለልቲ እግዚኣብሔር ዘኽበራ መንዩ ዘሕስራ ክም ዝበለ ቅዱስ መጽሓፍ ( ዘማራይ )።  እሳት እሳት እዩ ከምዝበሉ በዓል ዳታን ከይንኸውን ክንጥንቀቕ የድልየና።
ቀዳማይ ሳሙኤል ምዕ፣ 4 ቁ 1 ስጋብ 22 ዘሎ ኣፍኒንን ፍኒሃስን ንረክብ እዞም ክልተ መናእሰይ ናይ ሊቀ ካህናት ደቂ ኤሊ ነበሩ ይብለና።  ኣብ ቤተ መቕደስ የገልግሉ ነበሩ ናይ ቤተ መቕደስ ስርዓት ይንዕቁ ነይሮም ይብለና። ናይ እግዚኣብሔር ስርዓት ምንዓቕ ይግባእዶ? ኣይግባእን ። ንምሳሌ ንሕና ገለ ዝኸበረን ከምኡውን ዓቕምና ዝፍቅዶ መናባብሮ ኣለና። ኣቤትና ድማ ስርዓት ኣለና ነዛ ስርዓት ናይ ገዛና ካብ ኩሎም ደቅና ሓደ ምስ ዝጥሕስ (ዘጉድል) እንታይ ከይገብሩ ኢሉ ንዒቑ ምስ ዝኸይድ ደስ ዶ ይብለኩም?  ኣይብለኩምን።
ስለምይታይ ስርዓት ናይቲ ገዛ ስለ ዘየኽበረ ብሕጊ ዘይከደ።  ደቅኹም ሕላፍ ሰዓት ምስ ዝመጽኹም ትሕጎሶ ዶ? ኣይፋል ትጉህዩ እንበር ሕላፍ ሰዓት ማዕጾ ኳሕ ኳሕ ከብሉ ደስ ይብለኩም ዶ?  እሞ እንታይ ደኣ ኣሹንኳይ ናይ እግዚኣብሔር ቤት ናታትኩም ናይ ድኹማት ደቂ ኣዳም እኳ ስርዓት ኣለዎ። ኣፌንን ፊንሃስን ናይ እግዚኣብሔር ስርዓት ነዓቑ ዝገርመኩም ናብ ቤተ እግዚብሔር ዘመጻ ደቂ ኣንስትዮ ይዝምዉ ነበሩ ይብለና።  ኣብቲ ጥቓ ታቦተ ጽዮን ኮይኖም።  እግዚኣብሔር ካብዚ ከምዚ ዘኣመሰለ ኩፉእ ይሰውረና ኣሜን።  እዚ ሕጊ ድዩ ? ኣይኮነን ዶ ኣብ ጥቓ ቤተ እግዚኣብሔር ኣበይውን ይኹን ክትዝሙ ፍቑድ ኣይኮነን ግን ብእንታይ ኣለዎ ብትዒቢት ብስራሕ ሰይጣን ዝግበር በደል እዩ። ናይ ደፈረኛ ስራሕ እዩ  እንታይ ኣለዎ ኢሎም ። ብሸለልትነት ብትዕቢት ብድፍረት ፈጸምዎ ይብለና።  ቅዱሳት መጻሕፍትና እሞ እዞም ሰባት እዚኦም ካብኡ እንታይ ኮኑ መዓት እግዚብሔር ናብ ህዝቢ እስራኤል ተላዕለ እሞ ፍሊስጢኤናውያን ተላዕልዎም ወራር ገበርሎም።ረኣዩ ኩሉ ግዜ ወራር ጥምየት ደርቂ ፌራ ኣብ ሃገር ዝለዓል ብናትና ኩፉእ ግብሪ ሓጢኣት ምስ ነብዝሕ ኢዩ።
ሕጂ እስራኤላውያን ታቦተ ጽዮን  ሒዞም ተዋግኡ።ምስ ፍሊስጢኤማውያን ኩሉ ግዜ እስራኤላውያን ወራር ወይ ውግእ ክገብሩ ከለዉ ታቦትን ካህናትን ኣኸቲሎም እዮም ዝዋግኡ ነይሮም። ኩናት ምስ ጀመሩ ዝገርመኩም ኣብ ሓንቲ ደቒቕን ሰዓትን ሓንቲ መዓልትን ኣፌንን ፊንሃስን ኣብቲ ውግእ ሞቱ ይብለና እዞም ደፋራት። እዚ ጥራይ እውን ኣይኮነን ታቦተ ጽዮን እውን ተማረኸት ይብለና። ኣብዚ ኹሉ ውድቀት እዚ ሓደ ፈረሰኛ ከብቶም ወተሃደራት ኢስራኤል እንዳበረረ ናብ ለቀ ካህናት ኤሊ መጸ።  ከምዚ ሎሚ ሬድዮ ተለቪዝን ካልእ መርኸቢ ብዙሓን ኣይነበረን መልእኽቲ ብሰብ እዩ ነሩ፣ ሊቀ ካህናት ኤሊ ድማ ኣብ ወንበር ተቐሚጡ ዜና ይካታተል ይጽበ ነበረ።  ወዮ መልእኽተኛ መጺኡ ናብ ሊቀ ካህናት ህዝበ እስራኤል ተሳዒርና ኢና። ደቅኻ ክሊትኦም ድማ ሞይቶም በሎ ንሱ ግን ንእግዚኣብሔር ከም ዝበደሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ስቕ በለ። ዝኾነ ኮይኑ ታቦተ ጽዮንከ በለ ታቦተ ጽዮን እውን ተማሪኻ ኢያ በሎ ታቦተ ጽዮን ከም ዝተማረኻት ምስ ሰምዐ ደንጊጹ ብስንባደ ናብ መሬት ብርእሱ ውደቐሞ ክሳዱ ተጓዕሊጹ ሞተ ይብለና። ረኣዩ ኣሕዋተይ መዓረይ እዚ ኩሉ ሽግር ካበይ እዩ መጺኡ ካብ እንታይ ኣለዎ ኢልካ ትገብሮ መዘዝ እዩ።
2ይ ዜና ምዕ፣ 26 ቁ 17 ዘሎ ኦዝያን ዝተባህለ ንጉስ ንረክብ እዚ ኦዝያን ዝተባህለ ንጉስ ትዕቢት ሓደሮ ትዕቢት ናይ መን እዩ።  ናይ ዲያብሎስ እዩ ትዕቢት ሓደሮ ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ ዝኸበረ ልብሲ ለቢሱ ረኣዮሞ ኣንታ ከመይ ዝበለ ልብሲ ካብ ናይ ንጉስ ዝኸበረ ልብሲ ትኽደን በሎ፣ ኣነ ንጉስ ዘይተኸደንክዎ በሎ ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ እንታይ በሎ። ካብዚ ልብሲ እዚ ዝበልጽ ካህናቲከ ይለብሱ ጽድቀ ተባሂሉ ኣሎ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትና በሎ። ማለት ካህናት ጽድቂ ክኽደኑ እዮም ይብለ ማለትዩ።  ቀጺሉ ድማ እቲ ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ ብየማን እቲ ንጉስ ተቐመጠ።  ወዮ ንጉስ ትቕብል ኣቢሉ ከመይ ጌርካ ክንዲ ንጉስ ዝኣክል ዘለዎ ቦታ ምጽእ ኢልካ ኣብ የማን ንጉስ ትቕመጥ ኣብ ማዕረይ ትቕምጥ በሎ። ሊቀ ካህናት ድማ ምልስ ኢሉ ከምዚ በሎ።  ካህን ይነብር ኣብ የማን ንጉስ።  ይነብር ካህን ኣብ የማን ንጉስ ይቕመጥ ተባሂሉ ኣሎ በሎ።
ሽዑ ወዮ ንጉስ ግዜ ምፍራድ ንህዝቢ ምስ በጽሐ ክፈርድ ኮሎ ፍርዲ ኣጉደለ ድኻ በዲሉ። ሊቀ ካህናት ግን ስቕ ኢሉ ኣይረኣዮን።  ኣብዚ እዋን እዚ ዘለና ግና ፍርዲ እንዳጎደለ ሓቂ እንዳ ጠፍኤት እንዳረኣና ስቕ ኢና ንብል። እቲ ናይ ሽዑ ሊቀ ካህናት  ኣዛርያስ  ግን ስቕ ኣይበለን።  ንጉስ ብትኽክል ዘይፈረዶ ብጉቡእ ዘይኮነ ዝገበሮ እቲ ሊቀ ካህናት ኣቕኒዑ ብትኽክል ፈረዶ።  ሽዑ ወዮ ንጉስ ንወዮ ሊቀ ካህናት ከምዚ በሎ ኣነ እኮ ንጉስ እየ በሎ።  ካብ ናተይ ስልጣን ናትካ ስልጣን ዶ ይበልጽ እዩ በሎ?  እቲ ንጉስ ነቲ ሊቀ ካህናት።  ወዮ ሊቀ ካህናት ድማ በሎ (የዓቢ ክህነት እምነ መንግስት ) ክህነት የዓቢ ካብ መንግስትነት በሎ። በቲ ግዜ እቲ ንጉስ ኦዝያ እዚ ካህን እዚ ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኑ ጽንሓህ ሒዙ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ምዕጣኑ ቁምነገር ተረኺቡ ቁምነገር ገሪዎ ድዩ በለ።  ሽዑ ብንዕቀት ብእንታይ ኣለዎ ዝመጸ ሰበብ።
በለ ወዮ ንጉስ ኣነስ ከምኡ ኮይነ ልብሲ ለቢሰ ጽንሓህ ሒዘ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትየ እንተ ዓጠንኩ እንታይ ኣለዎ። ንሱዶ ካባይ ይበልጽ እዩ በለ ኣባ ደፋር ሆየ።  ሽዑ ልብሰ ክህነት ለቢሲ ጽንሓህ ሒዙ ናብ ታቦተ ጽዮን ቀረበ።  ሊቀ ካህናትከ እንታይ ኢሉ ይኸውን እቶም ካህናት ምስኡ ዝነበሩ ስቕዶ ኢሎም ይኾኑ።  ስቕ ግን ኣይበሉን ንሕና ነርና እንተ ንኸውን ግን እንተደሊኡ ንጉስ እንድዩ ምበልና ኣብዚ እዋን እዚ ዘለና።  ፈሪህና ሓፊርና ገለ ውን ኣይምበልናን ክንዲ ንጉስ ዝኸውን ደኣ እንታይ ክንብሎ ምበልና።  እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምዚ ይብለና ካህኑ ኣዛርያ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ሓቢሮም ከምዚ በልዎ። በዲልካ እኻ ንእግዚኣብሔር እሞ ካብ ቤተ መቕደስ ውጻእ በልዎ።  እዚ ድፍረት እዚ ጌርካዮ ዘለኻ ካብ እግዚኣብሔር ክብሪ ኣይኮነልካን በሎ።  ከምኡ ምስ በልዎ  ንጉስ ኦዝያ ግን ተቖጢዑ ክዓጥነላ እሉ ዝሓዛ ጽንሓህ ኣብ ኢዱ ነበረት እሞ። እቶም ካህናት ምስ ተቖጥዑሉ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኮሎ እግዚኣብሔር ተቖጣዓሉ ኣሞ ኣብ ግንባሩ ለምጺ ወጾ ይብለና።  ለምጺ ናይ ምንታይ ምልክት ንበረ ኣብ ኦሪት ናይ ሓጢኣት ምልክት ነበረ። ንእግዚኣብሔር ከም ዘቖጥዐ ምልክት ነበረ። ናይ ርኽሰት ምልክት ነበረ ናይ መዓት ምልክት ነበረ ይብለና። ንጉስ ኦዝያን ኣንታይ ኣለዎ ኢሉ ብምዕጣኑ ተቐስፈ እንበር ኣይተጥቕመን።  እንታይ ደኣ ቀልጢፎም ድሕሪ ምብራሩ እቶም ካህናት ንሱ ግን እግዚኣብሔር ቀዚፍዎ ነሩ ንኽወጽእ ተሃወኸ ይብል።
1ይ ሳሙኤል፣ ምዕ፣6 ቁ 7፣ ዘሎ እግዚኣብሔር ይባረኽና ኣሜን ። ኣብዚ ናይ ቤት ሸመሽ ሰባት ታቦተ ጽዮን ኣብ ሕዱሽ ሰረገላ ተጻዒና ብኣፍራስ እንዳ ተሳሕበት ናይ ቤተ ሰብ ሸመሽ  ካህን ኣይኮነን ታቦቱ ንምግላጽ ታቦቱ ንምድህሳስ ናይ መን ስልጣን እዩ ናይ ካህናት እዩ። ናይ ቤት ሸመሽ ቤተ ሰብ ናብ ታቦቱ ቀሪቦም ገሊጽና እንተ ረኣናዮ እንታይ ኣለዎ በሉ።  ኣብዚ ዘለናዮ እዋን እውን ከፊቶም ክርእዩ ዝደልዩ ኣይሰኣኑን።  ወዮም ቤተ ሰብ ሸመሽ ከፊትና እንተ ረኣናዮ እንታይ ኣለዎ በሉ እሞ ከፊቶም ድማ ረኣይዎ።  ካብኡ እንታይ ኮኑ እግዚኣብሔር ዝገበርዎ ረኣየ እሞ እንታይ ኮኑ እግዚኣብሔር ንቤተ ሸመሽ ሃረሞም ቀዘፎም ካብዚ 5000 ሽሕ ሰብ ዝነበረ እግዚኣብሔር 70 ሰብ ሃረመ እግዚኣብሔር ብዓብይ መቕጻዕቲ ስለ ዝሃረሞም እዚ ህዝቢ ብጣዕሚ ኣእወዩ ንስሃ ድማ ኣተዉ ማለት እዩ። መሓረና ተጋጊና እና በሉ ናይ ቤተ ሰብ ሸመሽ በዚ ብቕዱስ ኣምላኽ መን ጠጠው ክብል ይኽእል።
በሉ 1ይ ሳሙኤልን 2ይ ሳሙኤልን ዘሎ ምዕ፣ 6 ቁ 1 ዝጅምር  ስጋብ 11 ዘሎ እዚ ኦዝያ ዝተባህለ ሰብ ንረክብ እና፣ ሕጂ እዚ ኦዝያ ታቦተ ጽዮን ብሓድሽ ሰረገላ ኮይና ፣በፍራስ እንዳ ተሳሕበት ክትከይድ ኦዛ ካብቲ ታቦት ድሕር ድሕር ይብል ነበረ ብልቡ ግን ትዕቢት ነርዎ እንታይ ዓይነት ትዕቢት እንተበልና ታቦተ እግዚኣብሔር እንተ ተንከፍኩዎ እንታይ ኣለዎ።  ኢሉ ብምሕሳብ ሓሲቡውን ስቕ ኣይበለን። ንሱ ግን ክህን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብድፍረት ኣነ እግዚኣብሔር የኣምን እየ።  እንተ ተንከኽዎ እንተ ረኣኹዎ እንታይ ኣለዎ ዝብል ኣብ ልቡ ትዕቢት ነርዎ።ንኸይትንክፎ ግን ነቶም እስራኤላውያን ፈርሀ ይብለና።  ንምንታይ ኢስራኤላውያን ኣብ ሃይማኖቶም ጽኑዓትን ሓያላትን ስለ ዝኾኑ ቁጡዓት ስለ ዝኾኑ።  ደፊረ ነቲ ታቦተ ጽዮን እንተ ሒዘዮ በኣእማን ወሪውሮም ክቐትሉኒ እዮም እሉ ፈርሁ እሞ። ፍርሃት ንእስራኤላውያን ድዩ ዝግባእ ዋላ ነቲ ዝፈጠሮ እግዚኣብሄር? ንእግዚኣብሔር እባ ይግባእ።
ካብ ወደኢ ሰብ ንላዕሊ ክፈርህ ዝግባእ ንእግዚኣብሔር እዩ፣ናይ እግዚኣብሔር ስራሕን ጥበብን ረቂቕ ስለ ዝኾነ ነዚ ተመልኪቱ እዩ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት( ስቡሕ እግዚኣብሔር ወጉሩም ግብርከ)፣ ወዮ ደፋር ዖዝያ ሕጂ ታቦቱ ክሕዝ በለ እንታይ ኮንካ ሕዝካዮ እንተ በሉኒ ወይፎን ክየውድቕዎ ኢለ ኢየ ክብሎም እየ በለ።  ኣባ ደፋር ስሱዓት ሰባት ክበልዑ ምስ ዝደልዩ እንታይ ይገብሩ ይመስለኩም።  ካብ ኣፍካ ዝወጽእ እምበር ናብ ኣፍካ ዝኣቱ ሓጢኣት ኣይኮነን። ሓጢኣት የብሉን ይብሉ።  እዚ ግን ምስ ፈሪሳውያን እድኩም ከይተሓጸብኩም ኣይትብልዑ ማለት እዩ። እምበር ምስ ጾም ምንም ርክብ የብሉን። ግን ናይ ወዲ ሰብ ብምኽንያት ናብ ሓጥኣት መታን ከኣቱ ልማዱ ስለ ዝኾነ እንበር። ሕጂ ናብ ዖዝያ ክንምለስ ዖዝያ እንታይ ኣለዎ ኢሉ እዱ ዘርጊሑ ታቦተ ጽዮን ሓዞ።  ሽዑ እንታይ ኮነ ናይ ጌታ ሰራዊት ናይ እግዚኣብሔር ቁጥዓ ኣብ ዖዝያ ከም ሓዊ ነደደ ይብለና። ብድፍረቱ ኣብታ ጥቓ ታቦት ተቐሲፉ ይብለና።  እዚ ቕስፈት እዚ ካብ ምንታይ ዝመጸ ሰበብ እዩ? ብእንታይ ኣለዎ ኢልካ ዝግበር እዩ።
1ይ፣ሳሙኤል ምዕ፣10 ቅይ 5 ንጉስ ሳኦል ንረክብ ንግስነት ሳኦል ብነብይ ሳሙኤል ተቐቢኡ ዝነገሰ ሰብ እዩ።  ብፍቓዱ ንእግዚኣብሔር ዝነገሰ ግን ፍቓድ እግዚኣብሔር ብድሌቱ ጥሒሱ ፈቓዸ ስጋ ስለ ዘሸነፎ ካብ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንድሕሪ ተመልሰ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ነብይ ሳሙኤል ንንጉስ ሳኦል ስራሕ ሰሪሑ ትእዛዝ ሃቦ።  ኣዘዞ እንታይ እዩ እቲ ትእዛዝ ኣንታ ሳኦል ናይ ድሕነት መስዋእቲ ንናይ ዓወትካ መስዋእቲ ንእግዚኣብሔር ሒዘልካ ክመጽእ እየሞ ስጋብ ሸውዓተ መዓልቲ ክትጽበ እኻ በሎ ኣነ ተመሊሰ ናባኻ ክመጽእ እየ በሎ።ንጉስ ሳኦል ድማ ነብይ ሳሙኤል ከይመጸ ንእግዚኣብሔር መስዋእቲ እንተ ኣቕረብኩ እንታይ ኣለዎ በለ።  ሸውዓተ መዓልቲ ከይተጸበኹ እንተ ገበርኩ እንታይ ኣለዎ በለ።  ረኣዩ በሉ ብእንታይ ኣለዎ ዝመጽእ ሰበብ ረኣዩ ኦ ህዝበ ክርስትያን ነዚ ንጉስ ሳኦል ኣብ ነብይ ሳሙኤል ኮይኑ ጽቡቕ ዝገበረሉ እግዚኣብሔር እዩ።  ብነብይ ሳሙኤል ሓዲሩ ዝኣዘዞ እግዚኣብሔር እዩ ነገር ግን ንጉስ ሳኦል እንታይ ኣለዎ ኢሉ ብኢደ ወረድኡ መስዋእቲ ኣቕረበ።
ሸውዓተ መዓልቲ ከይጽበ ነብይ ሳሙኤል መጺኡ ከየቕርበሉ።  ባዕለይ እንተ ኣቕረብኩሉ ንጌታ እንታይ ኣለዎ እሉ መስዋእቲ ኣቕረበ። ነብይ ሳሙኤል 1ይ ሳሙኤል ምዕ፣13 ቁ 8 ዘሎ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ትእዛዝ ኣይሓለኻን እሞ መንግስትኻ ኣይትጸንዕን እያ በሎ። እስከ ረኣዩ እግዚኣብሔር ናብ ምድሪ ወሪዱ ኣዚዝዎ ኣይኮነን ንሕና ክእዝዞ ዝሰማዕና ነብይ ሳሙኤል እዩ። ነብይ  ሳሙኤልከ እንታይ እዩ እልዎ እግዚኣብሔር ኣዚዙ በሎ።  ብሳሙኤል ቃል ጌሩ እግዚኣብሔር ኣዚዙ ሳሙኤል ድማ እግዚኣብሔር ብዝነገሮ መሰረት እዩ። እቲ ንጉስ ከኣ መስዋእቲ መንፈስ ቅዱስ ተፈልዮ።  ኣብ ክንዲ መንፈስ ቅዱስ መንፍሰ ርኩስ ሓደሮ እሞ እንዳ ተሳቐየ ሞተ ይብለና።
ትንቢት ዳኒኤል ምዕ፣5 ቁ 1 ስጋብ 31 ዘሎ ናይ ከለዳውያንም ንጉስ ዝኾነ ናይ ኣቡከደነጾር ወዱ ብግልጣስ ንረኽቦ እዚ ብግልጣስ ዝተባህለ ጎበዝ ኣብ ቤተ መንግስቲ ድግስ ይገብር እሞ ኩሎም ድማ በልዑን ሰተዩን እሞ ሰኸሩ እዚ ብግልጣስ መስተ ሰትዩ ስለ ዘብዝሐ ጎረርኡ ስለ ዝመቖ ። ኣንታይ በለ ይመስለኩም ኣቦይ ካብ እየሩሳሌም ቤተ መቕደስ ዘሩፉ ዘምጽኦ ናይ ቤተ መቕደስ መገልገሊ ዘምጽኦ ኣሎ በለ።  ንሱ ድማ ናይ ወርቂ ሸሓኒ ናይ ወርቂ ጽዋእ ናይ ወርቂ እደ ቤዛ (ማንካ) ኣሎ እዚ ኣምጽእዎ እሞ ብእኡ ጌርና ንብላዕ።  ኩሉ ኣምጽእዎ እሞ ብኡኡ ጌርና ክንሰቲ ካህናት ዝለበስዎ ንሕናውን ንልበስ በለ።  ረኣዩ በሉ ከምኡ ክገብር ሕጊ ይፍቅደሉ ድዩ? ኖ ኣየፍቅደሉን።  እንታይ ደኣ ብእንታይ ኣለዎ ብዘይ ምግዳስ ዝመጸ ሰበብ እዩ። እዚ ኩሉ ገበረ ኣይገርመኩምን።
ኣብ ቤተ መንግስቱ ዘሎ መንደቕ ሰበይቲ ሰፍ ሒዛ ረኣየ እሞ ምፍልጥ ሰኣነሞ ንኹሎም ጠንቆልቲ ኣከቦም እንታይ ከም ዝኾነ ክነግርዎ እንታይ እየ ዝረኣኹ ብሎም።  ፍለጡለይ ኣብዚ መንደቕ ገለ ርእየ በለ፣ ንሳቶም ድማ እንታይ ከምዝኾነ ኣይፈለጥዎን።  ኣብቲ ግዜ እቲ ነብይ ዳኔኤል ተረኽበ ሕጂውን ዘገርም ኣቲ ሰበይቲ መን እኺ በለ።  መልሲ ድማ መጾ ንነብይ ዳኒኤል ኣይ ኣነ ሰበይቲ ኣይኮንኩን እግዚኣብሔር እየ በሎ። እንደገና እቲ ንጉስ ኣብቲ መንደቕ ጽሑፍ ረኣየ እቲ ጽሑፍ ድማ ከምዚ ይብል ነበረ ማሌ ከቄሌ ፈሬሰ ይብል ነበረ። ማሌ ማለት እግዚኣብሔር መንግስተ ፈጸመ ማለት እዩ፣ ንግስነትካ ተወዲኣ ማለትዩ፣ ስለምንታይ ስልጣኑ ኣብቂዑ ብእንታይ ኣለዎ ዝገበሮ መዘዝ። ብናይ ቤተ መቕደስ ንብረትን ኣብ ቐዳስያን ዘውረዶ ግፍዒን እዩ መንግስትነቱ ከተብቕዕ ዝኸኣለት። ከቄሌ ማለት ድማ ብዘይ ግቡእ ስለ ዝገበረ ። ኣነን ንስኹምን ብእንታይ ኣለዎ መዘዝ ዝመጽእ የድሕነና ኣሜን።  ፋሬስ ማለት ድማ መንግስቲ ተኸፍለ ማለት እዩ። ንሃገረ ንፋርስን ንኻልእን ተኸፍለት እታ ብሓንቲ ትነብር ዝነበረት መንግስቲ ማለት እዩ።  ኣይገርመኩምን ድሕሪ እታ ለይቲ እቲኣ ዋላ ሓንቲ ክብሪ ክረክብ ኣይከኣለን ኣይረኸበን በታ ለይቲ ኢቲኣ ናይ ሌዋውያን ንጉስ ተቐትለ ስልጣኑ ድማ ካልእ ወሰደዋ።
ረኣዩ ናይ  ሓዋርያት ስራሕ ምዕ፣ 19 ቁ 11 ክሳብ 17 ዘሎ፣ደቂቕ ዝኾነ ንረክብ ናይ ኣስኬማ ደቂ እዞም ደቂ በዓል ቅዱስ ጳውሎስ ብዝተዋህቦም ስልጣን ኣጋንንቲ የውጽኡ እዮም ነሮም።  ወዮም ደቂ ኣስቄዋ ትቕብል ኣቢሎም ንሕናስ ከም በዓል ቅዱስ ጳውሎስ ኣጋንንቲ እንተ ኣውጻእና እንታይ ኣለዎ በሉ። ካብኡ ናብ ሓደ ሰብ ሰይጣን ዝሓደሮ ሰብ ከዱሞ እንታይ በሉ ይመስለኩም ኣታ ኣብዚ ሰብ እዚ ዘለኻ ሰይጣን ልቐቕ ውጻእ በሉ። ስቕ በለ ሽዑ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ልቐቕ ብጳውሎስ ቃል ቢየሱስ ክርስቶስ ልቐቕ በሉ። ወዮ ሰይጣን ተዛረበ ሽዑ በአ ድማ ኢየሱስ ይፈልጦ እየ። ጳውሎስውን ይፈልጦ እየ። ንስኻትኩምከ መን እኹም ኣንቱም ደፋራት ኢሉ ተላዕሎም። ደብደቦም ሰባበሮም ጨርቆም ደርብዮም ስጋብ ዝሃድሙ ገበሮም። ረኣዩ ኣብዘይ ስልጣንካ ኮፍ ኢልካ ድላይካ ዝግበርን ዝበሃልን ኣይኮነን።  እዚ ክሉ ናይ ምንታይ ሰበብ እዩ ናይ እንታይ ኣሎዎ ዝመጸ እዩ።
ናይ ሓዋርያት ስራሕ፣ ምዕ፣ 5 ቁ 1 ጀሚሩ ዘሎ ሃናንያን ስጲራን ንረክብ። ኣብ ናይ ሓዋርያት ዘመን ዝነበሩ ክርስትያን ቤቶም ንብረቶም ጥሪቶም መሬቶምን ዘለዎም እንዳ ሸጡ ንሓዋርያት እንዳ ሃቡ ኩሉ ኣብ ሓደ መኣዲ ይነብሩ ነሮም። ኩሎም ካብ ሓደ ጽዋእ ይሰትዩ ነሮም።  ኩሎም ከም ሓደ ልቢ ይኸዱ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሃናንያን ሰጲራን ሰብኣይን ሰበይትን እዮም።  ሃናንያ ሰብኣይ ሰጲራ ድማ ሰበይቲ ነበሩ።  ኣብቲ ግዜ እቲ ሃናንያን ሰጵራን መሬቶም ሸጡ።  ድሕሪ ምሻጦም ከምቲ ስርዓት ኩሉ ከረክብዎ እዩ ዝግባእ ነበረ።  ንሳቶም ግን መን ይርእየና ኢሎም ፍርቁ ከፊልና ሓቢእና እንተ ኣትረፍና ዝርእየና የለን ሞ እንታይ ኣለዎ። ብማለት ፍርቁ ሕዝና እንተ ኸድና እንታይ ኣለዎ በሉ።  ሰብኣይን ሰበይትን ተማኸሩ በላ ድማ ንሰበይቱ በሊ ኣነ ፍርቁ ሒዘ ክኽይድ እየ።  እዚ እዩ ገንዘብ ዝሸጥናዮ እለ ከረኩቦም እየ።  ንስኺ ድማ ጽንሕ እልኪ እተዊሞ እወ ንሱ ኣዩ ገንዘብና ናይ መሬት ዝሸጥናዮ ኢልኪ መስክሪ በላ።
ሽዑ ሃናንያ ኣቐዲሙ ከደ ሽዑ ቅዱስ ጴጥሮስ እንታይ በለ ኣታ ንእግዚኣብሔር ድማ ትሕሱ በሎ ንመንፈስ ቅዱስ ከተታልል እልካ ትሓስብ ሰይጣን ስለምንታይ ኣብ ልብኹም መልኤ ከምኡ ትገብር በሎ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀጺሉ ሰይጣን ንምንታይ ኣብ ልብኹም ኣተወ መንከ እዩ ዝገደደኩም ። መሬትኩም ሸጥኩም ኣምጽኡ ዝበለኩም ከ መንዩ ኣይ ብድሌትኩም ዶ ኣይኮንክሙን ። እሞ እንታይ ደኣ ኣጣዓሰኩም ሕጂ በሎም ። በታ ግዜ እቲኣ ብመንፈስ ቅዱስ ኩርማጅ ተሃሪሙ ወደቐሞ ሞተ ይብለና፣ ሃናንያ ብናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተግሳጽ ወዲቑ ሞተ ሰባት ወሲዶም ቀበርዎ። ሰባት ሒዞሞ ናብ መቓብር ምስ ከዱ።  ሰበይቱ ሰጵራ ከይፈለጠት ናይ ሰብኣያ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ መጸት መጺእኪዶ በላ እወ በለቶ፣ እቲ ገንዘብ ናይ መሬትኩም ኩሉ ሒዝኩሞ መጺእኩም በላ እወ በለቶ።  ኣይ ስለምንታይ ንመንፈስ ቅዱስ ትሕስዉ ኣለኹም በላ።

በሊ እቶም ንሰብኣይኪ ክቐብሩ ዝኸዱ ተመሊሶም ይመስለኒ ድምጺ እግሮም ይሰምዕ ኣለኹ። ንስኺውን ንሶም ክወስድኺ እዮም በላ። ከምኡ ምስ በላ ደንጊጻ ሞተት።  እዚ ኩሉ ናይ ምንታይ መዘዝ እዩ ናይ እንታይ ኣለዎ ዝብል መዘዝ እዩ። ስለዚ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብእንታይ ኣለዎ ብሸለልትነት ብየዋህነት ብዕሽነት ናይ ርእስኹም እምነት ትሕትና ኣይትግደፉ ሓደራ።  ካብዞም ኩሎም ዝሓለፉ እሞ ቅዱሳት መጻሕፍትና ዝብለና ንግበር ነንብብ ድማ ሓደራ ኣንቢብና ድማ ንረድኣዮ እሞ ነተርግሞ ነተግብሮ። ሓንቲ ታሪኽ ክነግረኩም ሓደ ለዋሕ ሰብ ነበረ በዚ ናይ ለዋህ ሰብ ጉልበት ኩሉ ይጥቀመሉ ነበረ። ኣንስቲ እኽሊ ከጥሕነለን ዕንጸይቲ ክፍልጸለን ክወፍረለንን ማይ ካብ ሩባ ክወርደለን ሓተላ ይሽከመለን ብዙሕ ይጥቀማሉ ነበራ። 
ዝገርመኩም ግን ናይ ጉልበቱ ዋጋ ጻማ ኣይህባኦን ነበራ። ሰብኡት እውን እምኒ የጕርይዎ መሬት የሕርስዎ ኣእዋም የቑርጽዎ ኩሉ ነገር ይልእኽዎ ነበሩ።  ግን ፍረ ጻሙኡ ኣይህብዎን ነበሩ ናይ እዚ ኩሉ ጻዕረ ጻማኡ ኣይህብዎን ነበሩ።  ጽሉል እዩ ኣታሊልናዮ እና እንዳ በለኡ ይኸዱ። ከይ ከፈልዎ በዚ ኩሉ የውሃቱ ዝተላዕለ ወላዲቱ ብጣዕሚ ይስማዓን ትሓርቕን ነበረት። ሽዑ በለቶ ኣንታ ወደይ በጃኻ እዚ ኩሉ ጉልበትካ ብብላሽ ዘድኩምኻ ዘለዉ ጻማይ ሃቡኒ በሎም በለቶ።  ወይ ከኣ ንሓደ ይኹን ንሓደ ኣይትገዛእ እዚ ኩሉ ጉልበት ጽባሕ ጻሕ ኢልካ ምስ ወደቕካ ቁራስ እንገራ ዝህበካ የለን በለቶ።  እታ ወላዲት ወዮ ወዳ ሕራይ ማማ በላ ካልኣይ ግዜ ኣይደግምን እየ በላ። ሽዑ ካብተን ብነጻ ጉልበት ዝለመደት ሰበይቲ ናብቲ ወዲ መጺኣ ኣታ በጃኻ ነዓ ማይ ውረደለይ በለቶ ንሱ ድማ ኣይወርድን ኣይከይድን በላ ።
ግደፍ ዝገብረልካ ኣይትፈልጥን በለቶ ንሱ ድማ እንታይ ክትገብርለይ በላ።  ዝብጦ ክህበካ እየ በለቶ ንሱ ኸኣ ብዝብጦ ኣይከይድን በለ። ንእሽተይ ድያ መሲላትካ በለቶ ንሱ ኸኣ እንታይ ደኣ በላ ክንድዚይይይይ ዝኣክል እዩ በለቶ። ንሱ ድማ ዋእ ክንዲዚይ ዝኣክል ዝብጦ ዶ ኣሎ እዩ በላ። ንሳ ድማ እወ በለቶ ሽዑ ሕራይ በሊ ከምጽኣልኪ እየ ኢሉ ናብ ሩባ ወሪዱ ማይ ሕዙላ እንዳ መጸ ከሎ ኣዲኡ ረኸበቶ ዕትሮ ተሰኪሙ።  ወያ ኣዲኡ ኣንታ ዝኹሉ መኺረስ ሕጂ ኸኣ ማይ ተወርደለን ኣለኻ በለቶ ብቑጥዐ።  ወዮ ወዳ ኣደይ ዝብጦ እኮ እያ ክትህበኒ በለ ዋእ ኣታ ጽሉል ሎምስ ብዝብጦ በለት ወያ ወላዲት።  በለ ወዳ ድማ ኣየ ኣደይ ኣይፈለጥክን ንእሽተይ ድዩ መሲሉኪ በላ፣ እንታይ ደኣ በለቶ ከርእያ ክብል ክንድዝይይይይ ክብል ወያ ዕትሮ ኣብ ኢዱ ሕዚዋ ዝነበረ  ፈነዋ እሞ ዕቤት ናይቲ ዝብጦ ከርኢ ክብል እታ ዕትሮ ወዲቓ ኣብ መሬት ምስ ማያ ተሰብረት።
ማይ ተደፍኤ ዕትሮ ተሰብረ  እቲ ማይ እቲ ብጉቡእ ብዘይ በለጽ እንታ ዝኸውን እቲ ማይ ክንደይ ጽሙእ መርወየ ክንደይ ረሳሕ መጽረየ ክንደይ መግቢ መስርሐ ነሩ። ብኸንቱ ፈሰሰ ዘይተራእየ ዘይተታሕዘ ከርኢ ክብል ኣብ ኢዱ ዘሎ ትሑዝ ኣጥፍኤ ማይ ደፍኤ ይብል። ንሕና ኸ እንታይ ክንገብር ይግበኣና  ሓቀኛን ቅኑዕን ዝኾነ መሰረት ናይ ኩሉ ዝኾነት ሃይማኖት ኣጥቢቕናን ኣጽኒዕናን ኣንጺህናን ኣኽቢርናን ክንሕዛ ይግበኣና ። ኣጥቢቕና ክንሕዝ ዝግበኣና ቅድስት ቤተ ክርስትያን ዝኣዘዘትና መሰረት ከነጽንዕ ይግበኣና መሰረት ወለድና ክንሕዝን ይግበኣና። ከምቲ ዘይጭበጥ ዝብጦ ክሕዝ እሉ ዝገበሮ እሞ ዕትሮ ተሰቢሩ ማይ ተደፊኡ ከምኡ ከይንኸውን ንጠንቀቕ  ሓደራ። ሓንቲ ምሳሌውን ክነግረኩም ብእንታይ ኣለዎ ዝጠፍእ ሰብ ብዙእዩ። ሓደ ሕያዋይ ሰብኣይ ነበረ ንሱ ኸኣ ሓደ ኣድጊ ጥራይ ነበሮ።  በዚ ሓደ ኣድጉ ጌሩ ጽዕነት እንዳ ኣካረየ ይጥቀም ነበረ።
ፈራሄ እግዚኣብሔር ስለ ዝነበረ ኣምላኽ ይባርኸሉ ነበረ። ኣይገርመኩምን በዚ ስራሕ እዚ ተመስገን ጌታ እንዳበለ ይነብር ጽቡቕ ህወት ድማ ይነብር።  ስለምንታይ ምስጋና ንኣምላኽ ስለ ዝህብ ተመስገን ኣምላኼ ኢሉ ስለ ዝነበር። ንሕና ግን እዚ ኩሉ በረኸት እዚ ኩሉ ጸጋ እዚ ኩሉ ሃብቲ እዚ ኩሉ ዝብላዕ ኣንዳ ሃለወ እንኮሎ ብግቡእ ተመስገን ኢልና ኣይንፈልጥን።  ከፊኡና ጸጊሙና እንታይ ክንገብር ኢና እንዳ በልና ኣብ ዘይዕተር ሃተው ንኣቱ።
እዚ በዓል ኣድጊ ንግሆ ንግሆ ንቤተ ክርስትያን እንዳ ኸደ ይሳለም ታኣምረ ማርያም ይሰምዕ ኪዳን የብጽሕ ናይ ቤተ ክርስትያን ስብከት ይሰምዕ። መንፈሳዊ ትምህርቲ ይመሃር ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ናይ እዚ ቅዱስ ኣቦ ዝኾነ ነብይ ኤልያስ ከመይ ኢሉ ከም ዝተሰወረ ብናይ እሳት ሰረገላ ከም ዝኸደ እግዚኣብሔር ከም ዝወሰዶ ተማህረሞ። እዚ ስብከት እዚ ኣብ ልቡ ኣተወ እናታይ ዓይነት ቅኑዕ እዩ እንታይ ዓይነት ጻድቕ እዩ ኢሉ ተገረመን ክሓስብ ድማ ጀመረን።  እንደገና ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ ናይ ሄኖክ ከይተራእየ ተወስደ ኣይሞተን ዝብል ምስ ሰምዔ እዋእ እንታይ ዓይነት እዩ እዚ በለ።
ከም ኤልያስ ከም ሄኖክ ክንደይ ብጹኣት እዮም እሉ ተደነቕ። ኣብ ልቡ ድማ ተመዝገበ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣድጉ ጽዕነት ጺዒኑ ናብ ሃገረ ሰብ ከደ ክራይ ማለት እዩ። ንሱ ዘይፈልጥ ግን ሰረቕቲ ይካታተልዎ ነሮም ስለምንታይ ይካታተልዎ ነሮም።  ካብቲ ዝተበገሰሉ ከተማ ናብቲ ዝኸዶ ዘሎ ገጠር ርሑቕ እዩ። ስለዚ እዚ በዓል ኣድጊ ኣብ መንገዲ ክሓድር ስለ ዝኾነ። ስለዚ ኣድጉ ኣሲሩ ምስ ደቀሰ ኣድጉ ፈቲሕና ምስ ጽዕነቱ ሰሪቖም ክወስድዎ ኢሎም እዮም ሓሲቦም።  ደዲሕሪኡ ዝመጹ ዝነበሩ ሕጂ ወዮ በዓል ኣድጊ ክኸይድ ክኸይድ ሓንቲ ዑና ረኸበ ብመንደቕ ዝተሰርሐት ኣይኮነትን ብኣእዋም ዝተሰርሐ እዩ። ማዕጽኡ ድማ ሓጺን እዩ እታ ማዕጾ ይኸፍታ እሞ ንኣድጉ ኣእትዩ ንኣድጉ ዝብላዕ ሂቡ ንባዕሉ ቅጫኡ በሊዑ ዝሑል ማይ ስትዩ ተመስገን ኣምላኬ እሉ ደቀሰ።  ኣብዚ ዱር በረኻ ንሕና ግን ኣብ ዝበለጸ ፍርናሽን ዓራትን ደቂስና ተመስገን ኣይንብልን ጸሎት ጌርና እውን ኣይንድቅስን።
ወዮም ሰረቕቲ ንእተዎ ኢሎም ማዕጾ ክኸፍቱ በሉ ማዕጾ ምኽፋት ኣበዮም።  እንታይ ይሕሸና ደኣ ኢሎም ሓሰቡ ብላዕሊ ዘሊልና ክንኣቱሞ ክንከፍት ክባራበር እዩ። ሓንቲ ኣየፍረናን እሎም ሓሰቡ ድሕሪ ብዙሕ ምክታዕ በቃ ብላዕሊ ኣቲና መጀመርያ ነቲ ኣድጊ ጎቲትና ነውጽኣዮ በሉ። ድሕሪኡ ድማ ነቲ ጽዕነት ስሒብና ነውጽኦ ኢሎም ተሰማሙዑ።  ሽዑ ብገመድ ጌሮም ነቲ ኣድጊ ኣብ ከብዱ ኣሰርዎ ወዮ ኣድጊ ድማ ንላዕሊ ንላዕሊ ይወጽእ።  ብሓይሊ ስለ ዝተኣስረ ከብዱ ድማ ጨነቖ እሞ ወዮ ኣድጊ ነቀወ ኣድመጸ። ወዮ ዋና ኣድጊ ሰንቢዱ ብድድ በለ ወዮ የዋህ ሰብ ጸሓይ ወርሒ ድማ ምልእቲ ነበረት። ቁልሕ እንተበለ ኣብ ጥቓ ኣድጊ ዝኾነ ነገር የለን ሕጂ ቅንዕ እሉ ምስ ረኣየ ወዮ ኣድጉ ንላዕሊ ንላዕሊ ይብል ምስ ረኣየ። እንታይ በለ ወይለይ ወዮ ኣድገይስ ከም በዓል ነብይ ኤልያስ ዶ ንሰማይ (ክኸይድ) ክዓርግ ደልዩ በለ። ረኣይዎ እቲ የዋህ ሰብኣይ ወዮም ሰረቕቲ ከም ዝተበራበረ ኣየስተብሃሉን ጥራይ ነቲ ኣድጊ ብላዕሊ ስሒቦም ክውጽእዎ እሞ እቲ እኽሊ ድማ ከምኡ ክገብሩ እዩ ሓሳቦም።
ነዚ እዩ ጎይታ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ርግቢ የውሃት ከም ተመን ድማ ለባማት ኩኑ ዝበለና ይውህና ስለ ዘጥቃዓካ እዩ። ወዮ ኣድጊ ዓቕሉ ጸቢብዎ ተንበርኪኹ ደቀሰ እሞ ወዮ ዋንኡ ኣንታ ኣድጊ ኣነ ከም ቅዱስ ኤልያስዶ ገርካኒ በሎ። ረኣይዎ እቲ ይውህና ኣብ ክንዲ እንታይ ጸገሙ ተኻታቲሉ እንታይ ጸገሙ ነብሱ ዝፍትሾ።  ጥራይ ብይውህና ከምኡ ይብል እቲ ኣድጊ ግን ትንፋሱ ክሕልፍ ደልዩ እዩ ዘሎ።
እንበኣር ኩቡራት ምእመናን ብልውህና ብግርህና ብዙሓት ዝተመንጠሉ ዝተመንጠላን ኣለዉ። ብየዋህነት ሃይማነቶም ዝገደፉ ኣለዉ እንበኣር ንሕና ግን እግዚኣብሔር ብሃይማኖት ብቁኑዕ መንገዲ ብጽቡቕ ተግባር ብትርፋትን ምግባርን ብፍቕርን የጽንዓና ናይ እግዝኣብሔር ቸርነት ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና ኣሜን።

ብሰላም ኣጀሚሩ ብስላም ዘፈጸመኒ ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ስግደትን ንእግዚኣብሔር ኣምላክ ይኹን ኣሜን።

No comments:

Post a Comment