Saturday, April 28, 2018

7 ምስጢራተ ቤተክርስቲያን


መእተዊ

ምስጢር ቃሉ ናይ ግሪኽ ቋንቋ ክኸውን ከሎ ብግእዝን ብትግርኛን ክትርጎም ከሎ ስዉር ሕቡእ ዘይርአ ማለት ኢዩ።
ምስጢራተ ቤተክርስትያን ክንብል ከሎና ልክዕ ከምቲ ምስጢርካ ንፈታዊኻ ወይ ከኣ ንቀረባ ዘመድ እንተዘይኮይኑ ንካልእ ዘይንገር ንቤተ ክርስትያን ቀረባ ዝኾኑ ከምኡ እውን ብጥምቀት ውሉድነት መንፈስ ቅዱስ ንዝረኸቡ ኣመንቲ ክርስትና ጥራሕ ዝግለጽ(ዝፍጸም) ብዝረኣዩ ዓበይቲ ምልክታት ተተግቢሩ( ተፈጺሙ) ክንሱ ዘይርአ መለኮታዊ ጸጋ ዘውህብ ንምትግባር(ንምፍጻም) ንምብራኽ ንምቕዳስ ስልጣን ብዝተዋህቦም ካህናተ እግዚኣብሔር ጥራሕ ዝፍጸም ዘይርአ መለኮታዊ ጸጋ ዘውህብ ማለት ኢዩ። እዞም ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስትያን ምስጢር ዝተባህሉሉ ምኽንያት በዞም ሰለስተ ምኽንያታት ኢዮም
1. ቤተ ክርስትያን ንዝኣምኑ ደቃ ጥራይ እትፍጽመሎም ብምዃና።
2. እዞም ምስጢራት ዋላ'ኳ ብኣዒንቲ ዝረኣዩ ዓበይቲ ምልክታት እንተፈጸሙ ብርቀት መንፈስ ቅዱስ ክልወጡ ከለዉ ስለዘይረኣዩ።
3. ምእመናን ንናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ክቕበልዎ ብዓበይቲ ምልክታት ብግብሪ ኣምላኻዊ (ብናይ ኣምላኽ ስራሕ) ብምዃኑ እዩ።
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ዘውህብዎ ጸጋ
1. ምስጢረ ጥምቀት - መንፈሳዊ ውሉድነት ዮሓ 3፡3-5
2. ምስጢረ ሜሮን - መንፈሳዊ ዕብየትን ጽንዓትን ሉቃ 1፡80
3. ምስጢረ ቁርባን - ናይ ዘልኣለም ሂወትን ሕድገት ሓጢኣትን ዮሓ 6፡52-58
4. ምስጢረ ክህነት - ናይ ምምሃርን ምጥማቕን ምቕዳስን ሓጢኣት ብምስትራይን መንፈሳዊ ስልጣንን ዮሓ 20፥23
5. ምስጢረ ንስሓ - ሕድገት ሓጢኣትን ምሕዳስ ሂወትን ግ.ሓ. 3፥19-21
6. ምስጢረ ተኽሊል - ጽንዓት ቃል ኪዳንን ናብራ ቅድስናን ሚል2፥14- 16ኤፌ 5፡21-33 ማቴ 19፡9
7. ምስጢረ ቀንዴል - ስጋውን መንፈሳውን ሓይሊ እተውህብ ያዕ 5፡14-17 ምልማር 6፥13

ንምንታይ ሸውዓተ ኮይኖም፧
1. ጥበብ ገዝኣ ሰርሐት ሸውዓተ ዓንዲ ድማ ኣቖመት ካብ ዝብል ቃል እዩ( ምሳ 9፥1)
2. ናይ ሰብ ተፈጥሮ ካብ ሸውዓተ ባህርያት ስለዝኾነ ንሳቶም ድማ 3ተ ባህርያተ ነፍስ 4 ባህርያተ ስጋ
3. ሸውዓተ ብእብራውያን ናይ ፍጹምነት ምልክት እዩ
4. ሊቃነ መላእክት ሸውዓተ እዮም
5. ናይ ቤተ ክርስትያን ማዕርጋት ሸውዓተ እዮም
6. ኣጽዋማት ቤተክርስትያን ሸውዓተ እዮም
7. እስራኤላውያን ንእያሪኮ ከፍርስዋ ከለዉ ንእግዚኣብሔር ሸውዓተ ግዜ ክዘርዋ ኣዚዝዎም እዩ።
ካብቶም ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስትያን ዝድገሙን ዘይድገሙን ምስጢራት
ዝድገሙ
ዘይድገሙ
ምስጢረ ቁርባን
ምስጢረ ጥምቀት
ምስጢረ ንስሓ
ምስጢረ ክህነት
ምስጢረ ቀንዴል
ምስጢረ ሜሮን

ምስጢረ ተክሊል

ይቕጽል …

No comments:

Post a Comment