Tuesday, September 9, 2014

መዓልታዊ ጸሎት፣ ትግርኛን ግእዝን፣



መዓልታዊ ጸሎት፣
(ትግርኛን ግእዝን፣)

መዓልታዊ ምግብናን ስራሕናን ብጸሎት ምስ ዘይንደግም ኣመንቲ ክንብል የጸግም፣


መዓልታዊ ጸሎት።
1.    ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላክ  ብቅድሥት ሥላሴ እንዳ ኣመንኩን እንዳ ተማሕጸንኩን  ኣብ እዛ ኣደይ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስትያን ሰይጣን ይኽሕደካ ኣለኹ ንሳውን ጸግዐይን ምስክረይን ዝኾነት ማርያም ኢያ።

ምስጋና ተንበርኪኽካ ዝጽለ ጸሎት
2.   ኦ! ጎይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና ኦ! ጎይታ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና፣ ናይ ኩሉ ብርኪ ዝሰግደልካ ናይ ኩሉ ልሳን ዝግዝኣልካ  ! ጎይታ ንሰግደልካ ኣሎና ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ናይ ጎይቶት ጎይታ ናይ ነገስታት ንጉስ ንስኻ ኢኻ ኩቡርን ምስጉኑን ወድኻ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከለኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ንጽውዓካ ኣለና።
ኣብ ሰማይ ትነብር ኣቦና
              (ርእስኻ ኣድኒንካ ዝጽለ ጸሎት)
3.   ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ ፣
መንግስትኻ ትምጻእ ፈቓድካ ኣብ ሰማይ ከም ዝኾነት ከምኡውን ኣብ ምድሪ ትኹን ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና ፣ ንሕና ንዝበደሉና ከም እንሓድግ ኣበሳናን ጌጋናን ሕደገልና መንግስትን ሓይልን ምስጋናን ንዘለዓለም ብሓቂ ናትካ ኢዩ’ሞ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ፈጺምካ ኣድሕነናን ባልሃናን እንበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና ኣሜን፣
በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ
(ርእስኻ ኣድኒንካ ዝጽለ ጸሎት)
4.  ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም እብለኪ ብሕልናኺ ድንግል እኺ ፣ ብሥጋኺ’ውን ድንግል እኺ ኣደ እግዚኣብሔር ጽባኦት (ጎይታ ሰራዊት) ሰላም እብለኪ ኣለኹ ፣ ንስኺ ኣብ ኩለን ኣንስቲ ብርኽቲ እኺ ፣ ፍረ ከርስኺ’ውን ብሩኽ ኢዩ ። ኦ ! ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፣ ኦ ፍስህቲ ደስ ይበልኪ ሓጢኣትና ክሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና ኣሜን።

ጸሎት ሃይማኖት ፣
(ርእስኻ ኣድኒንካ ዝጽለ ጸሎት)
ኩሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዝርአን ዘይርአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላክ ብእግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን ። ብሓደ ጎይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደኣብ ዋህድ’ውን ነኣምን ፣ ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ ፣ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ ፣ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ ። ኩሉ ብኡኡ ዝተፈጥረ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓንና ካብ ሰማያት ዝወረደ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ዝለበሰ፣ ሰብ ኮነ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጠናዊ ጵላጦስ ምእንታና ተሰቕለ። ሓመመ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ ሞተ ተቐብረ፣ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታት ተፈልዩ ተንስአ  ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ  ከም ብሓድሽ ንህያዋንን ንምውታትን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግስቱ’ውን መወዳእታ የብሉን። ጎይታን መሕወይን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን። ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን ብነብያት ዝተነግረ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንኣምን። ሓጢኣት ንምስትስራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ነኣምን። ትንሳኤ ሙታን ንዘለኣለም ዓለም ብዝመጽእ ሂወት ተስፋ ንገብር ኣሜን።
ቅ.ቅ.ቅ እግዚኣብሔር ጸባኦት
(እናሰገድካን እናተንሳእካን ዝግበር ጸሎት)
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር (ጽባኦት ኣሸናፊ) ናይ ጎይትነትካ ምስጋና ፈጺሙ ሰማይን ምድርን ዝመልአ እዩ። ኦ ! ክርስቶስ መጺእካ ኣድሒንካና ኢኻ’ሞ ምስ መሓርን ሰማያውን ኣቦኻ ማህየዊ ምስ ዝኾነ ቅዱስ መንፈስካ ንሰግደልካ ኣሎና ። ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ስግደት እሰግድ (3.ግዜ በል) ሓደ እንከለዉ ሰለስተ ዝኾኑ ሰለስተ እንከለዉ ሓደ ዝኾኑ ብኣካል ሰለስተ ብመለኮት ሓደ እዮም ። ኣምላኽ ንዝወለደት ብስጋን ብነብስን ንጽህቲ ንዝኾነት እግዝእትነ ድንግል ማርያም እሰግድ ዓለም ንምድሓን ንዝተሰቕለሉ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ንሰግድ
መስቀል ሓይልና ኢዩ፣
 መስቀል ጽንዓትና ኢዩ፣
መስቀል ቤዛና ኢዩ፣
                   መስቀል መድሓኒ ነብስና ኢዩ፣
                   ኣይሁድ ከሓድዎ ንሕና ግን ኣመናዮ፣
                   ዝኣመና ንሕና ድማ ብናይ መስቀሉ ሓይሊ ድሓና ኣሜን ።
ሰላም ነዓኺ ኣዴና ማርያም
እናሰገድና ንዓኺ ሰላምታ ይግባእ ንብል ኦ ! ኣዴና ማርያም ካብ ሃዳናይ ኣራዊት (ድያብሎስ) ከተድሕንና ንልምነኪ ። ናባኺ ድማ ንምዕቆብ ምእንቲ ኣዴኺ ሓናን ኣቦኺ እያቄምን ኦ ድንግል ሎሚ ነዚ ማሕበርና ባርኺ ኣሜን።
ናይ ኣደና ማርያም ጸሎት
5.  ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ በቲ መድሓኒየይ ባህ ይብላ ውርደት ብርያኡ ርእዩ’ሞ እንሆ ካብ ሕጂ ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም። እቲ ኹሉ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ፣ሞ ስሙ ቅዱስ እዩ።ምሕረቱ’ውን ኣብቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ ። ብቕልጽሙ (ስልጣኑ) ሓይሊ ገበረ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም። ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም ንጥሙያት ካብ በረኸቱ ኣጽገቦም ።ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ኣቦታትና ኣብርሃምን ዘርኡን ዝነገሮም ንዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ ኣሜን


ግዕዝ     
ኣዐትብ ገጽየ ወኵለንታየ በትእምርተ መቀል፣
በስመ ኣብ፣
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ በቅድስት ሥላሴ እንዘ አአምን ወእትመኃፀን እክሕደከ ሰይጣን በቅድመ ዛቲ እምየ ቅድስት ቤተ ክርስትያን እንተ ይእቲ ስምዕየ ማርያም ጽዮን ለዓለመ ዓለም።
ነአኵተከ እግዚኦ፣
ነአኵተከ እግዚኦ ወንሴብሐከ፣ ንባርከከ እግዚኦ ወንትአመነከ ንስእለከ እግዚኦ ወናስተበቍዓከ ንገኒ ለከ እግዚኦ ወንትቀነይ ለስምከ ቅዱስ፣ ንሰግድ ለከ ኦ ዘለከ ይሰግድ ኵሉ ብርክ ወልከ ይትቀነይ ኵሉ ልሳን፣ አንተ ውእቱ አምላክ ኣማልክት ውእግዚአ አጋእዝት ወንጉሠ ነገሥት፣ አምላክ አንተ ለኵሉ ዘሥጋ ወለኵላ ዘነፍስ፣ ወንጼውዐከ በከም መሀረነ ቅዱ ወልድከ እንዘ ይብል አንትሙሰ ሶበ ትጼልዩ ከመዝ በሉ።

አቡነ ዘበሰማያት፣
ኣቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ ትምጻእ መንግስትከ ወይኩን ፈቃድከ በከመ በሰማይ ከማሁ በምድር፣ ሲሳየነ ዘለለ ዕለትነ ሀበነ ዮም ኅድግ ለነ አበሳነ ወጌጋየነ ከመ ንሕነኒ ንኅድግ ለዘአበሰ ለነ ኢታብአነ እግዚኦ ውስተ መንሱት አላ አድኅነነ ወባልሓነ እምኵሉ እኵይ፣ እስመ ዝአከ ይእቲ መንግሥት ኅይል ወስብሐት ለዓለመ ዓለም፣

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ኦ እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ ድንግል በሕሊኪ ወድንግል በሥጋኪ እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ ቡሩክት አንቲ እምአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ፣ ተፈስሒ ፍስሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ ሰአሊ ወጸልዪ በእንቲአነ ኀበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ።
ጸሎተ ሃይማኖት፣

ጸሎተ ሃይማኖት፣ ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚኣብሔር ኣብ ኣኃዜ ኵሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘያስተርኢ፣
ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም፣ ብርሃን ዘእምብርሃን አምላክ ዘእምአላክ ዘበአማን፣ ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ ዘዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ፣ ዘቦቱ ኵሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ ኣልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ፣ ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት፣ ተሰብአ ወተሠገወ እመንፈስ ቅዱስ ወእማርያም እምቅድስት ድንግል፣ ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ በመዋዕለ ጲላጦስ ጴንጠናዊ ሐመ ወሞተ ወተቀብረ ወተንሥአ እሙታን አመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ ዐርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኬንን ሕያዋነ ወሙታነ ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ፣
ወነኣምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረፀ እምአብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነብያት፣ ወነኣምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት፣ ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም።
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር፣
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ  ቅድሳተ ስብሓቲከ ንሰግድ ለከ ክርስቶስ ምስለ አቡከ ኄር ሰምያዊ ወመንፈስከ ቅዱስ ማሕየዊ እስመ መጻእከ ወአድኃንከነ።

እሰግድ ለአብ፣
እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐተ ስግደተ፣ እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐተ ስግደተ፣ እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፣ እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት እሰግድ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ፣ እሰግድ ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተቀደሰ በደሙ ክቡር፣ መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንዕነ መስቀል ቤዛነ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ፣ አይሁድ ክሕዱ ንሕነሰ አመነ ወእለ አመነ በኃይለ መስቀሉ ድኅነ፣
ሰላም ለኪ፣
ሰላም ለኪ እንዘ ንሰግድ ንብለኪ ማርያም እምነ ናስተበቍዐኪ እም ኣርዌ ነዓዊ ተማኅፀነ ብኪ፣ በእንተ ሐና እምኪ ወኢያቄም ኣቡኪ ማኅበረነ ዮም ባርኪ፣
ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም፣
ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ፣
ታዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር ወትትኃሠይ መንፈስየ በአምላኪየ ወመድኃንየ እስመ ርእየ ሕማማ ለአመቱ፣ ናሁ እምይእዜሰ ያስተበፅዑኒ ኵሉ ትውልድ፣ እስመ ገብረ ሊተ ኀይለ ዐቢያተ ወቅዱስ ስሙ፣ ወሣህሉኒ ለትውልደ ትውልድ ለእለ ይፈርህዎ፣ ወገበረ ኃይለ በመዝራዕቱ ወዘረዎሙ ለእለ ያዐብዩ ሕሊና ልቦሙ ወነሠቶሙ ለኃያላን እመናብርቲሆሙ አዕበዮሙ ለትሑታን ወአጽገቦሙ እምበረከቱ ልርኁባን ወፈነዎሙ ዕራቆሙ ለብዑላን ወተወክፎ ለእስራኤል ቍልዔሁ ወተዘከረ ሣህሎ ዝይቤሎሙ ለአበዊነ ለአብርሃም ወለዘርኡ እስከ ለዓለም፣
ስብሐት ለአብ ስብሐት ለወልድ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም አሜን።

No comments:

Post a Comment