Monday, September 15, 2014

ሓጺር ታሪኽ አቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ
ንአታቶም አብ ቤተይን አብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ አወዳትን አዋልድን ዝበልጽ ስም ክህቦም እየ፣ ዘይጠፍእ ዘልአለማዊ ስም ክህቦም እየ ትን.ኢሳ. 56 5
ስምኦን ወኣቅሌስያ እለ ነበሩ በኒሂሳ፣በኃጢኣ ውሉድ በከዩ መጠነ ዓመታት ሠላሳ፣ ሥሉስ ቅዱስ ሶበ ነፍሑ በውስተ ከርሣ ተወልደ እምኔሆሙ ቀናዮ ኣናብስት ስሳ በኃይለ አምላኩ ዘይሰሪ አበሳ፣
አቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ
ሓጺር ታሪኽ አቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ
ርእሰ ባሕታውያን ብምባል ዝፍለጡ አቡነ ገረመንፈስ ቅዱስ 30 ዓመታት ዝአክል መኻናት ካብ ዝነበሩ ኣአብኦም ስምኦንን አዲኦም ኣቅሌስያን ኣኣብ ላዕላይ ግብጺ ንሂሳ ኣብ ዝበሃል ቦታ ተወልዱ፣ ወለዶም እግዚአብሔር ውላድ ንክህቦም ለይትን መዓልትን ተስፋ ብዘይ ምቑራጽ ምስ ለመንዎ እቲ ንዝለመንዎ ኣኣዝዩ ቀረባ ዝኾነ እግዚአብሔር ዓቢ ውላድ ሃቦም፣ 29 መጋቢት ብብስራት ቅዱስ ገብርኤል ተጸኒሶም 29 ታሕሣስ ተወልዱ፣ ምስ ተወልዱ ድማ ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ። ለዘአውጽዕከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን ትርጉሙ ምስጋና ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ። ካብ ጸልማት ማሕጸን ናብ ብርሃን ዓለም ዘውጻእካኒ እንዳበሉ አመስገኑ። ወዲ ሠለስተ ዓመት ምስ ኮኑ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ናብ ሰማይ ኣዕረጎም፣ ኣብኡ ድማ ብኢድ እግዚኣብሔርን ቅዱሳኑን ምስ ተባረኹ ናብ ገዳም ኣአስቄጥስ ወሰዶም፣ አብዚ ድማ 300 ዓመታት ተቐመጡ፣ ኣብ ክንዲ ክዳን ኣብ መላእ ሰብነቶም ጸጉሪ አብቒልሎም ነበረ፣ 60 አናብስት ቀቅድሚኦም 60 ኣናብር ድማ ደድሕሪኦም ይስዕቡ ነበሩ፣ ብድሕርዚ ንስብከተ ወንጌል ናብ ብሔረ ኣግአዚ መጺኦም 262 ዓመታት ንዝሓመሙ እንዳ ኣሕወዩ ንዝሞቱ እንዳ ኣአተንሥኡ ኣዝዩ ዘደንቅ ተኣምራት ገበሩ
አብዚ ናይ 562 ዓመት ዕድሚኦም ብዙሕ መከራን ፈተና ሰይጣንን ተዓጊሶም ካብ እግዚአብሔር ናይ ምሕረት ቃልኪዳን ተቀቢሎም 5 መጋቢት ተጋድልኦም ፈጺሞም ኣዕረፉ ‘’ ሞቶምሰ ለጻድቃን ሕይወቶሙ ውእቱ ከም ዝተባህለ ቅዱሳን መላእክት ንነፍሶም ተቐቢሎም አብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት አዕረፍዋ
ካብ ትአምራቶም ንምጥቃስ
ካብ ዕለታት ሐደ መዓልቲ ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፣ ኣባ አንበስ ዘምድረ ሓዘሎን፣ ኣባ ብንያም ናይ ላዕላይ ግብጽን ዝተባህሉ ሠለስተ ቅዱሳን ብመንፈስ ቅዱስ አመሪሖም ናብቲ አቦና ዘለውዎ ቦታ መጹ ሠለስቲኦም ድማ ነናቶም ኣናብስቲ ነበርዎም፣ ጻድቕ ኣቦና ግን ተሰዊሮም ስለ ዝነበሩ መታን ክግለጽሎም ንሸውዓተ መዓልታት ዝአክል ብምህልላ ንእግዚአብሔር ምስ ለመንዎ፣ ሃንደበት ካልኦ ኣናብስቲ መጺኦም ነቶም ሠለስተ ኣናብስቲ በሊዖሞም ብኡብኡ ተሰወሩ፣ በዚ ከአ እቶም ቅዱሳን ሰንበዱ ልቦም’ውን ሓዘነ፣ እቲ ሓዘኖም ንጻድቕ ኣቦና ስለ ዝተገልጸሎም ብ 60 አናብስትን 60 አናብርትን ተዓጂቦም ብዓቢ ሓይሊ መጹ፣ ግርማኦም ርእዮም እቶም ቅዱሳን ፈርሑ፣ ኣቦና ድማ ከምዚ በልዎም ኣገልገልቲ ኣምላክ ዝኾንኩም ቅዱሳኑ አይትፍርሑ፣ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን፣ ቀጺሎም ድማ ኣብዚ በይነይ እየ ዝነብር ንምንታይ ድአ መጻእኩም ? ምስ በልዎም፣ ንሳቶም ድማ ንስኻ ርእሰ ባሕታውያን ኢኻ፣ እቲ ዝተዋህበካ ጸጋን ቅድስት ጸሎትካን ሰሚዕና ናባኻ መጺእና ኢሎም ኵሉ እቲ ዘጋጠሞም ነገርዎም፣ ጻድቕ ኣቦና ናብቶም ኣናብስቲ ግልጽ ኢሎም ንምንታይ ከ ከምዚ ገበርኹም፣ እግዚኣብሔር ዝአዘዘ ጸበል እግረይ ልሒስኩም ክትነብሩ ኢዩ ኢሎም ምስ ገሰጽዎም ሕጂ ድማ ዝበላዕክምዎ ኵሉ ኣውጽእዎ በልዎም ከምቲ ዝተአዘዝዎ ድማ ገበሩ። ሓንቲ ከየትረፉ እቲ ዝበልዕዎ ብምልኡ አውጽእዎ፣ ቀጺሎም አቦና በቲ ዝተገብረ ኵሉ ንእግዚአብሔር እንዳ አመስገኑ ንምብራቕ ገጾም ብምግባር አብ ልዕሊ ሬሳ ናይቶም አናብስቲ ምስ ጸለዩ ሽዑ ንሽዑ ተንሢኦም ተንቀሳቀሱ፣ አብ ትሕቲ እግሪ ኣቦና ከይዶም ድማ ሰገዱ፣ እቶም ቅዱሳን በዚ ዓቢ ተኣምራት ተደነቁ።
ካልአይ ተአምር
ሥራይ ብምግባር፣ ጣኦት ብምምላኽ፣ ምስሊ ብምቕራጽ፣ ከምኡ’ውን ብምንዝርና ብዙሕ ሓጢአት ዝገበረ ሐደ ሰብ ነበረ፣ ካብ ዕለታት ሐደ መዓልቲ ብ 5 መጋቢት ( አብ ዕለት ዕረፍቶም ) ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዱ መጽሓፈ ገድሊ ናይ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሰምዐ፣ ከምቲ አብ ማቴ. 10፣ 40 …. ንጻድቅ ብስም ጻድቅ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቅ ይረክብ …. ተጻሒፉ ዘሎ እግዚአብሔር ናይ ጻድቅ አቦና ዝክሪ ንዝገበረ ሰብ ዝሃቦ ናይ ምሕረት ቃል ምስ ሰምዐ እቲ ሰብ ከምዚ በለ ካብ ሕጂ ጀሚረ ናይ አቡነ ገብረመንፍስ ቅዱስ ዝክሪ ክገብር እየ፣ ብጸሎቱ’ውን ክአምን እየ ኢሉ ሓሰበ፣ ከምዚ ኢሉ ናብ ገዝኡ ክምለስ ከሎ ከተርቲ ረኸብዎ ‘ሞ ንሞት ክሳብ ዝቐርብ ወቕዕዎ፣ ክዳኑ’ውን ገፊፎም ወሰድዎ፣ ብደም ተአሊኹ ድማ ናብ ገዝኡ አተወ ቁሩብ ጸኒሑ’ውን ሞተ፣ መላእክቲ ድማ መጺኦም ንነፍሱ ኣብ ቅድሚ ዝፋን እግዚአብሔር ደው ምስ አበልዋ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ መጺኦም ኦ ጐይታይ ነዛ ነፍሲ መሓረለይ፣ ዋላዃ ዝኽረይ እንተ ዘይገበረት በቲ ንስኻ ዝሃብኻኒ ቃልኪዳን አሚና ኢያ፣ ኢሎም ምስ ለመንዎ ጐይታ ድማ ምእንቲ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣአገልጋየይን ስለቲ ዘይሕሶ ቃለይን ምሒረያ አለኹ። ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ውሰድዋ ኢሉ ንቅዱስ ሚካኤል ምስ አዘዞ ጻድቅ አቦና ብዙሕ ደስ በሎም ገጾም’ውን ከም ጸሓይ አብረሀ፣ እዚ ሰብ ዝክሩ ክገብር ጥራይ ስለ ዝሓሰበ እዚ ዝአክል ክብሪ ካብ ተገብረሉስ ነቲ ዝክሩ ዝገብር ድአ ከመይ ኣአብሊጹ ክገብረሉ እዩ፣ ጸሎቱን ልመናኡን ይደግፈና በረኸቱ’ውን አብ ልዕሌና ይሕደር፣ አሜን፣
ንሕና’ውን
ከምቲ አብ ምሳሌ 10፣7 መዘከርታ ጻድቅ ንበረኸት እዩ ዝበሎ ሎሜ’ውን ንሕና ህዝበ ክርስቲያን ናይ ጻድቅ አቦና ዝክሪ ንበረኸት ምእንቲ ክኾነልና ነቲ ዘሕለፍዎ ስደትን ተጋድሎን ብምስትንታት ነዚ በዓልና ብብልዕን ብመስተን ብዘብለጭልጭ ነገራትን ዘይኮነስ ብጾምን ብስግደትን ተወሲንና አብ መንጎና ሃልሃል ትብል ፍቅሪ ብምሓዝ ከነብዕሎ ይግባአና፣ንሰብ ከ ኵሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ አጥፍአ እንታይ ይጥቅሞ፣ ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ ማቴ. 16፣26 ከም ዝተባህለ ከምቲ ሐደ ንፉዕ ሠራሕተኛ ንጕሆ ተንሢኡ ንሥግኡ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ ሓርኮትኮት ክብል ዝውዕል ሎሚ’ውን ንሕና ማዕረ ማዕረ እቲ ንሥጋና ንጽዕሮ ንነፍስና ‘ውን ብመንፈስ ከይትጠሚ አንጊህና ተንሲእና ስንቃ ክንእክበላ ይግባአና፣ እዚ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምምጻእን ትእዛዝ እግዚአብሔር ብምፍጻምን ክኸውን አለዎ፣ እቲ ምንታይ ነታ ሕያዊት ዝኾነት ነፍስና አብ ናይ ዘለለም ፍስሃን ሓጐስን ወይ’ውን አብ ናይ ዘልአለም ሓዊ ዘይጠፍእ ስቓዩን ዘይውዳእ ናይ ጸልማት ኩነኔን ፍርድን እንአትወሉ አብዚ ዓለም ብእንፍጽሞ ግብርን ሥራሕን እዩ። እቲ ሃብታም ነዌ አብዚ ዓለም ተድልኡ ወዲኡ ምስ ሞተ፣ ነፍሱ አብቲ ናይ ሲኦል ስቓይ ብሓዊ እንዳ ተለብለበት ዝሑል ማይ’ዃ ንልሳኑ መዝሓሊ አይረኸበን፣ በዚ ድማ ናይቶም አብ ምሬት ዝተረፋ 5 ተ አሕዋቱ ናብቲ ቦታ ንኸይአትዉ ካብ ምውታት ንኽለአኸሎም ለመነ ሉቃ. 16፣19-31፣ ናይ ዘመንና ወለዶ’ውን ልክዕ ካብ ምውታን ተንሢኦም ክሳብ ዝምስክሩልና ኢና ንጽበ ዘለና፣ ከምዚ እንተኾንና ከምቲ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተገልጸ መጻሕፍትን ካህናትን አቦታትን ተዋሂቦምና እዮም፣ ንሳቶም’ውን አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክኸሱና እዮም፣ እምበአርከስ ካብቲ ዝመጽእ ቁጥዓ እግዚአብሔር ምእንቲ ክንድሕን ኵሉ ግዜ ነፍስና ብንስሓ ሓጺብና ናብ ቅዱስ ሥጋእን ክቡር ደሙን ክንቀርብ እዩ ዝግባአና፣ ነዚ በዓልና ብፍቅርን ብሰላምን ንኸነሕልፎ ድማ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት፣ ናይ አዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም አማላድነት፣ ናይ አቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ጸሎት አይፈለየና አሜን።
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

1 comment:

  1. ሃተው ቀጠው።
    ብጥበብ ባህልናን ልምድናን እጥፊኦም።
    ከምንጸንት ገይሮሙና።
    እዚ ታሪኽ ፌክ እዩ።
    ኣብ ፌክ ንመዋእልና ከምንኣምን ገይሮሙና።
    ልደት የሱስ ደኣ ጥሪ እንድዩ። እምበኣር ኣብቲ ናይ ጸዓዱ ልደት ኣቲኹም

    ReplyDelete