Thursday, September 3, 2015

ማህሌተ ጽጌ

በስመ አብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስቅዱስ፡አሐዱ ኣምላክ ኣሜን! 

ማህሌተ ጽጌ ፡ ምንጩ ፡ ትርጉሙ፡ መልእኽቱ!

ድስቲ ቤተክርስትያን ሓይለ ቃሉ ምስ ትርጓሜ። ትርጓሜን ምስጢርን። ከምኡ ዉን ቃል ምስ ዜማ ኣጣሚሮም ዝደረሱ ሊቃዉንት ዘለዉዋ ሃብታም በዓልቲ ክቡር ታሪኽ እያ። ኣብ 5ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሊቀ ቅዱስ ያሬድ። ሓሙሽተ ጸዋትወ ዜማ ክደርስ ከሎ። ኣብ 14 ክፍለ ዘመን ኣባጊዮርጊስ ሰዓታት ደሪሱ። ኣብዚ ኣዋን ምስ ኣባጊዮርጊስ ብምኻን ክቱር ፍቅሪ ናይ ድንግል ማርያም ዝነበሮ ኣባ ጽጌ ድንግልማህሌት ጽጌ ዝተባህለ ድርሰት ደሪሱ። ማህሌተ ጽጌ ግጥማዊ ኣካይዳ ዘለዎ ኣደናቂ ናይ ቤተክርስትያን ድርሰት እዩ። እዚ ኣብ ዝኾነ ዝጽለ ጸሎት እዃ እንተኾነ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት ዝወዓለሉ ኣብ መስከለረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ ቅድስት ማርያም ናይ ስደታ ዘመን እዩ። ኣብዚ ወቅቲ ፡ በብሳምንቱ ሰንበት ምሸት ለይቲ ምሉእ። ናይ ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ናብ ግብጺ ምስዳዳን፡ ምንክርታታን ኣናዘከሩ ኣቦታት ጸሎት ምስጋና የብጽሑ።
ወርሓት መስከረምን ጥቅምትን ናይ ኣበባ ወርሓት ( ዘመነ ጽጌ) እዮም። ኣብዚ እዋን ጎቦታት ኣጻድፍ ብዕንበባ ዘጊጽሉ፡ ንዓይንኻ ማራኺ ዝኾነሉ ግዜ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ ብዛዕባ ክዳንከ ስለምንታይ ትጭነቁ ዕንባባታት፡ መሮር፡ ኣይፈትሉ፡ ኣይደኽሙ፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ። ኣነ ግና ሰለሙን እዃ በቲ ኩሉ ክብሩ ከም ሓደ ካብቶም ከም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ ። ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ድኣ። ኣቱም ሰብ ጎደሎ እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ክንደይ ኣብሊጹ ዘይከድነኩም። እምበኣርስ እንታይ ክንበልዕ ኢና ፡ እንታይ ክንሰቲ ኢና ፡ እንታይ ክንክደን ኢና ኢልኩም ኣትይጨነቑ። <ብ>“ማቴ 6፡28-31። ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ብምሕሳብ፡ ክንጭነቅ ዝግበኣና መንግስተ ሰማያት ንምእታዉ ደኣ ኣምበር ኣብዚ ዓለም ብዘሎ ነገር ከምዘይኮነ ፡ ንሱ እቲ ንእንባ ዕንባባ ዝልበሰ፡ ኣምላኽ፡ ብኣርኣያኡን ፡ ብኣምሳሉን ዝፈጠረና፡ ንመነባብሮና ዘድልየና መግብን ክዳንን ከምዘይከልኣና ኣናሓሰብና እንዝክረሉ ወቅቲ እዩ። ዘማራይ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት “ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ። ሰብእሰ ከም ሳዕር መዋዕሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ። ንሕና ሓመድ ምዃና ይዝክር እዩ። ሕይወት ወድሰብ’ሲ ከም ሳዕሪ እዩ። ከም ዕንባባ መሮር ይዕንብብ ። መዝ፡103፡14። ብምባል ከም ዝተዛረቦ ናብ ሰብ ሕይወት ብሳዕሪ ይምሰል፡ ሳዕሪ ዓብዩ ዓንቢቡ፡ ብድሕሪዚ ይደርቅ ይረግፍ። ንፋስ ምስ መጸ ድማ ንኩሉ በታቲኑ ከምዚ ነይሩ ክሳብ ዘይትብለሉ ይገብሮ። ሰብ ድማ ምስ ዓበየ ይደርቅ ብናይ ሞት ንፋስ ድማ ይዉሰድ። በቲ ሕማቅ ግብሩ ድማ ናብ ሲኦል ከምዝድርበ ይርስዕ።
ለዚ ዘመነ ጽጌ ሰብ ዘመኑ ከም ዕንባባ ቀልጢፉ ዝረግፍ ምኻኑ ብምሕሳብ። እዚ ዘመን ከይሓለፈ ጽቡቅ ስራሕ ንምስራሕ ትንሳኤ ሕሊና ዝትንስኣሉ ግዜ እዩ። ቅዱስ ያሬድ ኣብቲ ንዘመን ጺጌ ኢሉ ዝደረሶ ዱጓ። ናይ ሰብ ዕድመ ሓጺር ምኻኑ። ሕይወቱ ትርጉም ዘለዋ ከም ዘይኮነ ንምዝካር፡ ሰብ ኣብ ሕይወቱ ክፋእ ስራሕ ክሰርሕ ከምዘይብሉ፡ ኩሉ ግዜ ብተዘክሮ ሞት ንክነብር ዘረድእ እዩ። ብዘይካ እቲ ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ ድጓ፡ ብተወሳኺ ኣብ መበል 14 መ.ክ.ዘ ዝነበረ ኣባ ጽጌ ድንግል ምስዚ ዘመን ዝተተሓዘ ድርሰት ደሪሶም። እዚ ድርሰት መልክዕ መልክዕ ( ብግጥሚ ) መልክዕ ዝተደርሰ። ካብ መብዛሕትኡ ካልእ ብፍሉይ 5ተ ቤት ዘለዎ ኮይኑ። ብዝሑ 150 ዝኣክል ኣዩ። እዚ ድማ ‘’ ብማህሌት ጽጌ ‘’ ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ እዩ።
ፍረ ካብ ዕምበባ፡ ዕምበባ ድማ ካብ ፍረ ከም ዝርከብ። ማህሌት ጺጌ ንቅድስት ድንግል ማርያምን ንወዳ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕምባባናን ፍረን እናመሰለ ዘረድእ ድርሰት እዩ። ንዓኣ ብዕንባባ ክምስላ እንከሎ ንወዳ ብፍረ። ንዓኣ ንፍረ ክምሰል እንከሎ ንወዳ ድማ ብዕንባባ ገይሩ ይገልጽ።
ነብይ ኢሳይያስ “ ትወጽእ በትር እምሰርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉምዱ” ካብቲ ከም ክሩት ጉንዲ ዝኾነ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ጠጢዑ ክጭብጭብ እዩ’’ እቲ ኻብ ስሩ ዝጨብጨበ ጨንፈር ከኣ ፍረ ክፈሪ እዩ። ኢሳ 11፡11 ኢሉ። ነታ ካብ ናይ ዳዊት ዘርኢ ዝተረኽበት ድንግል ማርያም ብበትሪ። ክርስቶስ ድማ ብጽጌ መሲሉ ትንቢት ተዛሪቡ።
ኣባ ጽጌ ድንግል ድርሰቱ በዚ መንጽር ብምቅማር ነፍስወከፍ መልክዕ ድንግል ማርያምን ወዳን ብጽጌን ብፍረን ብምምሳል ምስኡ ብምትሕሓዝ ናይ እግዚኣብሔር ኣደናቂ ስራሕ ንብስጢር ፡ ብታሪኽ፡ ብጸሎትን ብዝመሳሰል መልክዕ ኣደናቂ ጣዕሚ ዘሎዎን ገይሮም በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ጌሮም ደሪሶም።
ቅድስት ድንግል ነቶም ጣዕማን ፍቅራን ከምኡ ዉን ምስጋናኣ ዝናፍቁ ዝነበሩ ቅዱስ ኤፍሬምን፡ ኣባ ሕርያቆስን ዉዳሴኣን ቅዳሴኣን ዝገለጸትሎም። ብፍቅራ ኣናናፈቀ ዝነበረ ንቅዱስ ኣባ ጽጌ ድንግል ዉን ደጊማ እዚ ማህሌት ጽጌ ከምዝድረስ ገበረቶ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገለጸ ማህሌተ ጽጌ ብናይ መልክዕ ስርዓት ኣደራርሳ፡ ዝተጻሕፈ እዩ።
ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ማህሌተ ጺጌ ብናይ መልክዕ ስርዓት ኣደራርሳ፡ ዝተጻሕፈ እዩ። ንምምልካቱ ንክጥዕመና ብከምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ጌርና ከፋፊልና ከነቅርቦ ንክእል።
1 ጸሎት!
በዚ ኣገባብ ክግለጽ ዝተደልየ። ብሓፈሻኡ ኩሉ እቲ ድርሰት ጸሎት እዩ። ኣንተኾነ ግና ኣቲ ብፍሉይ ጎሊሑ ዝርኣ ጸሎት ግና (ጸሎት ዘብሎ)። ብመልክዕ ጸሎት ፈርዮም ንዝረኣዩ ዝተወሰኑ ክንምልከት ኢና።
1.1 ኣንብርኒ ማርያም ወስተ ልብኪ ከመ ሕልቀት ወከመ ማዕተብ ጹርጊ በመዝራዕትኪ ልዕልት፡ በእንተ ርስሓትየስ ኢትመንንኒ ንግስት፡ ኣስመ ወሃብኩ ንብረትየ ለፍቅርኪ ሞት፡ ዘኣሰርገሮዎሙ ለሰማዕት በጽጌሁ ሕይወት።
ጥበበኛ ንጉስ ሰለሙን ናይ ምእመናን ናይ ክርስቶስን ምትእስሳር ብምስጢር ኣብ ዝተዛረበሉ ‘’ ስለዚ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ። /መሃ 8፡6/ ይብል። እዚ ናይ ምእመናንን ናይ ክርስቶስን ሓድነት ዝገልጽ እዩ። ‘’ ኣንብርኒ ማርያም ዉስተ ልብኪ ከመ ሕልቀት፡ ወከመ ማዕተብ ጹርጊ በመዝራዕትኪ ልእልት’’ ምባሉ፡ ድንግል ማርያም ከም ማሕተም ኣብ ልብኪ ኣንብርኒ ዝበለ ብኣደነትኪ፡ ብኣማላድነትኪ ኣይትረስዕኒ ድሕሪ ምባል። ‘’ በእንተ ርስሓትየ ኢትመንንኒ ንግስት’’ ይብል። እዚ ማለት ኣትረስዕኒ ኣብ ልብኪ ኣንብርኒ ኣናበልኩ ዝልምነኪ ንስኺ ኣይትረስዕኒ። ግና ጽቡቅ ተግባር ስለ ዘለኒ ኣይኮንኩን። ስለዚ ብናይ ሰብነተይ ክፍኣት፡ ብምኽንያት ሓጢኣተይ፡ ዉርደተኛ ብምዃነይ፡ ካብ ልብኺ ኣይተውጽእኒ እናበለ ድንግል ማርያም ድማ በቲ ርህሩህ ልባ ። መሓር ኦ ወልድየ ወተዘከር ኪዳንየ ። እና በለት ንክተዘክረሉ ዘተሓሳስብ ጸሎት እዩ።
1.2 ሶበ ኣተቦ ለማይ በቅዳሰኪ እንዘ ይጼሊ፡ ረስዮ ሕብስት ጺጌ ሃይማኖት ሳሙኤል ዘሓቅለ ዋሊ፡ ምሕረት ወፍትሓ ለተኣምርኪ እጎሊ፡ ሰረይ ሓጥያትየ ወእጸብየ ኣቅልሊ፡ እስመ ኩሉ ገቢረ፡ ማርያም ትከሊ።
ኣባ ሳሙኤል ዘወልድባ ቅዳሴ ማርያም ኣናደገሙ ማይ ብተኣምራት ሕብስቲ ይኮነሎም ነይሩ። ነዚ ተኣምር ስለ ዘድነቀ እዩ ድማ ‘’ ኦ ማርያም ኩሉ ክትገብሪ ትክእሊ ኣኪ እሞ ሕጢኣተይ ኣስተስርይለይ’’ ይብል። ጐይታና ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ሃልያትኩም ነዚ እንባ እዚካብዚ ናብቲ ገዓዝ ኣንተ በልክምዎ ይግዕዝ ዘይከኣለኩም ነገር የልቦም። /ማቴ17፡20 / ብምባሉ ንዝለመነ ዝስኣኖ ነገር ከምዘየለ ገሊጽልና። ቅድስት ድንግል ኣዴና መልኣክ ቅዱስ ገብርኤል ‘’ ክትጸንሲ፡ ወዲ ዉን ክትወልዲ’’ ኢሉ ኣብ ዘበሰረላ’’ እዚ ከመይ እሉ ይከዉን’’ ኢላ ምስ ሓተተቶ። ‘’ ኣስመ ኣልቦ ነገር ዘይሰኣኖ ለእግዚኣብሔር’’ ምስ በላ ብፍጹም ኣመነት ‘’ እወ ንእግዚኣብሔር ዝስኣኖ ነገር የልቦን ኣሞ ከምቲ ዝበልካኒ ይኩነለይ’’ ብምባል ተቀቢላ’ያ። ነዚ ቃል ቅድስት ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ /ሉቃ 1፡45/ ‘’ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ቃል ከም ዝፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብጽእቲ ኢኪ’’ ኢላ መስኪራ ኢያ። ንዝኣመኑ ኩሉ ክገብሩ ዝከኣሎም ካብ ኮነ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ቅዱሳን ኩሎም ዝምሕጸንዎ ኣምላክ ብስጋ ዝወለደት ስለ ዝኮነት ዝሰኣና ነገር የልቦን። ስለዚ ኣዩ ድማ ንዓኪ ዝሰኣነኪ የልቦን ኣሞ ሕጢኣተይ ኣስተስርይለይ ዝከበደኒ ኩሉ ኣቅልልለይ ብምባል ዝለመና።
1.3 ተኣምርኪ ማርያም ተሰብከ ብኦሪት፡ ኣመ ተሰነኣዉኪ ጳጦስ ምስለ መለኮት፡ ዘርእየኪ ሙሲ ሊቀ ነብያት፡ ጸልልኒ በኣዕጹቅኪ ሓመድ ማላዊት ዕጸት፡ ሶከ ሓጢኣትየ ያዉዒ ጽጌኪ እሳት። ማርያም ሙሴ ኣብ ደብረ ኮሬብ ኮይኑ ሃልሃልታ ሓዊ ምስ ኣሻኹ ቖጥቓጥ ተዋሃሂዱ ብዝረኣየ ግዜ ተኣምርኪ ተሰቢኩን፡ ተነጊሩን። ምሳሌኪ ብዕጸ ጳጦስ (ኪሊዓዉ) ኮይኑ ዝተረኣየ። ብናይ እሳት ኣምሳል ዝተራኣየ ጽጌ፡ ወድኪ ሓጢኣተይ ንክድምስሰለይ ኣብ ትሕቲ ጽላልኪ ኣጸግዕኒ። ሙሴ ኣብ ስደት ምድሪ ማድያም እንከሎ፡ ናይ ሓሙኡ ዮተር ኣባጊዕ እናጓሰየ እንከሎ ኣብቲ እምባ ኣምላኽ ተባሂሉ ዝግለጽ እምባ ኮሬብ ሓደ ራእይ ተራእዮ። ዕጸ ጳጦስ ብእሳት ክነድድ፡ ግና ከኣ ከይተቃጸለ ክነድድ ረኣዮ። ዘጸ 3፡3 እዚ ናይ ምስጢረ ተዋህዶ ተምሳሌታዊ ራእይ ነበረ። ዕጸ ጳጦስ ( ክሊዓዉ) ናይ ድንግል ማርያም ምሳሌ ኣዩ። እቲ ዕጸ ጳጦስ ከይተቃጸለ ምትራፉ፡ ወልድ ስጋ ክለብስ እንከሎ ካብ መለኮታዊ ክብሩ ከምዘይጎደለ ዘመልክት ምሳሌ እዩ። እቲ ሓዊ ነቲ ገረብ ዘይምቅጻሉ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን፡ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ክሓድር ኣንከሎ እቲ መለኮታዊ ሓዊ ከምዘየቃጸላ ዘረድእ ምሳሌ እዩ።
ኣባ ጽጌ ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ምኻና፡ ካብ ቅድም ጀሚሩ ክስብኽን ክንገርን ዝጸንሐ ምካኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ጸሎት ‘’ ጽልልኒ በኣዕ ጽቅኪ ሓመልማላዊት ዕጸት፡ ሶከ ሓጢኣትየ ያዉዒ ጽጌኪ እሳት’’ ብምባል ይግለጽ። እዚ ማለት “እቲ ምስ ዕጸ ጳጦስ ተዋሂዱ ዝተራእየ ሓዊ ጽጌኪ (ወድኺ) ክርስቶስ፡ ሓጢኣተይ ከስተስርየለይ ብናትኪ ሓመልማልነት (ቆጽልነት) ኣብቲ ናይ ቃል ኪዳን ገረብ ኣጸግዕኒ ማለት እዩ። ቆጽሊ ክሊዓዉ፡ ሓጋይ ይኹን ክረምቲ ዘይትጽምሉ ዘይትነቅጽን ዓመት ምሉእ ቆጻል ዝኾነት ገረብ እያ። ስለዚ እዩ ድማ ነታ ኩሉ ግዜ ብቃል ኪዳና እትወሓሰና ድንግል ማርያም ወትሩ ከተጽልለሉ ዝልምና።
ንጉስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ። ‘’ኩሉ በረከትና ካብ ጽዮን እዩ ዝፍልፍል’’ መዝ 86፡7 ኢሉ ከምዝገለጻ ብናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣብ ትሕቲ ጽላላ ዝነብሩ። ካብ ወዳ ጐይታ ክርስቶስ ስርየት ሓጢኣት ረኪቦም፡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ተከሊሎም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ዝተዛረቦ ትንቢት ከም ዝተፈጸመ ዘረድእ እዩ።
2. ታሪኽ
ማህሌተ ጽጌ ካብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ዝተፈጸሙ ተኣምራት እናልዓለ ዝኸይድ። በዚ ድማ ምስ ታሪኽ ኣተሓሒዙ ጸሎትን ምስጢርን ዘብርህ እዩ። ታሪኽ ኣልዒሎም ካብ ዝገልጹ ነዞም ዝቅጽል ንመልከት።
2.1 እስከ መነነቶ ሜልኮልቅድመ ታቦት ሕግ ከመ ዘፈነ፡ ንጉስ እስራኤል ኪያኪ ዘጸገየ ስነ፡ ቅድመ ገጸ ስእልኪ ድንግል እዘፍን ኣነ፡ ዘይሜንን ተኣምረኪ ወስብሓተኪ ቁርባነ፡ ብኣፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ሙኑነ።
ቅዱስ ኣቦና ንጉስ ዳዊት ንታቦት ጽዮን ኣብ ቤት ኣቢዳራ ናብ ከተማኡ ኣብ ዘምጻሉ ዝነበረ። ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሔር ክዝምር፡ ክሽብሽብ፡ በዓልቲ ቤቱ ሜልኮል ምስ ረኣየቶ ብልባ ኣዝያ ነዓቀቶ። በዚ ምኽንያት እግዚኣብሔር ማሕጸና ዓጸዋ ክሳብ እትመዉት ድማ ኣይወለደትን። ሳሙ 6፡12-23። ደራሲ ኣባ ጽጌ ድንግል ነዚ ድሕሪ ምዝካሩ ቅድመ ገጸ ስእልኪ ድንግል እዘፍን ኣና። ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣታ ናይ ድንግል ማርያም ምሳሌ ዝኾነት ታቦት ጽዮን ኮይኑ ከምዝዘመረ። ኣነ ኣብ ቅድሚ ስእልኺ ኮይነ ንዓኺ ክዝምረልኪ ኣየ። “ ዘይሜንን ተኣምረኪ ወስብሓተኪ ቁርባነ፡ በኣፈ መላእኽት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ’’ ሜልኮል ነቲ ብዳዊት ዝቀርብ ዝነበረ ናይ ታቦት ጽዮን ምስጋና ብምንዓቃ ከምዝተረግመት ናትኪ ተኣምርን ምስጋናን ዝንዕቅ ኩሉ ብኣፍ ሰብን መላእክትን ዝተረግመ ይኩን ዝብል እዩ። ሜርኮል ናይ ታቦተ ጽዮን ምስጋና ብምንዓቃ ዝተረግመት ድኣ ፡ ሎሚ ናይ ኣማናዊት ታቦት ጽዮን ድንግል ማርያም ምስጋና ክንዕቁን ፡ዘቋሽሹን ሰባት ደኣ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ዝተረግሙ ይኾኑ። እዚኣቶም ‘’ ነቶም ንጻድቅ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊሮም ዚዛራረብዎ ሰባት’ሲ ኣፎም ዓባስ ይኹኑ። መዝ 31፡18 ብዝበሎ መርገም ዝተረግሙ እዮም።
2.2 እንበይነ ኣዉሎጊስ ለዳኒኤል ኣመ ኣርኣዮ ስቅለት፡ ከመ እገሪሁ ሰዓምኪ ወሰኣልኪዮ ምሕረተ፡ ለተኣምረ ሳህል ወልድኪ በእንተ ፍቅረ ሰብእ ዘሞተ እንዘ ታዘክርዮ ድንግል ይምሓረኒ ሊተ ፍረሁ ጺጌ ኣንሂ ሰዕመተ።
ኣዉሎጊስ ዝበሃል፡ ኣምኒ እንዳደረበ መጥሓን ብምሻጥ፡ ኣብኡ ዝረኽቦ ቁሩብ ቁራቦ ገንዘብ እትዋት ጌይሩ ዝነብር ሰብ ነበረ። ካብተን ዝረኽበን ገንዘብ ንናይ ዕለት እንጌራኡ ኣእኺሉ ቁሩብ እተተረፈኦ ድማ ነቶም ካብኡ ንላዕሊ ሽጉራትን ድኻታትን እናረድኣ ድማ ይይነብር ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ነዚ ሰናይ ግብሪ ኣናገበረ ኣንከሎ ኣባ ዳንኤል ዝበሃል ባሕታዊ ረኣዮ። እዚ ባሕታዊ ‘’ እዉሎጊስ ንባዕሉ ድኻ ዘይብሉ ክንሱ ክንድዚ ድኻታት ዝረድእ ካብ ኮነ፡ ንዙሕ ሃብትን ገንዘብን እንተዝህልዎ ደኣ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ምረድኣን ምሓገዘን። ‘’ ብምባል እግዚኣብሔር ነዚ ሰብ ብዙሕ ሃብቲ ንኽህቦ ሲባኤ ሓዘ። እግዚኣብሔር ብመልኣኹ ጌሩ ‘’ ገንዘብ ንኣዉሎጊስ ወለሓንቲ ከምዘጠቅም እዃ እንተነገሮ፡ ኣባ ዳኒኤል ግና ብናቱ ሓሳብ ጥራይ ብምጉዓዝ ገንዘብ ንኽህቦ እጥቢቁ ስለ ዝለመነ፡ ጸሎቱ ተቅበለ። ብድሕሪ እዚ ኣዉሎጊስ ሓደ እዋን ከም ልማዱ እምኒ እናፈንቀለ ኣንከሎ ኣብ መሬት ዝተቀብረ ጥማር ወርቂ ረኸበ። ነቲ ወርቂ ወሲዱ ንንጉስ ሃቦ። እቲ ንጉስ ወርቂ ረኺቡ ብናዕሉ ከይበለ ናባይ ዘምጽእ ከመይ ዝበለ እሙን ሰብ እዩኡ። ብምባል ኣብ ቤት መንግስቱ ሓልቃ ገይሩ ሸሞ። ኣዉሎጊስ ድሕሪ ሹመቱ ሃብቱ ካዕቢቱ፡ ብሰብ ተኻቢቡ ተዓጂቡ ክነብር ጀመረ። ግና እንኻን ኣብዚሑ ንድኻ ክረድእስ፡ እተን ዝህበን ዝነበረ ቅሩብ ቅራቦ ኣዃ ገደፈን። ንዝተበደሉ ዘይፈርድ፡ ንድኻ ዝብድል ኮነ። በዚ ግዜ እግዚኣብሔር ክቁጣዕ ኣንከሎ ንኣባ ዳንኤል ተራኣዩ። ምኽንያቱ ዘይግባእ ልመና ለሚኑ፡ ናይ ቀደም ሰናይ ተግባሩ ከምዝገድ ዝገበሮ ንሱ ስለ ዝኾነ። ኣባ ዳንኤል ጌጋኡ ተረዲእዎ ኣብ ቅድሚ ስዕሊ ድንግል ማርያም ሰጊዱ ተማሕጸና። ቅድስት ድንግል ናብ ወዳ ለሚና ተማሕጺና ይቅሬታን ምሕረትን ረከበትሉ።
ኣባ ዳንኤል ብሕልሙ ዝረኣዮ ነገር ስለ ዝከበዶ ምናልባት ድኻ በዲሉ ፍርዲ ኣጉዲሉ እዩ። ኢሉ ንኸርእዮ ኣብኡ እንተኸደ ንዕኡዉን ከዛርቦ ዘይክእል ኮነ። “ ምእንቲ ፍቅሪ ሰብ ናይ ወድኪ ስለ ኣባ ዳኒኤል ለሚንኪ ከምዝመራሕክዮ ። ንዓይ ይቅረ ንክብለለይ ንጽጌ ወድኺ ምሕረት ለምንለይ’’ ይብል ንሕና ብዘይኣፍልጦ ካብ እንልምኖ ፡ ኣንፈርዶን። መቅጻዕቲ ከይወርደና ምሕረት ለምንልና ንዝብል ዘመልክት ኣዩ።
2.3 ኦ ረዳኢተ ድኩማን ዘይረድኣኪ ኢተሃስሲ እመንበረ ላዕክኪ በምዕር ከመ ገፍታዕኺዮ ለወራሲ ለገፍትዖ ጸርየ ድንግል ሓይሊ ጽጌኪ ልበሲ እንዛ ይሳለቅ ተኣምረኪ ወሓስተ ይሬሲ መፍትዉኑ ከመ ይህየዉ ከይሲ።
ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ተኣምር ኣኪቡ ዝጸሓፎ ቅዱስ ደቅስዮስ እዩ። ድንግል ማርያም ናይ ዉዕልለ ሞሳ ካልእ ሰብ ዘይቅመጦ ሰማያዊ መንበርን፡ ካልእ ሰብ ዘይለብሶ ካባን ሃበቶ። ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ቅዱስ ደቅስዮስ፡ ዝተሶሙ ኤጲስቆጶስ ነቲ ሰማያዊ ልብስን ፡ መንበርን ክቅመቶ ምስ በለ። ግደፍ እዚ ንደቅስዮስ ጥራይ ዝተዋህበ ኣዩ ‘’ እንተበልዎ ከምኡ ኤጲስቆጶስ እየ፡ ካብኡ ኣይንእስን ኣየ’’ ኢሉ ኣብቲ መንበር ክቅመጥ ምስ ፈተነ ብኡንቡኡ ሞተ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ድርሰት ዘረድኦ ነዚ እዩ።
‘’ዱኹማትን ፡ሽጉራትን እትረድእ፡ ኣደ ኣምላኽ ብምኻኒ ዝረድኣኪ ዘይትደልይ። ኣብ መንበር ፈታዊኪ ደቅስዮስ፡ ብትዕቢትን ድፍረትን ንዝተቀመጠ ከም ዝፈረድክዮ፡ ዘርሓቅክዮን። ነቶም ናተይ ጸላእቲ እኩያት ኣጋንንቲ ሓጢኣትን ንምርሓቅ ( ንምቅታል) ናይ ጽጌኺ ማለት ናይ ወድኺ ሓይሊ ሒዝኪ ምጺ።’’ እናበለ ንዘፍቅራ ደዉ ኢላ ንእትቀዉም ድንግል ማርያም ፡ ጸላእትና ከተርሕቀልና ምስቲ ታሪኽ ብምንጽጻር ዝቀረበ ጸሎት እዩ።
2.4 በጌጋየ ኣዳም ወሔዋን ሱራፊ ዘዓጸዋ እንበለ ጽጌኪ መኑ ለኣንቀጸ ገነት ዘኣርሃዋተፈሲሓኪ ድንግል መያጢተ ኣዳም እምጼዋ በተኣምርኪ ዉስተ ምድሪ ጽጌ፡ ጽጌ ኣቲዋ ከመ ጣዕዋ ኣንፈርዓጸት ሔዋ።
ኣቦና ኣዳምን ሒዋንን፡ ካብታ ኣይትሕለፍዋ ዝተባህሉ ብምሕላፎም። ካብ ገነት ተባሪሮም ናብ ምድሪ ፍዳ ንክወርዱ ተፈሪዶም። ገነት ድማ ሱራፊ መልኣኽ ብነበልባል (ሃልሃል) እትብል ናይ እሳት ሰይፊ ይሕልዋ ነበረ። በዚ ኩነታት ንዝተዓጽወት ገነት ‘’ እንበለ ጽጌኪ መኑ ለኣንቀጸ ገነት ዘኣርሃዋ፡ ብዘይ ናትኪ ጽጌ ብዘይካ ክርስቶስ ነታ ብሱራፊ እትሕሎ ዝነበረት ገነት ክከፍታ ዝኽኣለ ፍጥረት የለን።‘’ ዘፍ 3፡24 ካባኺ ብዝተወልደ ጐይታ ክርስቶስ። ናይ ቀደም ክብራን ቦትኣን ዝተመልሰላ ሔዋን። ልክዕ ከምቲ ጡብ ኣዲኡ ጠብዩ ደስ ኢልዎ ዝዘልል ጣዕዋ እናዘለለት ደስ ኢልዋ ኣተወት።
ብጠቅላላ እዚ ድርሰት ዘረድኣና ብዘይካ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ቤዛ ዝኾነልና። ማንም ሰብ ናይ ገነት በሪ (ኣፍደገ) ክከፍት ዝከኣሎ ከም ዘይነበረ። ነዚ ናይ ገነት ኣፍደገ ዝኸፈተልና። ወዲ ሰብ ዝሰኣኖ ናይ ዉልድነት ጸጋ፡ ዝመለሰ ጐይታ ክርስቶስ ድማ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ምዃኑ እዩ። ኣግዚኣብሔር ብነብይ ኢሰያስ 7፡14 ከም ዝበለ። ተዋሪዱ ዝነበረ ወዲ ሰብ ዝከበረን ፡ ዝደሓነን፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝተወልደ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ነዚ መድሓኒት ንዓለም ዝፈረየት ንሳ እያ።
3. ተግሳጽ!
ኣባ ጽጌ ድንግል ንማህሌት ጽጌ ከም መገሰጺ። ነቶም ኣብ ዘመኑ ተላዒሎም ዝነበሩ ‘’ ንመስቀልን ፡ ንቅድስት ድንግል ክብርን ስግደትን ኣይግባእን እዩ ዝብሉ ደቂቀ እስጢፋ ዝበሃሉ መናፍቃን ዉን ወሲክሎም። ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ንጉስ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ። ጉባኤ ሰሪዖም ን ኣባ ጽጌ ድንግል ምስኣቶም ኣከራከርዎም። ኣቶም መናፍቃን ተረቲዖም ሓፊሮም ከዱ። ኣባ ጽጌ ድንግል ኣብ ማህሌት ጽጌ ነቶም ንቅድስት ድንግል ተኣምራ ዘየኽብሩ መናፍቃን ዝግስጽ ገለ ቃል ወሲኾም እዮም። ንምሳሌ ዝተወሰኑ ንመልከት፡
3.1 ከመ ይትፌሳሕ ጻድቅ ሶበ ይሬኢ በቀለ፡ በተበቅሎ ጸር ያርኢ ዘተኣምርኪ ሃይለ፡ እፎ የሓዩ እመ ኣምላክ ኣንተ ኪያኪ ጸኣለ፡ ኣኮኑ በፍትሕ ጽጌኪ ይሙት ተብህለ፡ ላዕለ ኣቡሁ ወእሙ ዘኣፍሓመ ቃለ።
ጻድቅ ሰብ ንጸላእቱ እግዚኣብሔር ክፈድየሉ ክርእይ ኣንከሎ ደስ ይብሎ። እዚ ማለቱ ናትኪ ተኣምር ሓይሉ ከርእይ እንከሎ ደስ ይብሎ። እዚ ካብ ኮነ ናትኪ ተኣምር ዝንዕቁን ፡ ነዓኺ ዘየኽብሩን ከሓድያን ከመይ ኢሎም ብሕይወት ክነብሩ ይግበኦም። ምኽንያቱ ብናይ ጽጌኺ (ወድኺ) ትእዛዝ ‘’ ነቡኡ ወይ ነዲሉ ዝወቅዐ፡ ዝረገመ(ዝጸረፈ) ይቀተል። ዘጽ 21፡15 ተባሂሉ ተፈሪዱ ኣዪ። ኣቡኡን ኣዲኡን ዝጸረፈ ሞት ይግበኦ ካብ ኮነ። ንክርስቶስ ሰማያዊ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ወሊዳ ጡባ እጥብያ ፡ ሓዚላ ዝተሰደት፡ ናይ ዓለም ሕይወት ዘበሰረት ኣብ ልዕሊኣ ሕማቅ ቃል ዘሙልቅ ደኣ እንታይ ዓይነት መከራ ይጽበዮ ይኸዉን።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!!! ኣሜን።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ብቤት ትምህርቲ ሰንበት ኃመረ ኖኅ ኪዳነምሕረት ናይሮቢ ኬንያ ዝተዳለወ ጽሑፍ።

No comments:

Post a Comment