Saturday, April 7, 2018

ትንሳኤ ክርስቶስ


ትንሳኤ ክርስቶስ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
በዓለ  ትንሣኤ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን                     በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን
አሠሮ ለሰይጣን                         አግአዞ ለአዳም
ሰላም                                 እምይእዜሰ
ኮነ                                   ፍሥሐ ወሰላም።
ትንሳኤ ማለት ተንስአ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተወርሰ ክኸውን እንከሎ ትርጉሙ ከኣ ምትንሳእ፡ ኣተሳስኣ ማለት እዩ። እስራኤል ዘስጋ ዘኽብርዎ ዝነበሩ በዓለ ፋሲካ ካብ ባርነት ግብጺ ናብ ናጽነት ፡ካብ ሓዘን ናብ ሓጎስ  ዝተሰጋገርሉ  በዓል እዩ። ናይ ሓድሽ ኪዳን በዓል ፋሲካ ግን እስራኤል ዘነፍስ ካብ ሓጢኣት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ሓሳር ናብ ክብሪ ዝተሰጋገርናሉ ዓቢ መንፈሳዊ በዓል እዩ።



ፋሲካ ብሉይ ኪዳን ንናይ ሓዲሽ ኪዳን ኣማናዊ ፋሲካ ምሳሌ እዩ። እታ ብመሪር መግዛእቲ ፈርኦን ዝሳቐዩላ ዝነበሩ ሃገር ግብጺ ብሲዖል ትምሰል፡ ከመይ ክሳዕ እቲ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲዖል ወሪዱ ነፍሳት ዘውጽኣላ ግዜ ኵሎም ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ዝገበሩ ሲዖል ይሳቐዩ ብምንባሮም።
እታ ዳሕራይ ዝወረሱዋ ከነኣን ድማ ብገነት ትምሰል ምኽንያቱ እስራኤላውያን ካብቲ ናይ መግረፍትን መግዛእትን ቦታ ወጺኦም ሰላምን ጽጋብን ከም ዝረኸቡ እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ነተን ኣብ ሲዖል ዝነበራ ነፍሳት ናብ ገነት ናብ ናይ ጥንቲ ርስቲ ኣቦና አዳም መለሰን።
እስራኤላውያን ካብቲ መቕዘፍቲ በዂሪ መዓት ናጻ ክወጹ ዝኸኣሉ ብደም ናይ እቲ ተባዕታይ ገንሸል ከም ዝኾነ ንሕናውን በቲ ኣማናዊ ደም ገንሸል መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ባርነት ነጻ ወጺእና። እቲ ገንሸል ብዘይ ሓንቲ በደል ተሓሪዱ ንእስራኤል ዘሥጋ መድኃኒት ከም ዝኾኖም ጐይታናን ፈጣሪናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከይበደለ ምእንቲ በደልና ከጥፍእ ንሞትና ወሲዱ ሕይወት ሂቡና፡ ኣብ ቀራንዩ ቅዱስ ስጋኡ ብምቊራስ ክቡር ደሙ ብምፍሳስ ካብ ሓጢኣት አድኃነና ካብ ማእሰርቲ ሲዖልውን ፈትሓና።
 ከምቲ ዮሐንስ መጥመቕ ዝመስከሮ “እነሆ ኃጢአት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል አምላኽ” (ዩሐ. 129) እቲ ናይ ኦሪት ገንሸል ናብ ኣማናዊ ዝኾነ ሓላል ገንሸል ተቐይሩ፡ እቲ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ አምላኽና አብ ክንዳና ሞተ። አብ ክንድ እቲ ፈራስን በስባስን ዝኾነ ስጋ ገንሸል፡ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ሃበና ከምዚውን በለና “ስጋይ ዝበልዐ ደመይውን ዝሰተየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት አላቶ፡ አነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተስኦ እየ” (ዩሐ. 654) ነቲ ብብልዒ ዘጥፋእናዮ ክብሪ ድማ ስጋኡን ደሙን በሊዕና መንግስቱ ክንወርስ ፍቓድ እቲ ርህሩህ አምላኽ ኮነልና። ካብቲ ዝነበርናዮ ኩነኔ፡ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስ ሓራ አውጸኣና፡ እቲ ሓቀኛ ፍቕሩ ድማ ብወርቅን ብሩርን ዘይኮነስ ብቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን አብ ክንዳና በጃ ብምሕላፍ አድሓነና (1ጴጥ. 118-19) ብዕለት ዓርቢ ከኣ ብዓጸደ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ነቶም ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ እታ ዕለት ኣብ ሲዖል ዝሳቐዩ ዝነበሩ ነፍሳት ገፊፉ ናብ ገነት ኣእተዎም። “ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ኩላቶም ድማ ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም” (1 ቆሮ. 1522) ብድሕሪ እዚ ሰለስተ ለይትን ሰለስተ መዓልትን አብ ከርሲ መቓብር ድኅሪ ምሕዳር ከምቲ ዝበሎ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ካብ ሕቱም መቓብር ተንስአ።
ካብ አዳም አትሒዙ ሞት አብ ደቂ ሰባት ነጊሱ ነበረ፡ ሕጂ ግና ብዕለት ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ንሞትን መቃብርን ስዒሩ መግነዝ ፍትሑለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ተንስአ። በዚ ድማ ካብ ባርነት ሓጢኣት ናብ ዘለዓለማዊት ሕይወት መንግሥቲ አምላኽ ኣእትዩና፡ ካብ ሕጂ ንድኃር ግና ሞት ዕዳ ኣይኮነናን እዩ።
ትንሳኤ ክርስቶስ ነዓና በዂሪ ምዃኑን ክርስቶስ ከም ዝተንስአን ደቂ አዳም ኩሎም ከም ዝትንስኡን እቶም ብዓይኖም ትንሳኤኡ ዝረኣዩ ሓዋርያት መሃሩ። ብርሃነ ዓለም አቦና ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ አብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብልክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲውን ተንስኤ፡ ንኬፋ፡ ድሓርውን ነቶም ዓሰርተው ሓደ ተራእየ፡ ድኅሪኡ ዝበዝኁ ካባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለው፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለው፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣኅዋት ብሓንሳእ ተራእየ።ሕጂ ግና ክርስቶስ ቦኹሪ እቶም ዝደቀሱ ኮይኑ ካብ ምውታን ተንስአ። ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጽአ፡ ከምኡ ከኣ ትንሳኤ ምውታን ብሓደ ሰብ ኢዩ ዝመጽአ። ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኹላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም። …” (1 ቆሮ. 151-22) አብ ዘመነ ሊቃውንት ካብ ዝነበሩ ናይ አንጾክያ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ሳዊሮስ “ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ፡ ምማቱን ትንሳኤኡን ሥርዓት ንዓና ንምድኃንን፡ ንዓና ካብ ሓጢኣት ንምምላስ ተገብረ። …”ሃይማኖት ኣበው ክፍሊ ሽዱሽተ። መሊሱውን ከምዚ ይብል “ንነፍሱ አብ ሲዖል ኣይሓደጋን። ስጋኡ አይፈረሰን አይበስበሰን፡ ነፍሱ ካብ ስጋኡ አብ ዝተፈለየትሉ ግዜ እግዚአብሔር ቃል ብፍቓዱ ነዚ ሰርሖ። ካብ ዝተፈላለዩ ማለት ካብ ክልቲኦም ካብ ነፍስን ስጋን መለኮታዊ ባህሪይኡ አይተፈለየን። ሓደ ኣካል፡ ሓደ ባህርይ ብምዃን ምስ ነፍስን ስጋን ተዋሓሒዱ ይነብር። ንሱ እግዚአብሔር፡ አብ ኩሉ ዝመልአ እዩ። አብ ሓደ ውሱን ቦታ ዝውሰን አይኮነን እሞ፡ ምስ ስጋ ተዋሓሒዱ ምፍራስን ምብስባስን አጥፍአ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዓጽመ ስጋ ፈሪሶም በስቢሶም ካብ ምትራፍ አድኃኖም። ካብ ዝሞቱ ናይ ጻድቃን ሬሳ ብዙኃት አተንሥአ።ሃይማኖት አበው .329-30
እግዚአብሔር ወልድ ብፍቕሩ ከድኅነና ምእንቲ ብስጋ ሞይቱ ንፈተውቱ ጻድቃን ብኽብሪ ትንስኤ ከተንስኦምን ከጽድቖምን ምእንቲ፡ ናይ ሞት ሞት (ካልኣይ ሞትስዒሩ ተንሰአ (1 ቆሮ. 1554-55) “ምእንቲ በደልና ተሰቕለ፡ ምእንቲ ከጽድቐና ተንስአ። ከምኡውን ክርስቶስ ብጐይትነት አቦኡ ከም ዝተንስአ ንሕና ተንሲእና ብሓድሽ ሕይወት ምስኡ ክንነብር ኢናዝብል ቃል ቅዱስ እግዚአብሔር እዩ።
ምስ ብርሃነ ትንሳኤ አምላኽና ትንሳኤ ልቦና ንተንስእ። ብትንሳኤ ልቡና ተንሲእና ናብ ሰማያዊ መንግስቲ እግዚአብሔር ወረስቲ፡ ናይቲ ቅዱስ ስሙ አመስገንቲ ክንከውን ቕዱስ ፍቃዱ ይኹን።
 ካብ ናይ ጐይታ ትንሳኤ ንደሓር ምሟትን ዘይምሟትን አብ ኢድና እዩ። እቲ ጐይታና ዝደምሰሰልና ኃጢኣት ባዕልና እንተዘይዓዲምናዮ ኣባና ስልጣን የብሉን። ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ዝበለና “ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ” (ያዕ. 115) ንዝተሳዕረ ዲያብሎስ ባዕልና ፈቲና እንተፈቒድናሉ ኣብ ልዕሌና ግዝኣቱ ክምስርትን ብመቑሑ ክኣስረናን እዩ። ስለዚ ንሕና ብደም ክርስቶስ ከም ዝተዓደግና ፈሊጥና በታ ጸባብ መገዲ ተመላሊስና ነታ ዘይትኃልፍ ዘለዓለማዊት ርስቲ መንግስተ ሰማያት ወረስቲ ንኹን።
በዓለ ትንሳኤ እምበኣር ነቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱ ንሞት ዝሰዒሩ ዝተንስኣሉ እናዘከርና፡ ካብቲ ወዲቕናዮ ዘለና ናይ ሓጢኣት ዓዘቕቲ ምስ ክርስቶስ ክንትንስእ ከም ዘለና ዘዘኻኽር ዓቢ በዓል እዩ እሞ፡ ንኹል እንገብሮ ሓጢኣት ገዲፍና ብመንፈስ ተሓዲስና ምስ ክርስቶስት ክንትንስእ ናቱ ሰናይ ፍቓድ ይግበረለና ኣሜን!!!
ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና በረኸት ትንሳኤኡ የካፍለና
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀል፡ኡ ክቡር
ኣሜን!


No comments:

Post a Comment