Monday, April 9, 2018

ቀዳማይ ሰሙን ትንሳኤ (ካብ ትንሳኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሳኤ)


ቀዳማይ ሰሙን ትንሳኤ (ካብ ትንሳኤ ክርስቶስ ክሳብ ዳግማይ ትንሳኤ)
ስያመ መዓልትታት ቀዳማይ ሰሙን

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝተንስኣላ ሰንበት ንድሕሪት ዘሎ ግዜያት ነቲ ጎይታ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ዝተንስኣሉ ዕለት እና ዘከርና እንሕጎሰሉን እንድሰተሉን ግዜያት እዩ። እዚ ቅንያት እዚ ሓጎስና ብብልዕን መስተን እገልጸሉ ቅንያት ዘይኮነ፡ ሓጎስና ምስ ዝተቐይምናዮም እቕረ እናተባሃሃልና፡ ብዝቐደመ ሓጢኣትና ተጣዒስና ብንስሓ ተሓጺብና፡ ካብ ዝወደቕናሉ ብሓድሽ ህይወት ምስ ክርስቶስ እንትስኣሉ ግዜ እዩ

ብፍሉይ ድማ ካብ ሰንበት ትንሳኤ ኣትሒዙ እቶም ዝቕጽሉ ዕለታትን ሰሙናትን ክሳብ በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ) ነገረ ትንሳኤኡ ብሰፊሑ ይንገር፡ ይስብኽ፡ ይዝመር። እዘን እዋናት ድማ ብትንሳኤ ክርስቶስ ናይ ዝረኸብናዮ ጸጋ ንኽብረሉን ንዝክረሉን ስለ ዝኾነ ናይ ሓጐስ ፍስሓን መዓልትታት እየን።

ካብ ሰኑይ ጽባሕ ትንሳኤ ሰንበት ክሳብ ዳግማይ ትንሳኤ ሰንበት ዘለዋ መዓልትታት መልእኽተን መልእኽቲ ትንሳኤ ይኹን ደኣ እምበር ነናተን ፍሉይ መጸውዒ ስም ተዋሂብወን ይርከብ።

ሰኑይ ማዕዶት ተባሂላትጽዋዕ። (ዮሓ1918,ሮሜ510-17) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ነፍሳት ካብ ሲኦል ኣውጺኡ (ጸአተሲኦል) ናብ ገነት ምስግጋሩ ንምዝካር ማዕዶት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። ማዕዶት ማለት ምስግጋር ማለት ከምምዃኑ ነፍሳት ብዕለተ ዓርቢ ስቅለት፡ ጐይታ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ናጽነት እንተ ሰበኸሎምን ሓራ እንተውጽኦምን እኳ፡እዚኣ ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሰኑይ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ግብሪ ተዘክርን ተስተንትንን።

ሰሉስ ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ (ዮሓ2024-30) ኣብ ዕለተ ትንሳኤኡ ሰንበት ምሸት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ሓዋርያት ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ክግለጸሎም ከሎ ኣብ ሞንጎኦም ቶማስ ሓዋርያ ኣይነበረን። ጸኒሑ ካብ ዝነበረሉ ምስ ተመልሰ፡ካልኦት ሓዋርያት ትንሳኤ ጐይታ ምስ ነገርዎከይረኣኹ ኣይኣምንንብምባሉ፡ ኣብ ሰሙኑ ጐይታ ዳግማይ ቶማስ ኣብ ዝተረኽበሉ ስለ ዝተገልጸንኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹንኢሉ ንሱ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸሉ፡ ነዚ መዘከርታ ክኽውን ተባሂሉ እዚኣ ዕለት ብቶማስ ተጸዊዓ ኣላ።

ረቡዕ ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ(ዮሓ11 38-46) ፈታዊ ክርስቶስ ዝነበረ ኣልኣዛር፡ኣርባዕተ መዓልቲ ድኅሪ ምማቱ ንምቕባሩን ካብ መቓብር ጸዊዑ ጐይታ ስለ ዘተንስኦን፡ ብዙኃንውን ነዚ ተኣምር ርእዮምን ሰሚዖምን ብጐይታ ስለ ዝኣመኑን፡ ኣብታ ዕለት ድማ ጐይታትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ; እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩብምባልብግልጺ ስለ ዝመሃረን ስለዘርኣየን፡እዚኣ መዓልቲ ነዚ ዓቢይ ግብሪ ትንሳኤ ንምዝካር ኣልኣዛር ተባሂላ ትጸዊዓ ኣላ።

ሓሙስ ሓሙስ ኣዳም ተባሂላ ትጽዋዕ። (ሉቃ2435-49) እቲ ብጌጋኡ ዝወደቐን ሞት ዝተፈርዶን ቀዳማይ ሰብ ኣዳም እዩ። ስለ ዝተጣዕሰ ድማ ናብ ገነት ዳግማይ ከም ዝምለስ፤ ኣምላኽ ካብ ጓልጓሉ ተወሊዱ ድሕሪ 5መዓልትን ፈረቓን ከም ዝደሕኖ ተስፋ ዝተዋህቦ ቅድሚ ኵሉ ድማ ባዕሉ ኣዳም ነበረ። ኣዳም ተስፍኡ ተፈጺሙሉ ምስ ደቁ ደቁ ናብቲ ዝቐደመ ኽብሩን፡ስፍርኡ ገነትን ንምእታዉ መዘከርታ እዛ ሓሙሸይቲ መዓልቲ ሓሙስ፡ ሓሙስ ኣዳም ተባሂላ ትጽዋዕ።

 ዓርቢ ቤተክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ (ማቴ 2626-29, ግብሓዋ2028) ብክርስቶስ ደም ተዓዲጋ ኣብ ዝተመስረተት ቤተክርስቲያን ዓባይ መዘከርታ ብምዃና ኣብ ሰሙነ ፋሲካ ዘላ ዓርቢ ቤተክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። ቤተክርስቲያን ማእከል ስብከት ስቕለትን ትንሳኤን፡ኣካል ክርስቶስ፡ ቤተ እግዚአብሔር ምዃና ኵልና እንፈልጦ ሓቂ ድማ እዩ።

ቀዳም አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ(ሉቃ82-3,ሉቃ838-42,ማቴ815 ሉቃ2327-29, ሉቃ241-12, ማቴ251-12) ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ንጐይታን ሓዋርያትን ብገንዘበንን ብጉልበተንን ንዘገልገላን፡ ኣብ እዋን ስቕለቱ ድማ ዋይ ዋይ እናበላ ክሳብ ቀራንዮ ንዝሰዓባ፡ከይወገሐ ከሎ ኣብ ዕለተ ትንሳኤኡ ቅድሚ ሰበን ብለይቲ ናብ መቓብር ጐይታ ጨና ሒዘን ብምግስጋሰን ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ሰብ ትንሳኤ ክርስቶስ ንዝተገልጸለን ቅዱሳት ኣንስት መዘከርታ ክኸውን ኣንስት ተባሂላ እዛ መዓልቲ ተጸዊዓ ኣላ።

ሰንበት ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂላ ትጽዋዕ። (ዮሓ 2024-30) እዚኸኣ ታሪኹ ምስ ቶማስ ሓዋርያ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ ኣብ ዕለተ ሰሉስ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ቶማስ ኣብታ ቀዳመይቲ ሰንበት ትንሣኤ ጐይታ ንሓዋርያት ክግለጽ ከሎ ስለዘይነበረ፡ ንትንሳኤ ጐይታ ብሰሚዕ ጥራይ ዘይኮነስ ዝረኣዮ ምእንቲ ክምስክር ደልዩከይረኣኹ ኣይኣምንንብምባሉ ጐይታ ናይ ልቡ ፈሊጡ ኣብ ሰሙኑ ዳግማይ ንሱ ኣብ ዝተረኸበሉ ተገልጸሎም እሞ ንቶማስ ሓዋርያኣጻብዕኻ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርአ፡ኢድካኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹንኢሉዎ። ንሱውን ከምኡ ገበረ። ኣእዳዉ ግና እሳተ መለኮት ስለዝተንከፈ ቆሪየን ተሪፈን። ጐይታ ግና ምሒርዎ። ቶማስ ድማ መሊሱጐይታይን ኣምላኸይንኢሉ በቲ ሓደ ኣምላኽነቱ በቲ ካልእ ድማ መሓርነቱን ጐይትነቱን መስከረ። ስለዚእዚኣ መዓልቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ትንሳኤኡ ዘረጋገጸላን ምስጢር ንሓዋርያት ዝገለጸላን ስለዝኾነት ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂላ ትፍለጥ።

ቅድስት ቤተክርስቲያን እምበኣር በዚ ኣብ ላዕሊ ብውሑዱን ብሓጺሩን ብዝተገልጸ ምኽንያት ነዘን መዓልትታት ቀዳማይ ሰሙን ትንሳኤ ነናተን ስያመ ሂባ፡ ንደቃ ምእ መናን ብዝግባእ ኣገባብ ትንሳኤ ከኽብሩን ትርጉሙ ክርድኡን ትገብር።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

No comments:

Post a Comment