Sunday, April 3, 2016

ዕረፍታ ለቅድስት ኣርሴማ 29 (፳፱) መስከረም


በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ቅድስት ኣርሴማ ካብ ኣቡኣ ቴዎድሮስ ካብ ኣዴኣ አትኖስያን ዝተባህሉ ክልተ ክቡራንን ናይ ኣምላኽ ስድራቤትን ዝተወልደት ቅድስት ኣደ ኢያ። ኣቡኣ ቴዎድሮስ ካብ ሌዋውያን ካህነት፡ ካብ ሓያላት ነገስታት ወገን ክኸውን ከሎ ኣዲኣ ከኣ ናይ ሃይማኖት ቅንኣት ካብ ዘለዎም ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ጳጳሳት ካብ ዝርከብዎም ካብ ካህናት ወገን ኢያ።
ቴዎድሮስን አትኖስያን ንእግዚኣብሔር ዝፈርሑ፡ ጻድቃን ነበሩ። ብጾምን ብጸሎትን፡ ብልመናን ብስግደትን ዝተግሁ ብምግባረ ጽድቂ ዝተሸለሙ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ነበሩ። ኩሉ ግዜ  ብጸሎት፡ ብቁርባን ብዘይ ምቁራጽ ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ዝግስግሱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ከም መላእክቲ ንእግዚኣብሔር ብምስጋና ነቒሖም የገልግሉ ነበሩ እንተኾነ ግን ውላድ ኣይነበሮምን። ክሳዕ ዘመን እርግንኦም ከኣ ብዘይ ውላድ ጸንሑ። እንተኾነ ከም ሃና ኣደ ሳሙኤል፡ ከም ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሓንስ መጥምቕ እግዚኣብሔር ጸሎት አትኖስያ ሰሚዑ ኣብ እርግንኣ ውላድ ረኸበት። ብመንገዲ ቤተ ክርስቲያን  ብስርዓትን ኣዕበይዋ። ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ምስ ስድራቤታ ተቐመጠት ድሕሪኡ ግና ናብቲ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሰምየ  ቤተ ክርስቲያን ንእግዚኣብሔር ክተገልግል ወፈይዋ። ክሳዕ ጓል 15 ዓመት  እትኸውን ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን እና ኣገልገለት ተቐመጠት። በዚ ግዜ ወለዳ ናብ ሓደ ካብ ቤተ ክህነት ዝኾነ መንእሰይ ከመርዕውዋ ብናታ መርዓ ምኽንያት ደስ ክብሎም ደለዩ። ቅድስት ኣርሴማ ግና ንሳ ንክርስቶስ ኣምላኽና ብድንግልናን ብንጽህናን ክተገልግል መደብን ድልየትን ስለ ዝነበራ ነቲ ወለዳ ዝሓሰብዎ መርዓ ክትቅበሎ ኣይከኣለትን። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ቤታ ወጺኣ ናብቲ ብድንግልናን ብንጽሕናን ንክርስቶስ ዘገልግላ ዝነበራ ደናግል መነኮሳይት ከደት። ብሕብረት ድማ መንፈሳዊ ህይወታ  ምስኣተን ጀመረት።
ቅድስት ኣርሴማ ጓል 15 ምስ ኣኸለት፡ በቲ ዘመን እቲ ናይ ሮማ ገዛኢ ዝነበረ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ልቡ ብሓሳብ ሰይጣን ተመሊኡ ንብዙሓት ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ብዙሕ መከራን ሽግርን የውርደሎም ነበረ። ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰይጣን ኣብ ልቢ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ኣትዩ ንሓሳቡ ኣላዓዒሉ ጽብቕቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መላእ ሃገር ደልዩ ክምርዖ ከም ዘለዎ  ኣበገሶ። በዚ ሓሳብ እዚ ተበጊሱ ከኣ ንልኡኻቱ ናብ መላእ እታ ሃገር ከይዶም ጽብቕቲ ዝበልዋ ጓል ኣንስተይቲ ስኢሎም ከምጽእዋ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ንጉስ ሰበይቲ ዲዮቅልጥያኖስ ክትከውን ምዃና ነጊሩ፡ ትእዛዝ ሂቡ ኣፋነዎም።
ልኡኻት ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ናብ ብዙሕ ቦታታት እና ተዛወሩ ከለዉ ናብቲ ቅድስት ኣርሴማ ዝነበረቶ ቦታ በጽሑ፡ ብመልክዓ ከኣ ኣዝዮም ተገረመ ዝብልዎውን ጠፍኦም። ምኽንያቱ ቅድስት ኣርሴማ ኣዝያ ምልክዕትን ጽብቕን  ነበረት። ብቕድሚኣን ብድሕሪኣን ንዓኣ እትመስል ኮነ ካብኣ እትበልጽ ሰበይቲ ኣይነበረትን። ካብኣ  እትበልጽ ብመልክዓ ፍልይቲ፡ እታ ንኣመናዊ ጸሓይ ዝወለደት ቅድስት ድንግል ማርያም ጥራይ ኢያ። ነዚ ዘደንቕ መልኽዕን ናይ ኣምላኽ ጸጋን ስለ ዝወነነት ኢዮም ከኣ ልኡኻት ንጉስ ኣዝዮም ብጽባቔኣ ዝተደንቑ። እንሆ ከኣ ስእላ ስኢሎም ንጉስ ሃብዎ። መልክዓ ዝረኣየ ንጉስ ኣዝዩ ደስ በሎ ብመልክዓ ስለ ዝተሓጎሰ ከኣ  ንኹሎም ዓበይትን ሽማሙንትን ናብ ቤቱ ክመጹ ነቲ ምስ ቅድስት ኣርሴማ ዘካይዶ መርዓ ተዳልዮም ክጸንሑን ኣብ ሓጎሱ ክሕጎሱ ከም ዘለዎምን መልእኽቲ ኣማሓላለፈ።  እተን መነኮሳያት ዲዮቅልጥያኖስ ዝሰርሖ ተግባራት ምስ ሰምዓን ምስ ረኣያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣዝየን ዓው ብዝበለ ድምጺ በኸያ፡ኣልቀሳ ፡እግዚኣብሔር ብድንግልና ክዕቅበን ፡ብቕድስና ከገልግልኦ ሓይሊ ክህበን ኣጸቢቐን ጸላያ። ከምዚ ኢለን ከኣ ነቲ ዝነበርኦ ገዳም ገዲፈን ናብ ናይ ንጉስ ድርጣድስ ግዝኣት ዝነበረት  ኣርሜንያ እትበሃል ሃገር በጽሓ
ንጉስ ዲያቅልጥያኖስ ብመሰረት ልኡዃቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ  ንቅድስት ኣርሴማ ክደሊ ኣብ ዝተብገሰሉ ግዜ ኣብቲ ዝነበረቶ ቦታ ክረኽባ ኣይከኣለን። ጌና  ናብ ቤቱን ናብቲ ዝነብሮ ቦታን ከየምጽኣ ከሎ ብጽባቔኣ ልቡ ዝተሓጎሰ፡ ስለ እቲ ዝግበር መርዓ ኣቐዲሙ ንኣገልገልቱን ሽማሙንቱን ዝሓበረ ንጉስ ሓሳባት ልቡ ክሰምረሉ ኣይከኣለን ፡ንቅድስት ኣርሴማ ደልዩ ክረኽባ ኣይከኣለን። ኣብቲ ዝነበረቶ ገዳም ልኡኻት ሰዲዱ ብፍጹም ቀበጸ፡ ድሕሪ ግዜ ግና ኣርሜንያ ከም ዘላ ፈለጠ። ቅድስት ኣርሴማ ሒዙ ናብኡ ንኽመለሰሉ ናብ  ንጉስ ድርጣድስ መልእኽቲ ሰደደ።
በቲ ግዜ እቲ ንጉስ ድርጣድስ ንጸሓይ ዝሰግድ ፡ጸሓይን ወርሕን የምልኽ ነበረ። ከምኡ ብኢድ ሰብ  ካብ እምኒን ዕንጸይትን ዝተቐርጹ ጣዖታት ኣምላኽ ኢሉ የምልእኾምን ይሰግደሎምን ነበረ። ንኹሎም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ኣስሓቶም። ካብ ሶርያ(ደማስቆ) ጀሚሩ ክሳዕ ቂሳርያን ኢፍራጢስን ገዛኢ ገይሩ ዝሸሞ ጤሌሜዎስ ዝስሙ ሰብ ነበረ ንሱ ትእዛዝ ንጉስ ንምፍጻም ፡ንክርስቲያን ኩሎም ብግዴታ ጣዖት ከም ዘምልኹን ንኣምላኽ ከም ዝኽሕዱን ዝገብር ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ነቶም ንጣዖት ኣይንሰግድን ዝበሉ ሰባት ከኣ ኣብ ፈቐዶ ቤተ ማሰርቲ ይእሰሩን ብሞት ይቕጽዑን ነበሩ።
በቲ ግዜ እቲ ኢያ ከኣ ቅድስት ኣርሴማ ከቢድ ናይ ህይወት ፈተና ዝገጠማ። ንሳ ጌና ካብ ሃገራን ዓዳን ቅድሚ ምውጽኣ ኣትሒዛ ኣብ ክርቶስ ዝነበራ እምነት መወዳድርቲ ኣይነበሮን። በዚ እምነት እዚ ከኣ ጸኒዓ ትነብር ነበረት።ናይቲ ዘመን እቲ ንጉስ ዝነበረ ድርጣድስ ነቶም ዘምልኾም ዝነበረ ጣዖታት ዘይሰገደ ዘበለ ሰብ ብሞት ይቐጽዕ ነበረ። ቅድስት ኣርሴማውን ንክርስቶስ ገዲፋ ንኣማልኽቱ ክትግዛእ ግዲ ተባህለት። ንሳ ግና ክሳብ ክሳዳ ንስሕለት ሴፍ እትህብ  ብእምነታ ጽንዕቲ ኮይና ተረኽበት። እቶም ክሳዳ ክስይፉ ዝመጹ ልኡኻት ንጉስ ብጽባቔኣን ብጸጋኣን ኣዝዮም ይስንብዱን ንምቕታላ ምድፋር ክሳዕ ዝስእኑን ኮኑ። ንሳ ግና ብሰማእትነት ክትሓልፍ   ፍጹም ዝኾነ ድልየት ስለ ዝነበራ እግዚኣብሔር ብሰማእትነት ከዕርፋ ናይ ወትሩ ጸሎታ ነበረ።እቶም ኣብ ቅድሚኣ ዝነበሩ ሰባት ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ብሰማእትን ክሓልፉ ከለዉ ኣዝዩ ደስ ይብላ ነበረ። ብኸምዚ ከኣ እቶም ክሳዳ ክስይፉ ዝተላእኩ ግናኸ ብዝተዋሃባ ጸጋ ምድፋር ዝሰኣንዋ ወተሃደራትኣጆኹም ዝተኣዘዝኩሞ ግበሩእና በለት ተተባብዖም ነበረት። ንሳቶም ግና ምድፋር ሰኣንዋ። ኣብ መወዳእታ ግና ክብርቲ ክሳዳ ብስሕለት ሴፍ ብኢደ እዞም ዘይኣመንቲ ተሰየፈት። በዛ ቅድስት ዕለት ደስ እና በላ ክሳዳ ኣድኒና ኣሜን ኢላ ንሞት ተቐበለት።  ምስ ቅድስት ኣርሴማ ፳፯/27 ዝኣኽሉ ሰባት ስለ ስም ክርስቶስ ብኽብሪ ብስሕለት ሴፊ ሰማእትነት ተቐበሉ።
ጸሎትን ረዲኤትን ናይ ኩሎም ናይዚ ዕለት እዚ ሰማዕታት ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

No comments:

Post a Comment