Monday, April 25, 2016

ናይ ሰሙነ ሕማማት ሕቶታትን መልስን

ናይ ሰሙነ ሕማማት ሕቶታትን መልስን
1. ኣብ ግዜ ግዜ ሕማማት መስቀል ስለምንታይ ኣይንሳለምን።
2. ኣብ ግዜ ሕማማት ስለምንታይ ኣይንሰዓዓምን ከም ውን ኣይነማዕትብን?
3. ኣብ ግዜሕማማት ዘይፍቀዱ እንታይ እንታይ እዮም?
4. ስለ ሰሙነ ሕማማት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኣሎ የለን?
ዝብል ክኸውን እዩ።
መልሲ
1.ናይ መስቀል ክብርን ሓይልን ዝተፈልጠ ጎይታ ኣብ መስቀል ድሕሪ ምስቃሉ፦ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘለዉ መዓልታት
ናይ ዓመተ ፍዳ መዘከርታ እዮም። ኣብዞም ዘመናት እዚኣቶም ሰባት ናይ መስቀል ኣገልግሎት ከምዘይጀመሩ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያንና ስርዓት መሰረት መስቀል ምስላምን ምምዕታብን ስርዓት የብልናን። ስለዚ ኢና ድማ ዘይንሳለምን ዘይንሳለምን ዘይነማዕትብን።
2. ኣብ ሰሙን ሕማማት ስለምንታይ ኣይንሰዓዓምን፦ንዝብል ድማ ይህዳ ንጎይታ ብምስዓም ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ፦ ንሕና ድማ ከም ይሁዳ ናይ ክፍ ኣት ዘለዎ ምስዓም ምፍላይና ንምርዳእን፡ ካልእ ድማ ፍጹም ሰላም ኣብ ግዜ ዘመነ ፍዳ ከም ዘይነበረ ንምር ኣይ ኣብ ግዜ ሰሙነ ሕማማት ክሳብ ምስዕዓም ዝበጽሐ ጥቡቕ ሰላምታ የለን።
3. ኣብ ግዜ ሰሙነ ሕማማት ዘይፍቀዱ ካል ኦት ነገራት እንታይ እንታይ እዮም? ዝኾነ ንስጋ ዘዳልዉ ነገራት ምቕናስን ከም ውን ብዝከኣለና መንገዲ ብዝተኻእለ መጠን መብዛሕቲኡ ግዜናኣብ ቤት እግዚኣብሔር ናይ ጎይታ መከራን ሕማምን ብምሕሳብ ብጾምን ብስግደትን ብጸሎትን ምሕላፍ ኣብ ሓዳር ዘለኹም ድማ ካብ ጾታዊ ርክብ ምዕቃብ ተተኻኢሉ ድማ ኣመጋግባና ካብ ናይ ቀደም ምቕናስ።
4. ስለ ሰሙነ ሕማማት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኣሎ ዋላስ የለን?4
ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ
( ኢሳ 534) ይብል።
ንሕማምና ዝብል ቃል ብቀጥታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ ክኸውን ከሎ መከራ እንሓስበሉ ሰሙን እዩ።
ናይ ጎይታ ሞትን ሕማሙን ምሕሳብ ምዝካር ከምዝግባእ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል’’ ጎይታ ክሳብ ዝመጽእ ሞቱ ክትዛረቡ ኢኹም’’(1 ቆሮ 1126)
እዚ ሰሙንእዚ ናይሁድ ዝመሰለሎም ናይ ሓጎስ ወቕቲ ክኸውን ከሎ ንክርስትያንድማ ዓቢ ሓዘን ውሽጢ ዝኣትውሉ ሰሙን እዩ ከምዚ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ።
‘‘ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።’’(ዮሓ 1620)
’’ ብርግጽ ሓዘንና ትንሳኤኡ ክሳብ ንርኢ ንውሑድ ግዜያት ዋላ ተኾነ ንሓዝን ኢና። ብትንሳኤኡ ድማ ሓጎስ ንካፈል። ሰኑይ ኣይሁድ ንኽሕዝዎ ክማኸሩ ጉባኤኦም ጀምሩ’’ ብዙሕ ግዜ እዚ ናይ ቶም ካህናት ሓለቓኦም ናይ ህዝቢ ሽማግለኦም ቀያፋ ዝበሃል ኣብ ናይ ሊቀ ካህናት ቦታ ተኣኻኸቡ ንጎይታ ኢየሱስ ድማ ብተኮል ክሕዝዎ ክብሉ ተማኸሩ።(ማቴ 263-4) እዚ ጉባኤ እዚ ቅዱስ ዳዊት ናይ ክፍኣት ጉባኤ ኢሉ ይጽውዖ።
ኣኽላባት ከቢቦምኒ፣ ኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒ፣ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣’(መዝ 2216) ኣይሁድ ሰኑይ ዝጀመሩ ረቡዕ ውሳኔኦም ወዲኦም ሓሙስ ኣብ ናይ ምሸት ድሕሪ ቁርባን ድራርን ሰይፍን ገመድን ሒዞም መጹ ብፍቓዱ ነፍሱ ኣሕሊፉ ድማ ሃቦም። ሓዝዎ እሞ ክሳብ ዓርቢ ሰዓት 12 እንዳኣከራተቱ እንዳገረፉ ጸኒሖም ድሕሪ ብዙሕ መከራ ሰቐልዎ። ሰዓት ሰለስተ ድማ ነፍሱ ነፍሱ ብፍቓዱ ካብ ስጋኡ ተፈልየ ቅድሚ ሓሙሽተ ሰዓት ድማ ዮሴፍን ኒቀዲሞስን ብምስጋና ገኒዞም ቀበርዎ። ካብ ሕማሙን መከራኡን የከፋለና። ሰላም እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኹን ኣሜን።





No comments:

Post a Comment