Monday, March 7, 2016

ጾመ ኣርብዓ



ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብ ዓመት ሸውዓተ ናይ ጾም ግዚያት ሠሪዓ በብግዚኡ እንዳ ኣዘኻኸረት ከም ንጾሞም ትገብር። እዚኣቶም ድማ
  1. ጾመ ነቢያት፥ ካብ 15 ሕዳር ዝጅምር ኮይኑ ን44 መዓልታት ክሳብ 29 ታሕሳስ በዓለ ልደት ዝጸንሕ ጾም እዩ።
  2. ጾመ ገሃድ፥ 10 ጥሪ ቅድሚ ጥምቀት እትጽወም ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጾም እያ።
  3. ጾመ ነነዌ፥ ኩሉ ግዜ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ ረቡዕ ንሠለስተ መዓልታት ይጽወም። ዝኣትወሉ ዕለት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ፍልልይ ዘለዎ ኮይኑ ቅድሚ ዓቢይ ጾም ክልተ ሰሙን ዘሎ ሰኑይ ይጅምር።
  4. ዓቢይ ጾም፥ ን55 መዓልታት ዝጽወም ኮይኑ ድሕሪ ጾመ ነነዌ ክልተ ሰሙን ይጅምር።
  5. ጾመ ሐዋርያት፥ ድሕሪ በዓለ ሐምሳ ዝጅምር ኮይኑ ዝጅምረሉ መዓልቲ ሰኑይ ዕለት ግን ከም ጾመ ነነዌን ዓቢይ ጾምን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ፍልልይ ኣለዎ። እዚ ጾም ካብ ኩሎም ኣጽዋማት ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ዝጽወሙ መዓልታት ሓደ ሓደ ግዜ ይበዝሕ ካልእ ግዜ ድማ ይውሕድ ዝተወሰነ (ተደጋጊሙ ዝጽወም ሓደ ዓይነት መዓልታት ዘይብሉ እዩ)።
  6. ጾመ ድኅነት፥ ዓመት ሙሉእ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ማለት ረቡዕን ዓርብን ዝጽወም እዩ። ብጀካ ኣብ ዘመነ ትንሣኤ ዘለዋ እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ሳዕ ጾም እዩ።
  7. ጾመ ፍልሰታ፥ እዚ ጾም ን15 መዓልታት ዝጽወም ኮይኑ ካብ 1 ነሓሰ ይጅምር ክሳብ 15 ነሐሰ ይጽወም 16 ነሓሰ ድማ ናይ እቲ ጾም መዛዘሚ በዓለ ኪዳነ ምሕረት (ፍልሰተ ሥጋሃ)ብዓቢ ክብሪ ተኸቢሩ እቲ ጾም ይውድእ።
ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎም ኣጽዋማት ግዚኡ ኣኪሉ ካብ ዕለት ፳፰ የካቲት ፳፻፰ ዓ.ም 7 መጋቢት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ዝጽወም ናይ ጎይታ ጾም እዩ። እዚ ጾም ን55 መዓልታት ክሳዕ ቀዳም ስዑር ዝጸንሕ ኮይኑ ናብ ትንሣኤ ንምብጻሕ ዝጽወም እዩ። ዓቢይ ጾም ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ንጥምቀት ናይ ስርሑ መጀመሪ ንምግባር ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ ወልደ ዘካርያስ ምስ ተጠምቀ ሽዑ ንሽዑ መንፈስ ናብ በረኻ ስለ ዝወሰዶ 40 መዓልትን 40 ለይቲን ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ጾይሙ ንሰይጣን የሕፊሩ ነሕፍረሉ ኃይሊ ዝረኸብናሉ ጾም ዝጀመረሉ እዩ። ስለዚ ጾመ ኣርብዓ ካብ ካልኦት ኣጽዋማት ፍልይ ብዝበለ መገዲ ዝግለጽ እዩ። ምክንያቱ ወሃቢ ሕግታት ሠራዔ ኣጽዋማት ዝኾነ ጎይታ ባዕሉ ዝጾሞ ስለዝኾነ ብፍሉይ ናይ ኣጽዋማት ርእሲ ከም ዝኸውን ጌርዎ እዩ። በዚ ምኽንያት ኣዝዮም ብዙሓት መጸውዒ ኣስማት ተዋሂቦም እዩ።
  1. ጾመ ኣስተምህሮ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ምጻም የድልዮ ስለ ዝነበረ ኣይጾመን፣እንታይ ደኣ ንትምህርትና ምእንቲ ክኸውን ጾይሙ። እዚ ማለት ከይገበረ ግበሩ ኢሉ ዝኣዘዘና ሓንቲ እኳ የላን ስለዚ ሎሚ ንነብረሉ ዘሎና ክርስትና ተፈቲኑ ዝሓለፍ እዩ። ናይ መምህረን ድምጺ ዝሰምዓ ተመሃሮ ድማ ንመምህረን ንምምሳል ንሱ ዝመሰሎ ንምምሳል፣ ዝፈለጦ ንምፍላጥ፣ዝገበሮ ንምግባር ደድሕሪኡ ይስዕባ። ቅዱስ ኣርሳኔዎስ “ጎይታይ ኣነ ናይ ብዙሓት መምህር እየ ኣብ ቅድሜኻ ግን ካብ ተማሃሮኻ ሓደ እየ። ኣነ ናይ ብዙሓት ጓሳ እየ ኣብ ቅድሜኻ ግን ካብተን ኣባጊዕካ ሓደ እየ። ኣነ ብዙሓት ዝስዕቡኒ እየ ኣብ ቅድሜኻ ግን ካብቶም ዝስዕቡኻ ሓደ እየ።” ክብል ከም ዝተዛረበ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቃልን ብግብርን ካቡኡ ተማሂርና ክንገብሮም ዝግባእ ነገራት እንዳ ገበረ ዝነብር ዝነበረ ናይ ሕይወትን ቃልን ሓቀኛ መምህር እዩ። ስለዚ ዝጾሞ ጾም ድማ ጾም ናይ ኩሉ ነገር መጀመሪ፣ናይ ዓወት ግብሪ፣ናይ መንፈሳውነት ኮነ ኣገልግሎት ኃይሊ ከም ዝኾነ ብግብሪ ዝተመሃርናሉ ብምንባሩ ጾመ ኣስተምህሮ ይበሃል። 
  2. መዳለዊ ጾም፥ ሕዝበ እስራኤል በዓለ ፋሲካ ቅድሚ ምብዓሎም፣ ናይ ፋሲካ በጊዕ ቅድሚ ምብልዖም ኣቐዲሞም ናይ መዳለዊ ግዜ ይገብሩ ኔሮም። ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓቀኛ ፋሲካ ናይ ዓርቢ ገንሸል ቅድሚ ምብዓልናን ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ቅድሚ ምቕባልና ብጾምን ጸሎትን ንርእስና ነዳልወሉ ስለ ዝኾነ ናይ ምድላው ጾም ተባሂሉ ይጽዋዕ። 
  3. ናይ ዓወት ጾም፥ ሠለስተ ኣርዕስተ ኃጣውእ ዝተሳዕሩሉ ሰይጣን ዝተሳዕረሉ፣ዝሓፈረሉ ስለ ዝኾነ ናይ ዓወት ጾም ተባሂሉ ይጽዋዕ። 
  4. መሠጋገሪ ጾም ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመተ ኩነኔ ናብ ዓመተ ምሕረት፣ ካብ መስዋዕተ ኦሪት ናብ መስዋዕተ ሓዲስ፣ ካብ ሕገ ኦሪት ናብ ሕገ ወንጌል ንኸሰጋግረና ዝጾሞ ጾም ስለዝኾነ ናይ መሠጋገሪ ጾም ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ። ንሕና ውን ነዚ እንዳዘከርና ክንጸሞ ይግባእ። ቀዳማይ ንዝተገብረልና ውዕለት ከም ዘይረሳዕና ድምጽና ነስምዓሉ እዩ። ካላኣይ ድማ ጎይታ ዓመት ዘይኮነስ ሕይወትና ከም ዝለወጦ ብምእማን ንርእስና ንልውጠሉ ጾም እዩ። 
  5. ናይ ካሕሳ ጾም:- ቀደምት ናይ ደቂ ሰባት መበቆል ዝኾኑ ኣዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ተሰጊጎም ንባርነት ንሞት ኣብ መወዳእታ ድማ ንሲኦል ክድርበዩ ምክንያት ኮይኑ ዝተረኽበ መብልዕ እዩ። ኣዳም ክገብሮ ዘይከኣለ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾይሙ ካሕሳ ኮይኑ ንመንፈሳዊ ጥሜቱ ብመንፈሳዊ ጽጋብ (ጾም) ክሒሱ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ መለሶ። ስለዚ ናይ ካሕሳ ጾም ተባሂሉ። 
  6. ዓቢይ ጾም:- እቲ በዓል ቤት ዝኾነ ጎይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝመሥረቶ ስለ ዝኾነ ዓቢይ ጾም ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ። 
  7. ጾመ ኣርብዓ:- ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ን40 መዓልትን 40 ለይትን እግሩ ካብ ዝዘርግሓሉ ከይዓጸፈ፣እኽለ ማይ ከይጠዓመ፣ድቃስ ከይደቀሰ፣ ዝጾሞ ጾም ስለ ዝኾነ ነተን መዓልታት ንምዝኻር ጾመ ኣርብዓ እንዳ ተባህለ ይጽዋዕ። 
  8. ቀድሶተ ገዳም:- ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰብ ርሒቑ (ካብታ ዘፍቅራ ወላዲቱ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከይተረፈ) ካብ ከተማ ወጺኡ ኣብ በረኻ ኮይኑ ዝጾሞ እዩ። እዚ ድማ ነቶም ኣቐዲሞም ብብሕትውና ዝነብሩ ዝነበሩ ከም በዓል መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ብሕትውና፣ ናይ ነቢይ ኤልያስ ገዳማዊ ሕይወት ዝተጓዕዙሉ መገዲ ጽድቂ ከም ዝኾነ ዝመስከረሉ ንናይ ሓድሽ ኪዳን ገዳማዊ ሕይወትን ናይ ብሕትውና ናብራን ባሪኹን ቀዲሱን ዝጀመረሉ ስለ ዝኾነ ቀድሶተ ገዳም ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ።
ንምንታይ 55 መዓልቲ ኮይኑ
ዓቢይ ጾም ንሓሙሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዝጸንሕ እዩ። እዚ ጾም ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም እንተ ኮይኑ ንምንታይ ኣብ ልዕሊ እተን 40 መዓልታት ወሰኽ ተጌሩ?
ነዚ ሊቃውንቲ ብክልተ መገዲ መብራህርሂ ይገብሩሉ። ናብቲ መልሲ ቅድሚ ምእታውና ግን ኣቐዲምና ክንርድኦ ዘድልየና ነገር ኣሎ። ቅድስት ቤተክርስቲያን ንጸድቀሉ ንቕደሰሉ ተወሳኺ ናይ በረከት ግብራት ክትውስኸልና ትኽእል እያ። ሠናይ ነገር ድማ ሓደ እኳ ክቃወሞ ዘይክእል ናይ ሕይወት መገዲ እዩ። ስለዚ ኣብዚሕና ምጻምና ብዙሕ ፍረ ከም ዝርከበና ይገብረና፣ኣውሒድና ምጻምና ብመጠን ዝገበርናዩ ተለኪዑ ይወሃበና። ስለዚ ንምንታይ ተወሲኹ ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ግቡእ እኳ እንተ ኾነ ናብ ጽድቂ ዝወስዱና ጎደናታት ምብዝሖም ግን ተቓውሞ ክንገብር ምኽንያት ክኾኑና ኣይግባእን። ሓደ ሰብ ዶሞዙ ኣብ ወርሒ 1000 ናቕፋ ክንሱ ተወሳኺ እንተ ተገብረሉ ዝቃወም የለን። ምኽንያቱ ጽቡቕ ነገር ስለዝኾነ።
ሀ. ኣብ ዓቢይ ጾም ሸሞንተ ሰሙናት ኣለዋ። ካብ እዚኣተን እተን ሸውዓተ ቀዳም ክኾና ከለዋ እተን ሸሞንተ ድማ ሰንበታት እየን። እዚአን ብጠቕላላ ዓሠርተ ሓሙሽተ ይኾና። ብቀኖና ቤተክርስቲያን ቀዳመ ሰናብቲ ካብ እኽለ ማይ ተኸልኪልካ ክትውዕል ኣይፍቀድን ስለዚ መስዋዕቲ ዝዓርገሉ ቅዳሴ ዝሥርዓሉ ንግሆ እዩ። ዝኾነ ክርስቲያን ኣብዘን መዓልታት ኣብ ግዜ ጾም ካብ ናይ ስዕረት ዝብልዑን ዝስተዩን ተኸልኪሉ እኳ እንተ ወዓለ ናይ ጾም መግብን መስተን ግን ጾይሙ ክውዕል ኣይፍቀድን እዩ። ስለዚ እተን ሙሉእ መዓልቲ ተጸይመን ዝወዓላ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘለዋ ናይ ሸሞንተ ሰሙን መዓልታት ሽሞንተ ብሓሙሽተ እንተ ኣራቡሕናዮ ወይ ውን እተን ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ካብ 55 ማዓልታት እንተ ቀኒስናየን 40 መዓልታት ይመጻ። ስለዚ ጾመ ኣርብዓ ኢልና ምጽዋዕና ነቲ ምሥጢር ዝሰብር ኣይኮነን።
ለ. ናይ እቲ ጾም መጀመሪ ዘሎ ሰሙን ጾመ ሕርቃል ዝብል መጸውዒ ዝተዋህባን ናይ ዓቢይ ጾም መወዳእታ (ድሕሪ ሆሳዕና) ዘላ ሰሙነ ሕማማትን ከም መወሰኽታ ከም ዝኣተዋ ውን ናይ ቤተክርስቲያን ታሪክ ይገልጽ። እዘን ከም መእተውን መወድእን ዝተወሰኻ ሰሙናት ታሪኽ ኣመጻጽእአን ብሓጺር ክገልጸልኩም።
ሕርቃል
ሕርቃል ኣብ መበል 614 ዓ.ም ናይ ቢዛንታይን ንጉሥ ዝነበረ ካቶሊካዊ መራሒ እዩ። እዚ ጾም ብስሙ ንኽጽዋዕ ምኽንያት ኮይኑ ዝተረኽበ ንምንታይ እዩ?
ንጉሥ ሕርቃል ኣብ መሪሕነት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ናይ ፋርስ ሠራዊት ንኢየሩሳሌም ወሪሮም ነቲ ኣብ ዘመን ንጉሥ ቆስጦንጢኖስ ብሠናይ ድሌትን መንፈሳዊ ቅንኣትን ቅድስት እሌኒ ንዘመናት ካብ ተቐቢሩሉ ዝነበረ ናይ ጓሓፍ ስፍራ ንናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ኣድካሚ ብዝኾነ ኃይሊ ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ዝወሰደ ናይ ኩዕታ ግዜ ተረኺቡ ብዓቢ ክብሪ ኣብቲ ዝተሰቕለሉ ስፍራ ከም ዝኸውን ጌራቶ ስለ ዝነበረት ነዚ ክቡር መስቀል መምለክያነ ጣዖት ዝኾኑ ፋርስ ንክርስቲያናት ከቖጥዑ ስለዝደለዩ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘሚቶም መስቀለ ክርስቶስ ማሪኾም ናብ ዓዶም ከም ዝኸይድ ገበርዎ።
ኣብዚ ዘመን ዝነበሩ ክርስቲያናት ብኅብረት ኮይኖም ናብቲ ኣብቲ ዘመን ክርስቲያን ንጉሥ ዝነበረ ሕርቃል ኣውያቶም ከስምዑ ጀመሩ። ናቡኡ መልእክተኛታት ሰዲዶም “ንስኻ ክርስቲያን ኢኻ ኣብ ዘመንካ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ክወድቕ ጽቡቕ ኣይኮነን። ከም ንጉሥ ቆስጦንጢኖስ ኩለልና፣ ስለዚ ተዋጊእካ ምለሶ በልዎ።” ንጉሥ ሕርቃል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሕግታትን ወሳኔታት ሕዋርያትን ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም “ቅዱሳን ሐዋርያት ሰብ ዝቐተለ ሙሉእ ዕድሚኡ ይጹም። ክብሉ ዝሓገግዎ ስለዝፈራሕኩ ሙሉእ ዕድመይ ዝጾሞ ጾምውን ከይከብደን ስለዝሰጋእኩ እምበር ነዚ ክገብር ሕጉስ እየ” ኢሉ መለሰሎም።
ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ቅዱሳን ክርስቲያናት ንኣበሃህልኡ ከምዚ ኢሎም መለስሉ “ናይ ሓደ ሰብ ዕድመ ሰብዓ እንተ በዝሐ ድማ ሰማንያ እዩ። ስለዚ ነዚ ንሕና ተማቒልና ክንጾሞ ኢና” በልዎ። ብተወሳኺውን ኣብ ዝኸዶ ኣምላኽ ዓወት ምእንቲ ክህቦ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ክርስቲያናት ናይ ሰሙን ጾም ክጾሙ ኣወጁ። ድሕሪ ናይ ሰሙን ጾም ንጉሥ ሕርቃል ናብ ፋርስ ዘሚቱ መስቀል ክርስቶስ ካብ ኢዶም መንዚዑ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝምለስ ገበረ። መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን ድማ ነዚ ናይ ሰሙን ጾም ኣብ ቀኖና የእቲዮም ከም ዝጽወም ገበርዎ።
እዚ ጾም ናይ ዓቢይ ጾም ከም መጀመሪ ኮይኑ ከም ዝጽወም ዝተገብረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
  • ዕላሙኡ ንናይ ጎይታ መስቀል ንምምላስ ስለ ዝነበረ ምስ ናይ ጎይታ ጾም ክጽወም ዝተመርጸ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ
  • ብኣጋንንቲ ዝተመሰሉ ሠራዊት ፋርስ ብኃይሊ ናይ ሓደ ሰሙን ጾም ተባሪኹ ዝኸደ ንጉሥ ጸላእቱ ዝሰዓረሉ ስለ ዝነበረ። ናይቲ ዓቢይ ናይ ውግእ ጾም ቅድሚ ምእታውና ንርእስና ብጾም ኣዳሊና ንምእታው ተባሂሉ ምስ ጾም ኣርብዓ ከም ዝጽወም ተጌሩ።
  • እቲ ዝተጾመሉ ዘመን ምስ ናይ ጎይታ ጾም ዝቀራረብ ስለ ዝነበረ ናብቲ ዝቐረብ እንተ ተሓዊሱ መዘከርቱኡ ክሰማማዕ ይኽእል እዩ ካብ ምባል
  • ንዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ መስቀለ ክርስቶስ ዝተረኽበሉ ወርሒ መጋቢት ኣብ ጾመ ኣርብዓ ስለ ዝኾነ፣ሕጂ ውን እንደገና ተማሪኹ ዝተመልሰሉ ምስቲ ጥንተ ታሪኹ እንተ ተጸንበረ ይምረጽ ካብ ምባል ምስ ጾመ ኣርብዓ ከም ዝጽወም ተጌሩ።
ብዙሓት ሰባት ብግጉይ ዝኾነ መረዳእታ ንንጉሥ እትጽወም ጾም ኢሎም ይትርጉምዋ እዮም። እንተ ኾነ ግን ካብቲ ኣበሃህልኦም ንላዕሊ ምሥጢር ዝሓዘ ከም ዝኾነ ክንገልጸሎም ይፈቱ። ምኽንያቱ ዕላማ ናይቲ ጾም ዓወት ንዝተረኽበሉ ጾም ምጻም ናይ ቤተክርስቲያን ልማድ ስለ ዝኾነ፣ ከም ዝኾነ ናይቲ ታሪኽ ትርጉም ክርድእዎ ይግባእ። ርግጽ እዩ ሕርቃል በዓል ውዕለታ ስለ ዝኾነ ንዝኽሮ ኢና ግን ምእንትኡ ኢልና ኣይንጾሞን ኢና። ምእንቲ ንጉሥ ምጻም መንፈሳዊ ግቡእና እኳ እንተ ኾነ ንዘይኮነ ነገር ትርጉሙ ከም ዝስሕት ምግባር ግን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ሰሙነ ሕማማት
ሰሙነ ሕማማት ኣብቲ ሰሙን ምስ በጻሕና ብዝርዝር ስለ ንርእዮ ሕጂ ብዙሕ ኣይክገልጽን እየ። እዚ ጾም እዚ ቅዱሳን ሐዋርያት ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዝተቐበሎ መከራ መስቀል እንዳ ዘከሩ ዝሓዘንዎን ዝጾምዎ ዘመን ንምዝኻር ዝጽወም እዩ። እንተ ኾነ ግን ኩሎም ምስ ጾመ ኣርብዓ ከም ኢድን ኣጻብዕትን ተዛሚዶም፣ተጣቢቖም ዝተተሓሓዙ ስለ ዝኾኑ ከም ዓቢይ ጾም ይቑጸሩ።
ናይ ዓቢይ ጾም ሰንበታት
ናይ ዓብይ ጾም ሸሞንቲአን ሰናብቲ ነናይ ገዛእ ርእሰን መጸውዒ ስም ከም ዝህልወን ጌሩ ድርሰት ዝደረሰለን ናይ ዜማ ሊቅ ተወላዲ ምድረ ኣግዓዚ ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ እዩ። ናይተን ሰንበታት መጸውዒ ስም ዝጅምር ካብ ጽባሕ ሰንበት እዩ። ኣብ ዓቢይ ጾም ዘለዋ ሰናብቲ ብዘወረደ ይጅምራ። ስለዚ ጽባሕ ዘወረደ ኢልና ክንጅምር ኢና። ኣምላክ እንተ ፈቒድዎ ንኹለን ሰንበታት ኣብ ግዚኡ እንዳ ገለጽናየን ክንከይድ ክንፍትን ኢና። ኣምላከ ቅዱሳን ሠናይ ምጅማር ጾም ይግባረልና።
ናይ ዓቢይ ጾም ሰናብቲ መጸውዒ ኣስማት
  1. ዘወረደ
  2. ቅድስት
  3. ምኩራብ
  4. መጻጉዕ
  5. ደብረ ዘይቲ
  6. ገብርሄር
  7. ኒቆዲሞስ
  8. ሆሳዕና

No comments:

Post a Comment