Friday, April 13, 2018

ታሪኽ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ


ታሪኽ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ፡ ዘይጠፍእ ዘለዓለማዊ ስም ከኣ ኽህቦም እየ።ኢሳ 56-5
ታሪኽ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓፂሩ
ስምዖን ወአቅሌስያ እለ ነበሩ በንሂሳ፡ በኀጢአ ውሉድ በከየ መጠነ ዓመታት ሠለሳ፡ ሥሉስ ቅዱስ ሶበ ነፍሑ በውስተ ከርሣ፡ ተወልደ እምኔሆሙ ቀናዬ አናብስት ስሳ፡ በኀይለ ኣምላኩ ዘይሠሪ አበሳ።
ርእሰ ባሕታውያን ብምባል ዝፍለጥ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ 30 ዓመታት ዝኣክል መኻናት ካብ ዝነበሩ ኣቡኡ ስምዖንን ኣዲኡ ኣቅሌስያን ኣብ ላዕላይ ግብጺ ንሂሳ ኣብ ዚብሃል ቦታ ተወልደ። ወለዱ ንእግዚኣብሔር ውላድ ንኺህቦም ለይትን መዓልትን ተስፋ ብዘይ ምቝራጽ ምስ ለመንዎ እቲ ንዝለመንዎ ኣዝዩ ቐረባ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዓቢይ ውላድ ሃቦም። 
ምስ ተወልደ ድማስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ለዘአውፃእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን/ ምስጋና ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውፃእካኒእናበሉ ኣመስገነ። ሽዑ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ተገሊጹናይዚ ቘልዓ ስም ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኢልኩም ስመይዎኢልዎም ተሠወረ። እዚ ቘልዓ እዚ ከም ኵሎም ሕፃናትኣዲኡ ኣይሓቘፈቶን ጡብ ኣይጠበወን። ብኸምዚ ንሠለስተ ዓመት ምስ ወለዱ ተቐመጠ።
ወዲ ሠለስተ ዓመት ምስ ኮነ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ሰማይ ኣዕረጎ። ኣብኡ ድማ ብኢድ እግዚኣብሔርን ቅዱሳኑን ምስ ተባረኸ ናብ ገዳም ኖብ እትብሃል ገዳም ኣብ ኣፍደገ ኣቐመጦ። ናብ ኣባ ዘመደ ብርሃን ኣበምኔት ገዳም ኣትዩ፡ዓቢይ ጋሻ ሕፃን ሎሚ ኣብ ኣፍደገኻ ኾፍ ኢሉ ኽትረኽቦ ኢኻ። ኣእቲኻ ብኽብሪ እናመሃርካ ኣዕበዮበሎ። ኣባ ዘመደ ብርሃን እውን ከም ዝተኣዘዞ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ ዅሉ ሥርዓት ቤተ ክርቲያንን ዳዊትን ብሉያትን ሓዲሳትን መሃሮ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ እግዚአብሔር ንዅሉ ብሓፂር ጊዜ ኣጽፊፉ ተማህረ።
ኣባ ዘመደ ብርሃን ከኣ ትሕትንኡን ትምህርቱን ርእዩ ናብ ኣባ ኣብርሃም ጳጳስ እቲ ጊዜ ወሲዱ መዓረገ ኽህነት ከም ዚቕባእ ገበረ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስውን ለይቲ ይኹን ቀትሪ መንፈስዊ ዕዮኡ ብትሕትናን ብትግሃትን ይሠርሕ ነበረ።
ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሰብ ዚሠርሖ ኽዳን ኣይተኸድነን። ክዳኑ እግዚኣብሔር ብዝሃቦ ጸጋ ኻብ ሰብነቱ ዝበቘለ ፀጕሪ ይኽደን ነበረ እምበር ብኢድ ሰብ ዝተሠርሐ ኽዳን ኣይተኸድነን። 
ሓደ መዓልቲ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ኣብነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ መጺኡ፡ኸምቲ ቕድም ናብ ሰማይ ዘዕረግኩኻ ንዓ ሕጂውን ናብ ሰማይ ከዕርገካ እየበሎ። ብኽንፉ ሓቝፉ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣቕረቦ። ጐይታ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ባረኾ ብጸሎትካ ብዙኃት ነፍሳት ስለዝድኅኑ ኻብ ሰባት ተፈሊኻ ንበር። ብጸሎትካ ዕዉራን ሓንካሳን ኪፍወሱ እዮም እሞ ንበረኻ ኺድ ምስ ኣናብስቲን ኣናብርቲን ንበር" በሎ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ብዝሓቦ ጸባ 60 ኣናብስቲ ቐቅድሚኡ 60 ኣንናብርቲ ደድኅሪኡ ዝስዕቡዎ ርጋጽ እግሩ እናአመገቡ ዝነብሩ ነበሩዎ። 
ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግርማ ለይቲ፡ ድምጺ ኣራዊት፡ ተዓጊሡ ኣብ በረኻታት ግብጽን ሱዳንን እናተዘዋወረ ዝተፈላለየ ተኣምራት እናገበረ 300 ዓመታት ምስ ተቐመጠ፡ ብፍቓድ እግዚአብሄር ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ እናተመርሐ ናብ ሃገረ ኣግኣዚት መጽአ። ብመጀመርታ ኣኽሱም በጽሐ። ድኅሪኡ ናብ ላስታ (ደብረ ሮሓ) ኸደ። ድኅሪኡውን ጕዕዞኡ ብምቕጻል ናብምድረ ከብድዝተባህለ ቦታ ብምብጻሕ ናብዝቋላኣምርሐ። ኣብዚ ቦታ እዚ ብጾምን ጸሎትን ብምስጋናን እናነበረ ኸሎ ኣብቲ ኸባቢ ዚቕመጥ ሕዝቢ ብኃጢኣት ከም ዝተሰናኸለ ተገልጸሉ።
ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እቶም ሕዝቢ ኻብ ኃጢኣቶም ኪምለሱ ጸለየ። ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኹ ምእንቲ ሕዝቡ እግዚኣብሔር ስለምንታይ ኰሬካ ኩራኻ ኣብዚ ብዓቢይ ኃይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውፃእካዮ ሕዝብኻ ስለምንታይ ዚነድድ፧ ስለምንታይ ግብጻውያንኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኸጽንቶም፡ ንጥፍኣት እዚ ዚመጽኦምኢሎም ዚዛረቡ፧ ኻብቲ ነዳዲ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ። ነቲ ንሕዝብኻ ኽትገብሮ ዝሓሰብካዮ ኽፉእ ድማ ተጠዓሰሉ . . .” ዘፀ. 3211-14 እናበለ ዝተማህለሎ ብምዝካር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቐላይ ጠጠው ብምባል 40 መዓልትን 40 ለይትን ናብ ፈጣሪኡ ምስ ጸለየ።ስምካ ጸዊዑ ዝለመነኒ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን እህበካ ኣሎኹ የኣኽለካ ኻብ ባሕሪ ውፃእዝብል ቃል መጽኦ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግና መሊሱ 100 ዓመት ብርእሱ ንቁልቁል ተደፊኡነቶም ኵሎም ብስምካ ዝኣምኑ ሕዝቢ ምሓረለይ ክወፅእብምባል ዝተፈላለየ ፈተናታት ኣጋንንቲ ተጻዊሩ ድኅሪ ምስዓሩ፡ ጐይታ መጺኡብልማኖኻ ብኣምላኽነተይን ኣሚኑ ብስምካ ንቤተ ክርስቲያን ዕጣን፡ ሽምዓ፡ መባእ ዝሃበ ቤተክርስቲያን ዝሠርሐ ኽምሕረልካ እየበሎ። ሽዑ ኻብቲ ቝልቍል ኣፉ ኾይኑ ዝነበሮ ወፅአ።
ብድኅሪኡውን 100 ዓመት ዝኣክል ምስ ሰይጣን ንሱ ብመብረቕ፡ ሰይጣን ብዅናት ተዋግኡ። እቲ ጻድቕ ኣብ መዓልቲ 1000 ኣጋንንቲ እናቐተለ በዚ ናይ 100 ዓመት ኵናት እቲ ጎቦ እናተፈርከሸ ኻብቲ ዝነበሮ ንውኃት ቀነሰ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ጎቦ ዝብሃል ዝነበረ፡እዚ ደኣ እንታይ ጎቦ ኾይኑ ደይ ቆላ እዩተባህለ። በዚ ምኽንያት ናይቲ ቦታ ስም ክሳብ ሎሚዝቋላእናተባህለ ይጽዋዕ። ካብ ሰባት መብረቕ ዝተዋህቦ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ። ካብ መላእኽቲ ድማ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ።
ብድኅር እዚ ናብ ምድረ ከብድ ኸይዱ ንሾብዓተ ዓመት ካብ ፀሓይን ማይን ኣብ ዘይትኽወለሉ ጎልጎል ተቐመጠ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኸም ዓንዲ ጠጠው ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ እናጸለየ ኸሎ ዅሉ ጊዜ ሰይጣን ርጉም ከም ምዃኑ መጠን፡ ኳዅ ተመሲሉማይ ጸሚአ ኣስትየኒይብሎ። ንሱ ለዋህ ስለ ዝኾነ ዓይኑ ናብኣ ጠሚቱ ነታ ዃዅእንኪ ስተዪበላ። ንሳ ኸኣ ኽልቲኤን ኣዕይንቱ ኣውፂኣ ሰተየተን። ኵሉ ጽድቂ ብትዕግሥቲ እዩ ዚመጽእ ብምባል ንኽልተ ቕነ ዚኣክል ክልቲኤን ኣዕይንቱ ነቝረን ከለዋ፡ ተስፋ ኸይቘረጸ ጸሎቱን ጾሙን ቀጸለ። ድኅር መላእኽቲ ቕዱስ ሚካኤልን ቕዱስ ገብርኤል መጺኦም ነተን ዝጠፍኣ ኣዕይንቱ ኡፍ በልሉ እሞ ኸም ቀደመን ተመልሳሉ። ንሱ ድማ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ።
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ምድረ ከብድ ንቝሩብ ጊዜ ድኅሪ ምጽናሕ ናብተን ኣብ ኢየሩሳሌም ዚርከባ ቕዱሳን መካናት ሠለስተ ጊዜ ተመላሊሱ ተሳሊሙ መጋቢት 27 ቅዳሴ ቐዲሱ መሥዋዕቲ ኣዕረገ።
ናይ ዓይኒ ፈተነ ምስ ገጠሞ እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሚካኤልን ቕዱስ ገብርኤልን መላእኽቲ ለኣኸሉ። እቶም ቕዱሳን መላእኽቲ ድማንጸላእትኻ ምእንቲ ኽትሥዕሮም ናብገዳመ ዝቋላ ኺድኢሎምዎ ተሠወሩ። ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስውን ካብ ምድረ ከብድ ናብ ገዳም ዝቋላ ኸደ። ኣብ ጥቓ መንበረ ማርያም ምስ በጽሐ ሥላሴ ብኣምሳል ሠለስተ ሽማግለታት ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሎም ረኸቦም። ስለ እቲ ጽቡቕ ትሩፋቱ ኸኣ ናይ ሥላሴ ሠለስትነትን ሓድነትን ኣብ ዝቋላ ተገልጸሉ። በብሓደ ንሠለስቲኦም ብዝባኑ ተሰኪሙ ንሓደ ምእራፍ ኣፋነዎም። በዚ ምኽንያት እዩ ኣብ መልከዐ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡አብ በዘባኑ፡ ወልድ በዘባኑ፡ መንፈስ ቅዱስ በዘባኑ፡ ዘሐዘልዎ በኪዳኑ፡ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሠለስተ ገጻተ ዘይዜኑዝብል።
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓፈሻ ኣብ ምድረ ኣግኣዚ 262 ዓመታት ዝሓመሙ እናኣሕወየ ዝሞቱ እናኣተንሥአ ኣዝዩ ዘደንቕ ተኣምራት ገበረ። ኣብዚ ናይ 562 ዓመት ዕድሜኡ ብዙኅ መከራን ፈተና ሰይጣንን ተዓጊሡ ኻብ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ተቐቢሉ 5 መጋቢት ተጋድሎኡ ፈጺሙ ዓረፈ።ሞቶሙሰ ለጻድቃን ሕይወቶሙ ውእቱ/ ንጻድቃን ሞቶም ሕይወቶ እዩ።ከም ዝተባህለ ቕዱሳን መላእኽቲ ንነፍሱ ተቐቢሎም ኣብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣዕረፍዋ
ጸሎቱ ወበረከቱ ይኩን ምስለ ኵልነ ሕዝበ ክርስቲያን! አሜን!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር

No comments:

Post a Comment