Tuesday, April 24, 2018

ስም ክርስትና


ምሥጢረ ጥምቀት
. ናይ ሥጋ ዝምድና ዘለዎም
. ናይ መውስቦ ዝምድና ዘለዎም
. ናይ ሃይማኖት ትምርቲ ዘይብሎም
. ምስቲ ዝጥመቕ ሰብ እምነቶም ሓደ እንተዘይኮይኑ ወይ ውን እምነቱ/ ካብተን ሽዱሽተ ኣሓት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስትና ኣብ/ኣደ (ኣባሊጋ) ክኸውን/ ክትከውን ኣይግባእን።
ጾታ ኣቦ/ኣደ ክርስትና (ኣባሊጋ)
እቲ ህጻን ወዲ እንተኾይኑ ወዲ፡ ጓል እንተኾይና ድማ ጓል ኣባሊጋ ይኾኑ ንወዲ ጓል ንጓል ከኣ ወዲ ኣባሊጋ ክኾኑ ኣይፍቀድን። ወላ'ኳ ሓደ ሓደ ሰባት ብመብጽዓን ብዝተፈላለየ ምኽንያታትን ንእግዚኣብሔር ንቅዱሳን ወይውን ንቤተክርስቲያንን ኣባሊጋ ክኾኑ ሂብና ኣለና እንተበሉ ንእግዚኣብሔርን ንቅዱሳንን ንቤተክርስቲያንን ወኪሎም ነቶም ተጠመቕቲ ብዛዕባ እምነቶም ብግቡእ ክምህርዎም ዝኽእሉ ሰባት ናይ ግድን ክህልዉ ኣለዎም፡ እምበር ስቕ ኣይበሃልን። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ክውከሉ ዝኽእሉ ኣብታ መዓልቲ ከጠምቑ ተራ ዝበጽሖም ካህናትን ዲያቆናትን ኤጵስቆጶሳትን ወይ ከኣ ዲያቆናዊት ሰበይቲ ጥራይ እዮም። እቲ ዝጥመቕ ወዲ እንተኾይኑ ቀሺ ወይ ከኣ ዲያቆን ኣባሊጋ ይኾኑ። እታ እትጥመቕ ጓል እንተኾይና ከኣ ዲያቆናዊት ሰበይቲ ኣባሊጋ ትኸውን። ብፍላይ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዲያቆን ዘይትመርዓወ ክኸውን ስለዝኽእል ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ወይ ብቦታ ምፍልላይ (ምርሕሓቕ) ከይፈለጡ ክዋሰቡ (ክምርዓዉ) ስለዝኽእሉ እቲ መንፈሳዊ ዝምድና ከይፈርስ ንምጥንቃቕ እዩ።
ኣባሊጋ ዝኾኑ ሰባት ዝኣትውዎ ቃል
ካብ ደቀይ ፈልየ ኣይርእዮምን እየ ዕድሜኦም ናብ ትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሰለስትነትን ንደቂ ሰባት ንምድሓን ብተዋህዶ ሰብ ኮይኑ ንዓለም ዝገብሮ በጃነት ብሓፈሻ ብዛዕባ እምነት ኩሉ ነገር ክምህሮም እየ፡ ነዚ ከምዚ ዝትግበር ከኣ ኣብ ቅድሚ እዛ ቅድስትን ኣህጉራዊትን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ቃል ይኣትው ዝብል እዩ።
ስም ጥምቀት (ክርስትና) ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ክልተ ኣስማት ክህልዎ ይኽእል። እቲ ሓደ ወለዱ ዘውጽኡሉ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ክጥመቕ ከሎ ዝወሃቦ ሓድሽ ስም እዩ። ስም ሰመየ ወይ ከኣ ሰየመ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ እዩ። ስም ማለት መጸውዒ እዩ፣ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ተፈልዩ ዝፍለጠሉ መለለዪ እዩ። ክፉእ ኮነ ጥዑይ ዓማጺ ወይ ሰላማዊ ተፈልዩ ንክፍለጥ ነቲ ኻልእ (ንዝመጽእ) ብጽሑፍ ወይ ንቓል ክመሓላለፍ ዝከኣል ብመገዲ ሽሙ (መለለይኡ) እዩ። ዋላኳ ንሓደ ሰብ መልክዑ ርእዮም ንኻልኦት ምሕባር እንተተኻእለ ክንድቲ ሽሙ ክገልጾን ከመሓላልፎን ዝኽእል መልእኽቲ ወይ ከኣ ካብቲ ብሽሙ ክፍለጦ ዝኽእል ንላዕሊ መልክዕ ክትክኦ ኣይክእልን ምኽንያቱ እቲ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ (ዓዲ) እንከሎ ሽሙ ግና ኣብ ሙሉእ ዓለም ክፍለጥ ይኽእል። ሽም ነቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ፈሊኻ ንምፍላጥ ወይ ከኣ ንመጸውዒ ጥራይ ዘገልግል ዘይኮነ ሽሙ ንጠባዩን ናይ ስራሕ ኩነታትን ማለት ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ናይ ቤተሰብ ኩነታትን ይገልጽ እዩ። ስም ክርስትና ብስም ክርስቶስ ናይ ምእማን ኩነት (እምነት) እዩ። ስለዚ እቲ ብክርስቶስ ዝኣምን ሰብ ክርስቲያን ክበሃል ከሎ እቲ እምነቱ ከኣ ክርስቲያን ይብሃል። ክርስትና ክርስቶሳውያን ናይ ክርስቶስ ወገን ምዃን ክኸውን ከሎ ክርስትያን ማለት ከኣ ክርስቶሳዊ ናይ ክርስቶስ ወገን ማለት እዩ። ስለዚ ብክርስቶስ ኣሚንና ምሥጢረ ሥላሴን ምሥጢረ ሥጋዌን ተማሂርና ምስ ኣመንና ብስም ሥላሴ ኣብ እንጥመቐሉ ግዜ ብካህን ዝወሃበና ሓድሽን መንፈሳውን ስም፡ ስም ክርስትና ይበሃል። እዚ ስም ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ንመንነትና ዝገልጽ ስም እዩ።
ናይ ስም ጥምቀት (ክርስትና) ኣሰያይማ ስርዓት
ሓደ ሰብ ስም ክርስትና ዝወሃቦ (ዝስየም) ከምዝመሰለካ ወይውን ደስ ከምዝበለካን ዘይኮነ መሰረታዊ ምኽንያት ኣለዎ፡ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ከኣ የጠቓልል:-
ሀ. ብስም እቲ ተጠማቓይ ኣብ ዝተወልደሉ ዕለት ዝነበረ ናይ እግዚአብሔር ስም ወይ ከኣ ናይ ቅዱሳን ዝኽሪ በዓል።
ለ. ብስም ኣብ መዓልቲ ጥምቀቱ ዝወዓለ ናይ ዝኽሪ በዓል።
ሐ. ብስም ዝጥመቐሉ ቤተ ክርስቲያን ወይ ብመብጽዓ ወይ ብካልእ መሰረታዊ ምኽንያት ወለዲ ብዝመረጽዎን ናይ ኣምልኾን፡ ናይ ቅዱሳንን ስም ብናይ ካህን ምሉእ ፍቓድን ሓላፍነትን ይስየም።
ስም ጥምቀት (ክርስትና እንታይ ይመስል)
ብዙሕ ግዜ ንክርስቲያን ዝወሃቡ ወይ ከኣ ስም ክርስትና ዝበሃል ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ቃል ነቲ ተጠማቓይ ዝገልጽ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ናይ ኣምላኽ ወይውን ናይ ቅዱሳን ስም እዩ። ንኣብነት፦
ንወዲ ተባዕታይ፦
ገብረእግዚአብሔር፣ ገብረኢየሱስ፣ ገብረክርስቶስ፣ ገብረወልድ…..ወዘተ
ወልደማርያም፣ ወልደሚካኤል፣ ወልደገብርኤል
ንጓል ኣንስተይቲ፦
ወለተሥላሴ፣ ኣመተኢየሱስ፣ ገነተማርያም…..ወዘተ
ወለተማርያም፣ ወለተሚካኤል፣ ስርጉተሚካኤል፣ ስርጉተገብረኤል…….ወዘተ ይበሃል።
እዚ ማለት ናይ እግዚአብሔር ወይ ናይ ቅዱሳን ኣገልጋሊ ዉሉድ፣ ህያብ…. ወዘተ ማለት እዩ። እዚ ሽም ክርስትና ናይ መን ወገን ደቂ መን ናይ መን ኣገልገልቲ ከም ምዃና ብሓፈሻኡ መንፈሳዊ መንነትና ዝገልጽ እዩ።
ንምንታይ ብዘይፈጠሩና ቅዱሳን ስም ይወሃቡና (ንስየም)
ዝፈጠረና ባዕሉ እግዚአብሔር ከሎን ከምኡውን ብሽም እግዚኣብሔር እንዳ ተጠመቕናን ከለና ዝወሃበና ስም ግን ወልደማርያም ሃይለሚካኤል ወለተሓና……. ወዘተ እንዳተበሃልና ብቅዱሳን ስም ንስየም (ንጽዋዕ) ነዚ ከኣ ዓቢ ምኽንያት ኣለዎ። እዚ ከኣ እግዚአብሔር ባዕሉ ናብ ናይ ጽድቂ ጐደና መሪጹ ሕጉን ስርዓቱን ብምሕላው ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንዝተረኽቡን ንዝርከቡን ኩሎም ኣብ ውሽጢ ገዛይ ብሽምኩም መዘከርታ ስም ክህበኩም እየ ብምባል ብዝኣተዎ ቃል ኪዳን መሰረት እዩ። እዚ ከኣ ገዛ እግዚአብሔር ተባሂሎም ዝጽውዑ ምእመናንን ናቱ ቀጽሪ ብዝኾነት ቤተ ክርስቲያንን ስም ይጽውዑ እምበር ሕይወት ዘለዎን ዘይብሉን ደረቕ ይኹን ፈሳሲ ብሓፈሻ ኣብ ምድሪ ኮነ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝረኣይ ኮነ ዘይርኣይ ስነፍጥረት ኩሉ ናቱ ናይ እግዚአብሔር ፍጥረት እምበር ማንም ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝተጻረሮን ዝጻረሮን የለን፡ ኣይክህላውን ከኣ እዩ። 1 ቆሮ 415-18, ኢሳ 561-8

No comments:

Post a Comment