Monday, April 2, 2018

ሰሙነ ሕማማት (ሰሉስ)

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን !!!
ሰሙነ ሕማማት (ሰሉስ)
ሰሉስ መዓልቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብዕለተ ሰኑይ ዝፈጸሞ ተግባር መሰረት ብምግባር ጸሓፍት ፈሪሳውያን ንጐይታ ምኽንያት መኽሰሲ መታን ክረኽብሉ ብዙሕ ከቢድ ኢሎም ዝሓሰብዎ ሕቶታት ዝሓተትሉ መዓልቲ እዩ። ንኹሉ ዝገብሮ ትእምርትን ተኣምራትን ብናይ መን ስልጣን ከም ዝገብሮ ዝሓተትሉ ዕለት እዩ። ስለዚ ዝኾነ እዛ ኣብ ሰሙነ ሕማማት እትርከበ ሰሉስ ናይ ሕቶ መዓልቲ ትፍለጥ።
ብኻልእ ወገን ድማ እታ ጎይታ ሰኑይ ዝረገማ በለስ ምሉእ ብምሉእ ዝነቐጸትሉ መዓልቲ ሰሉስ እዩ ኣይሁዳውያን ብትምህርቲ ጐይታ ኩሉ ግዜ ይቐንኡ ብምንባሮምን ኵሉ ሰብ ድማ ይስዕቦ ኣሎ ብምባል ይሓሙ ስለ ዝነበሩን ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ዝመስሎም መስቀላዊ ሕቶታት ብምሕታት ጐይታ ምስ ገዛእቲ ዓለምን ሕዝብን ከባእስዎ ተንኰል ካብ ምእላም፡ ፈተነ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕሉን ነበሩ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰሙንውን ፋሲካ ንምኽባር ናብ ኢዮሩሳሌም ምምጽኡ ኣይተርፍን፡ ብዙሕ ሕዝቢውን ብትምህርቱን ተኣምራቱን ይስዕቦን ይኣምኖን ኣሎ፡ ንሕናኸ ንመን ሒዝና ክንተርፍ ኢና፡ ኣብ ትምህርቱ ድማ ንግብርታትና የቃልዖ ኣሎ ብምባል ኣዝዮም ተሻቒሎም ነበሩ። በዚ መሰረት ድማ ብዓቢ ኽብሪ ብህጻናትን ብኣእማን ቢታንያ እናተመስገነ ናብ ቤተ መቕደስ ምእታዉን፡ ነታ መሻቐጢን መናገዲን ገይሮሞ ዝነበሩ ቤተ መቅደስ ዕዳጋታቶም ገላቢጡ ስለ ዝሰጐጎምን ብጭጉራፍ ገይሩ ብውርደት ስለ ዘባረሮምን ከምኡውን ሓቀኛ ዕላማ ቤተ መቅደስ ድማ ብምንጋር ነቲ ክፉእ ግብሮም ስለ ዘጋህዶን ስለዝወቐሶምን ኣዝዮም ተሻቒሎም ነበሩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣይሁድ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ነቲ ምኽሪ ሞት ክሕግዞም ዝኽእል ዝበልዎ ነገር ክሰርሑን ምኽንያት መኽሰሲ ከናድዩን ሓዲሮም ንጽባሒቱ ሰሉስ ሕቶታት ዝሓተትዎ። እቲ ሕቶ ድማበየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሃበካ፧ዝብል ነበረ(ማቴ 2123-27, ማር112733, ሉቃ 201-8) ነቲ መስቀላዊ ሕቶኦም ክምልስ ከሎ ብናተይ ስልጣን እየ ዝገብር እንተበለና ምስ ሮማዊ መንግሥቲ ከነባእሶ ኢና ዝብል ነበረ። ምኽንያቱ ዕዳጋን ንግድን ክተክልን ክነቅልን ዝኽእል ብኸመዚ ዓቢ ምስጋና ክምስገን ዝግብኦ ንጉስ ክኸውን ኣለዎ ብምባል እዩ። ነገስታት ድማ ብስልጣኖም ዝመጽእ ከም ዘይጻወርዎ ርዱእ ነገር ምዃኑ ኣብ ልደት ጐይታ ብሄሮድስ ዝተቐትሉ 144,000 ዝኾኑ ህጻናት ምዝካር እኹል እዩ። ብናቶም ሓሳብ ድማ ጐይታ ካብ ምድራውያን ነገስታት ኣይኮነን ክህነት ካብ ዝግብኦም ሌዋውያንውን ኣይኮነን፡ ብኸመይ ደኣ ዕዳጋና ክብትን ሕጊን ትእዛዝን ዘለዎ ትምህርቲ ክምህር ከምኡውን ተኣምራት ክገብር ዝኽእል እናበሉ እዮም በየናይ ስልጣን ክገብር ከምዝኸኣለ ክፍልጡ ደልዮም ተንኰል ፍሒሶም ናብኡ ዝመጹ። ንሱ ግና ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ስለዝኾነ ከም ወትሩ ክፍኣቶም ፈሊጡ ሕቶኦም ብሕቶ መሊሱ ኣሕፈሮም።ጥምቀት ዮሓንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ብምባል ድማ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ንሓድሕዶም ተዛራሪቦምካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ክብለና እዩ ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሓንስ ኩሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንሕዝቢ ንፈርህ።ብምባልኣይንፈልጥንኢሎም መለሱሉ። ጐይታ ድማ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም (ማቴ 2123-27) በዚ ድማ ሓፊሮም ተመልሱ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ሰሉስ ካልእ ሕቶታትውን ተሓቲቱን ተወሳኺ ትምህርቲውን ምሂሩን እዩ። ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ፡ ትንሳኤ ሙታን፡ ወዲ ዳዊት ዝተባህለ መን ምዃኑ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ዝመለሰሉን ብምስላ ገይሩ ድማ ዝመሃረሉን ዕለት እዩ(ማቴ218 , ማር 122 ማር 1337 ሉቃ 209 ሉቃ 2138) እዚአን ትምህርትታቱ ድማ ትምህርተ ሰሉስ ተባሂለን ይፍለጣ።
ካብዛ ዕለት እንመሃሮ መልእኽቲ፡ ካብ መርገምን ሞትን ክንድኅን ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ከነፍርን ጐይታ ናባና መንፈሳዊ ፍረ ደልዩን ብሂጉን ኣብ ዝመጸሉ እዋን ቖጽሊ (ሃይማኖት) ጥራይ ዘይኮንስ ፍረ (ሰናይ ግብሪ) ሒዝና ክነጽንሖ ከምዝግባእ እዩ። ሃይማኖይና ኣጽንዒና ሰናይ ግብሪ እንዳገበርና እንተጸና በታ ክርስቶስ ንፍርዲ ዝመጽአላ ሰዓትኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትተባሂልና ብየማኑ ቅቑመና እዩ። ኣብ ሃይማኖትና ከይጸናዕና፡ ሰናይ ምግባርውን እንተዘይብልና ግናኣንቱም ርጉማት ካባይ ርሓቑተባሂልና ናብቲ ንዲያብሎስን ሰራዊቱን ዝተዳለወ ስፍራ ክንድርበ ኢና ስለዚ መንግስት ሰማያት ክንወርስ እንተድኣ ኮይና ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ክንነብር ይግባኣና።
ካልእ መልእኽቲ ናይዚ ዕለትውን ንጐይታ ምፍትታን ከምዘይግባእን፡ ንሕናውን ብሓቂ ኣብ መገዲ ክርስትና እንተሎና ብሰባት ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ዝገበርና ክፉእ እንፍደየሉ ጊዜ ክህሉ ስለዝኽእል ብኵሉ ክንግረም ከምዘይብልና ዘረድእ እዩ። ዘለአለማዊ ስልጣን ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ፡ ከም ፍቓዱ ንሰባት ስልጣን ዝህብ ኣምላኽ፡ እንተላይ ነቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ስልጣን ዝሃቦም ንሱ ክነሱ ብሓጥኣንን ክፉኣትን ሰባትነዚ ስልጣን ዝሃበካ መን እዩ፧ተባሂሉ ተሓቲቱ እዩ። እዚ ድማ መን ምዃኑ ስለዘይፈልጥዎ እዩ። ዝምርምር እምበር ዘይምርመር ኣምላኽ ምዃኑ ኣየስተውዓልዎን። ሕቶኦምውን ናይ ቅንዕና ኣይነበረን። ንሱ ግና ንሕቶኦም ብሕቶ መሊሰሎም። ጐይታ ከምቲ ንዓይ ዝገበሩኒ ንዓኻትኩምውን ከምኡ ክገብሩኹም እዮም ከም ዝበለ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ደቂ ሰባት ብዙሕ ተጻብኦ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክመጾም ይኽእል እዩ። ንኵሉ ግና ብትዕግስት ክንሰግሮ ይግባእ።
ናይ ክርስቶስ ቤተሰብ፡ ከምቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ብኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጠራጠሩ ዝነበሩ፡ ሎሚውን ብኣምላኽነት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጠራጠሩ፡ ኣምላኽነቱ ክሒዶምኣማላዲ እዩዝብሉ ኣዝዮም ብሓት እዮም። ንሕና ግና ንሱ ናይ ባህርይ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ኵሉ፡ ብዘይ ብእኡ ሓደ እኳ ዝተፈጥረ ከምዘየለ ፈሊጥና ብጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣሚንና፡ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ነቶም ዝጠራጠሩ ድማ ብግቡእ እንዳኣረድእና ክንነብር ይግበኣና። እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ቅዱስ መንፈሱ ይዓድለና
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!

 

 

No comments:

Post a Comment