Sunday, May 1, 2016

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ብሰላም ኣብጽሓና!



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ብሰላም ኣብጽሓና!
እግዚአብሔር ንሰብ ዝፈጠሮ ገዛኢ ፍጥረታት ኮይኑ እናኣመስገነ ሞት ዘይብሉ ሕያው ኮይኑ ክነብር እዩ። (ጥበበ ሰሎ. 214) ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ግና ንዝተዋህቦ ጸጋ ዘንጊዑ፡ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣፍሪሱ ኣብ ኃጢኣት ወደቐ። ካብ ክብሪ ናብ ኃሣር ተደርበየ። ብሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ፡ ብርደተ መቃብር ርደተ ሲኦል ተፈሪድዎ 5500 ዘመን ኣብ ሥቓይን ኵነኔን ነበረ።
በዓል ዓቢይ ምሕረትን ብዙኅ ርኅራኄን ዝኾነ እግዚአብሔር ግና ዕዳኡን በደሉን ኣርኂቑ፡ ካብ መከራ ሲኦልን መግዛእቲ ዲያብሎስን ሓራ ንከውፅኦ፡ በቲ ዝሃቦ ተስፋ ድኅነት ብሥጋ ተገሊጹ ፍጹም ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ንኃጥኣን ሥርየት፤ ንርኁባነ ነፍስ ትምህርቲ፡ ንርኁባነ ሥጋ ድማ መግቢ ብሓፈሻ ንዅሉ ዘዘድልዮ እናሃበ ሠላሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርኅን ኣብዚ ምድሪ ምስ ሰባት ተመላለሰ። ንዝኃዘኑ ዘጸናንዕን ንዝደኸሙ ዘበርትዕን፡ ንዝተጸገሙ ዝረድእን ንዝጐደለ ዝምልእን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ሰቢኹ ብሓድሽ ጐደና ሕይወት ስለዘቕንዓና፡ ኣብ ክንዲ ሠናይ ዝገበሮ ብኣይሁድ ተሰቒሉ ንኽመውት ተፈርደ።
በቲ ዝተዋሓዶ ሥጋ ጸዋትወ መከራ ተቐበለ፣ መስቀል ተሰኪሙ ወደቐ። ምስ በደለኛታት ተቘጺሩ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ሸፋቱ ኣብ ቀራንዮ ኣብ መስቀል ተሰቕለ። ነቶም ርኂቕና ዝነበርና ናብኡ ኣቕሪቡ ወገናቱ ንኽገብረና ምእንቲ ቤዛ ብዙኃን ሞተ። ነዚ ኽገልጽ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስሕጂ ግና ኣቱም ቀደም ርኁቃት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም፣ ንሱ ነዞም ክልተ ሓደ ዝገበረ። ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ መንደቕውን ዘፍረሰ ሰላምና እዩ እሞ፣ . . . ንኣኻትኩም ነቶም ርኁቃት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሠረኩም” (ኤፌ. 213-18) ክብል ከሎ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ድማሞተ ዘኢይመውት ሞተ ከመ ይሥዓሮ ለሞት፡ ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን / ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ክስዕር ሞተ፡ ንሙታን ሕያዋን ክገብሮም ሞተይብል። (ቅዳሴ ዮሓ. አፈ. . 58) ሙስና መቓብር ንኸጥፍእ ብኣካለ ሥጋ ናብ መቓብር ወረደ፣ ብኣካለ ነፍስ ኸኣ ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ ነተን ካብ ኣዳም ጀሚረን ክሳዕ ዕለተ ዓርብ ኣብ ሲኦል ሥቓይ ዝቕበላ ዝነበራ ነፍሳት ሥቓየን ኣብቂዑ ሓራ ኣውፅአን። (1 ጴጥ. 1820) ድኅሪ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ካብ ኅቱም መቓብርመግነዝ ፍትሑለይ፡ መቓብር ክፈቱለይከይበለ፤ ብገዛእ ኃይሉን ሥልጣኑን ብዓቢይ ኽብሪ ተንሥአ። (መዝ. 7865 ዮሓ. 1018) ብሞቱ ዲያብሎስ ተሳዕረ፤ ሲኦል ተዘምተት፡ ገነት ተኸፍተት፤ ብሓፈሻ ድኅነተ ዓለም ተፈጸመ። ደቂ ሰባት ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ ተሰጋገሩ፡ ርስቲ ገነት መንግሥተ ሰማያት ኪወርሱ ፍጹም መሰል ተዋህቦም። (1 ጴጥ. 14) ነዚ እዮም መምህራነ ወንጌልእግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ካብቲ ንዓለም ዝፈጠረሉ ጥበቡ፡ ሰብ ኮይኑ ተሰቂሉ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበቡ ይበልጽዝበሉ።
ነዚ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ብቃለ ትንቢት ዝተነግረን ብምሳሌ ዝተገልጸን እዩ። ልዕሊ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ትንሣኤ ክንበ ከሎ፡ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ ’ (መዝ. 7865) ብምባል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ከም ዝትንሥእን ጸላእቱ ኣይሁድ ብቅድስት ትንሣኤኡ ከም ዝኃፍሩን ኣጋንንቲ ከምዝሰዓሩን ገሊጹ ነበረ።ኣብ ካልእ መዝሙሩውንአንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ እለ ዓገቱኒ ወቆሙ ላዕሌየ/ . . . ’ መዝ 35 ይብል። እዚ ማለት ድማ ብሥጋ ሞትኩ ኣብ መቓብርውን ደቀስኩ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸኣ ተንሣእኩ፣ ከመይ እግዚአብሔር ኣተንሢኡኒ እዩ። እግዚአብሔር ክብል ከሎ ናይ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሓድነት ስም ብምኻኑ ንሠለስቲኦም ዝምልከት እዩ።አብ ኣንሥኦ/ እግዚአብሔር አብ ኣተንሥኦይብል (ግብ. 232) እግዚአብሔር ወልድውንወተንሣእኩ በሥልጣነ ባሕቲትየ/ ብገዛእ ሥልጣነይ ተንሣእኩይብል ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ አንሥኦ/ መንፈስ ቅዱስ ኣተንሥኦ’ (ሮሜ 811)ይብል። እዚ ኸኣ ሥላሴ ብእግዚአብሔርነት ማዕረ ምዃኖም ንምርዳእ እምበር ንምፍልላይ ወይ ንምብልላጽ ኣይኮነን።
ነቢየ እግዚአብሔር ዮናስ ኣብ ከርሠ ዓሣ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ገይሩ ምውፃኡ፡ ናይቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከርሠ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ገይሩ ምትንሣኡ ምሳሌ እዩ።
ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰብ ሞይቱ ከምዘይተርፍ ብትንሣኤ ምውታን ብሓድሽ ትንሣኤ ከምዝትንሥእ ዝተረጋገጸሉ ዕለት እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስክርስቶስ ምእንቲ ኃጢኣትና ሞተ። ተቐብረ ከኣ፤ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ ብሣልሰይቲ መዓልቲውን ተንሥአ፣ . . . በዚ ከኣ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ ኮነ፣ ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ ከምኡ ከኣ ትንሣኤ ምውታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ፣ ከምቲ ኵላቶም ብሓደ ኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም፣ . . .” ብምባል ትንሣኤ ጐይታና በዅሪ ትንሣኤና ምዃኑ ይገልጽ። (1 ቆሮ. 153-23)
ኵሉ ሰብኣዊ ፍጡር ሞይቱ ክትንሥእ እዩ፣ እንተኾነ ገሊኡ ትንሣኤ ዘለክብር ክትንሥእ እዩ። እዚ ድማ ብርሃን ለቢስካን ተጐናጺፍካን ንክርስቶስ መሲልካ ምትንሣእ እዩ። ገሊኡ ኸኣ ትንሣኤ ዘለኃሣር ክትንሥእ እዩ። እዚ ድማ ጸልማት ለቢስካን ንዲያብሎስ መሲልካን ኣብ መከራን ሥቓይን ተደርቢኻ ምንባር እዩ። (ዳን. 122) ምስሊ እቲ መሬታዊ ቀዳማይ ኣዳም ከም ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ዳግማይ ኣዳም ክርስቶስ ኽንለብስ ኢና። (1 ቆሮ. 1542-50)
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይቶም ብእኡ ዝኣምኑ ትንሣኤን ሕይወትን ባዕሉ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ኣነ ትንሣኤን ሕይወትን እየ፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ፣ እቲ ብኣይ ዝኣምን ሕያው ዘበለ ኵሉ ንዘለዓለም ኣይኪመውትን እዩ” (ዮሓ. 1125) ይብለና። ስለዚ በኵሪ ትንሣኤና ክርስቶስ እዩ እሞ ንትንሣኤ ክብሪ ንኽንበቅዕ፡ ኣብዚ ምድሪ ብመንፈሳዊ ሕይወት ተንሢእና ብሓድሽ ሕይወት ክንመላለስ ይግብኣና።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ 55 መዓልታት ጽዑቕ ጸሎት፡ ጾምን ስግደትን ምስ ኣኅለፍና፣ 50 መዓልታትወርኀ ትንሣኤዝበሃል ወርኀ ፍሥሓን ሓጐስን ብፍጹም መንፈሳውነት ከነኽብር ሠሪዓትልና ኣላ። እቶም ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስሰላም ንኣኻትኩም ይኹንዝተባህሉ ቅዱሳን ሓዋርያት ንትንሣኤኡ ብትብዓት ከምዝመስከሩ(ዮሐ. 2021-22) ንሕና ድማ፦
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን - በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡
አሰሮ ለሰይጣን - አግዓዞ ለአዳም፡
ሰላም - እም ይእዜሰ፡
ይኩን - ፍሥሐ ወሰላም።’’
/ ክርስቶስ ብኃይልን ሥልጣንን ተንሥአ፤ ንሰይጣን ኣሰሮ፡ ንኣዳም ናፃ ኣውፅኦ፤ ካብ ሕጂ ሰላምን ሓጐስን ይኹንእናበልና ነገረ ትንሣኤኡ ንእውጅን ንምስክርን።
ስለዚ ነዚ ክቡር በዓልና እንታይ ክንበልዕ፡ ክንሰትን ክንክደንን ካብ ዝብል ጭንቀት ናፃ ኴንና፤ ንሓድሕድና ብፍቕርን ለውሃትን ጸኒዕና፣ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን እንረኽበሉ ክኸውን ይግባእ። ካብቶም ነዚ በዓል ኣመኽኒኻ ዝግበሩ ዳንኬራታትን ጭፈራታትን፤ ጓይላ፤ ለይታዊ ትልሂታት. . ካብ ዝኣመሰሉ ንሥጋ መርገም፡ ንነፍሲ ሥቓይ ዘምጽኡ ኃጣውእ ርእስና ክንሕሉ ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ።(1 ጴጥ. 43)
ነቶም ትንሣኤኡ እንኣምን ብርሃኑ ይስደደልና፣ ናይ ሰላም ኣምላኽናሰላም ንኣኻትኩም ይኹንኢሉ ንቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ንዅሉ ዓለምን ሰላሙ ይሃበልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

No comments:

Post a Comment