Sunday, March 6, 2016

ጾም



ጾም ማለት ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢ ምኽልካል፣ ከምኡውን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ እንስሳ ተወጽኦ ከም ስጋ፣ ጸባ፣ ጠስሚ ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምብላዕን ማለት ኢዩ (ዳን.102-3)
ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ጾም ኣብ ክልተ (2) ይኽፈል ንሱ ድማ፦
1. ናይ ግሊ ጾም
2.ናይ ኣዋጅ ጾም ተባሂሎም ይጽውዑ።
1. ናይ ግሊ ጾም፦ ናይ ግሊ ጾም ናይ ንስሓ ጾም ተባሂሉ ዉን ይጽዋዕ ኢዩ ምኽንያቱ ናይ ግሊ ማለት ሓደ ሰብ ካብ ኣበ ነብሱ ድሕሪ ናይ ንስሓ ኑዛዜ ዝወሃቦ ቀኖና ኮይኑ፣ ንሱ ኸኣ ስለ ሓጢኣቱን በደሉን እንዳስተንተነ ዝጾሞ ጾም ስለ ዚኾነ ኢዩ። ናይ ግሊ ጾም ካብ ናይ ኣዋጅ ጾም ዝፍለየሉ ምኽንያት ብጀካ ንስኻን ኣበ ነብስኻን እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ሰብ ክፈልጠካ ኣይግባእን ኢዩ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ ብምባል ኢዩ ገሊጽዎ /ማቴ.616-19/
2. ናይ ኣዋጅ ጾም፦ እዚ ጾም ካብ ናይ ግሊ ጾም ፍልይ ዘብሎ ኩሉ ክርስትያን ኣብቲ ብቅዱሳን ኣቦታት፣ ብወርኃት, ሰሙናት, መዓልታት ተፈላልዩ ዝተወሰነ ክፍለ ግዜ ናይ ሙጻም መንፈሳዊ ግዴታ ስለ ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ኪጾሞም ዘለዎ ሸውዓተ (7)  ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉና ንሳቶም ከኣ፦

  • ዐብይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ)
  • ጾመ ነብያት
  • ጾመ ሐዋርያት
  • ጾመ ፍልሰታ
  • ጾመ ነነዌ
  • ጾመ ድኅነት
  • ጾመ ገሃድ

ናይ ኣዋጅ ጾም ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና እንታይ ዓይነት ተቐባልነት ኣለዎ? ስለምንታይ? መሰረቱ ካበይ ኢዩ? ንዝብል ሕቶታት ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣሕጽር ኣቢልና ክንምልስ/ክንገልጽ ኢና።
ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ዉሱን ግዜ ሰሪዓ ጾም እትእውጅ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ኢያ፣ ነዚ ዘብርሃልና ጥቕስታት ድማ ቀጺልና ንመልከት፦

  •  (መጽሓፈ ኣስቴር 41-17) ኣብዚ ክፋል ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍላይ ኣብ ፍቅዲ 16 ተጻሒፉ እንረኽቦ ቃል  ”ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን ንዘለዉ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ምእንታይ ጹሙ፡ ኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ኮይነ ከምኡ ገይረ ኽጸውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐደ እንተ ኾነ ናብ ንጉሥ ክኣቱ እየ፣ እንተ ሞትኩ እሙት።
  • እዝራ.821 ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ከነትሕት፡ ንዓናን ንሕጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ኣብ ጉዕዞና ምእንቲ ክሕልወና ክንልምን ኢለ፣ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ
  • ኢዩኤል.212-13 እግዚኣብሔርእምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ። ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱይብል ኣሎ።
  •  ትን.ኤርምያስ.369 ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፣ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሠ። ኣብ ታስዓይቲ ወርኂ ናይታ ኃሙሸይቲ ዓመቱ፣ እቶም ሕዝቢ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞገስ ኪረኽቡ ጾም ኪጾሙ ኣወጁ፣
  • ታሪኽ ሰብ ነነዌ /ዮናስ.31-10/
  • ኢዩ.114 ጾም ኣውጁ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ንዚነብሩ ኹላቶምን ናብ ቤት መቕደስ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ኣክብዎም፣ ናብ እግዚኣብሔር ከኣ ተማህለሉ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጥቕስታት ብዝተፈላለዩ ነብያት ኣብ ግዜ ኦሪት ዝተኣወጀ ኣጽዋማት ኢዩ፣ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ዉን ሓዋርያት እንተ ኾኑውን ዝጾሙሉ ፍሉጥ መዓልታት ከም ዝነበሮም ኣብ ትቕጽል ጥቕሲ ክንግንዘብ ንኽእል፦

  • ..279 ከምዚ ኢሉውን ብዙሕ ግዜ ሓለፈ፣ እቲ መዓልቲ ጾም  ምስ ሓለፈ ብመርከብ ምጉዓዝ ዜፍርህ ስለ ዝኾነ፣ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ መኸሮም።

ስለምንታይ መዓልታትን ወርሓትን እንዳጸብጸብኩም ትጾሙ ኣለኹም እንዳበሉ ናይ ኑፋቔ ልሳን ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተክርስትያና ንዝውርውሩ ሰባት እምበኣር መልስና ከምዚ ኣብ ላዕሊ ክንሪኦ ዝጸናሕና መንፈሳዊ ቃል ነብያትን ሓዋርያትን ኣብነት ብምግባር ኣሰር ኣሰር እምነቶም እንዳረኣና, ኣናባብርኦምን፣ ኣማዋውትኦምን ከመይ ከምዝነበረ ብምስትውዓል መርሚርና ክንክተሎም መንፈሳዊ ግዴታን ትምህርቲ ሓዋርያትን ስለ ዝኾነ (ዕብ.137-10) ንሕና ከኣ ነዚ ቃል እዚ መሰረት ብምግባር ኣቦታትና ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተኸቲሎም ዘቖምዎ ደረት እንዳሓለና ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ንጸዉም።
ጥቕሚ ጾም፦

  • እቲ ዝዓበየ ጥቕሚ ናይ ጾም ፍቓድ ስጋ ብፍቓድ ነፍሲ ስዒርና ብመንፈስ ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምንባር ኢዩ። ኣቦና ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣቦታትና ኮይኑ ጾም ኣብ ሂወቱ ከመይ ኔሩ? እንታይ ዓይነት ክብረት ረኺቡሉ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን፣ ከመይ ዓይነት ጾም ይጸዉም ኔሩ ከኣ ኣብዘን ዝቕጽላ ጥቕሲ ንመልከት (መዝ.3513, መዝ.6910, መዝ.10924) ቅዱሳን ኣቦታትና ከም በዓል ልቢ ኣምላኽ ዳዊት፣ ከም በዓል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝመሃሩና ብድኻም ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዝግለጽ ኢዩ ስለዚ ንሕና ከኣ ብጾምን ጸሎትን ንስጋና ብምድካም ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዘይውዳእ ጸጋ ንቕበል /2 ቆሮ.1210/

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣርኣያ ኪኾነና 40 መዓልትን 40 ለይትን ኣብ ዝጾመሉ ግዜ ምስ ጠመየ ዲያብሎስ ከም ዝፈተኖ ዝሰዓሮ፣ ጾም ክሳብ ክንደይ ኢዩ! ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ድያብሎስ ናይ ዓወት ሓይሊ ከም ዚህበና ኢዩ ዝምህረና (ማቴ.41-12)

  • ኣብ ግዜ ጾም ብግቡእ ንጸዉም እንተደኣ ኮይና እግዚኣብሔር ምሳና ይህሉ፣ እግዚኣብሔር ምሳና እንተኾይኑ ድማ ክቃወመና ዝኽእል ሓይሊ የለን (ሮሜ.831)
  • ካብ ዝተፈላለየ ሕማማት ይፍውስ /ማቴ.1721/
  • ፍልጠት፣ ምስትውዓል፣ ኣእምሮ፣ ጥዕና ይህብ  /ዳን.18-21/

ምስ ጾም ጎኒ ጎኒ ክስነዩ ዘለዎም ነጥብታት፦

  • ጾም ካብ መግቢ ተፈሊኻ ምውዓል ጥራሕ ዘይኮነ ብጸሎትን፣ ምጽዋትን ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ዝተሰነየ ክኸዉን ኣለዎ /ማቴ.1721/ ማቴ.6/
  • ኣብ ግዜ ጾም ልሳና ካብ ክፉእ ምዝራብ፣ ኣእጋርና ናብ ናይ ሓጢኣት ቦታ ካብ ምኻድ ምኽልካል …….. ኮታስ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ክንእለ ይግብኣና።
  • ኣብ ግዜ ጾምና ናብ ቤት መቕደስ ምኻድን፣ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ምንባብን፣ ምምሃርን፣ ምስትምሃርን መንፈሳዊ ግዴታና ኢዩ /ነህ.914/, /ኤር.369-10/
  • ጾም ብነብስን ብስጋን ክንጥቀመሉ እንተዄና ምስ ሓድሽ ሰብነት ማለት ብንስሓ ክንሕጸብ ኣለና፣ ነዚ ኪገልጽ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ.915-18/ ነህ.92/ ንቅዱስ መንፈስ ኣብ ቅዱስ ሰብነት ክንዓቕሮ ይእዝዘና ኢዩ፣ ስለዚ ጾም ኣብ ዚኣትወሉ ግዜ ብንስሓ ሰብነትና ኣንጺህና ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ርሒቕና፣ ኩሉ ነገር እግዚኣብሔር ንዓና ዝገበሮ እንዳዘከርናን፣ እንዳስተንተናን ቅዱስ እዋን ከነሕልፍ ይግባእ።
  • ክንጸዉም ከለና ብሙግሩምራም ዘይኮነ ብደስታ እንዳተሓጎስና ክንጸዉም፣ ነብስና ንጾም ድልውቲ ጌርና ከነቕርባ ይግባእ /ዘካ.818/

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸሎትን፣ ልማኖን፣ ምህልላን ቅዱሳን ኣቦታትና ዝተቐበለ ጾምና ባሪኹን፣ ቀዲሱን ብሰላም የፈጽመና።

No comments:

Post a Comment