Thursday, September 3, 2015

ሓጺር ታሪኽ ገዳም-ደብረሲና

ገዳም ደብረ ሲና ኣብ ሰሜን ኤርትራ ኣውራጃ ሰንሒት ንኡስ ኣውራጃ ዒላበርዕድ ወረዳ መንሳዕ ዝርከብ ጥንታዊ ታሪኻውን ገዳም ኢዩ።
እዚ ገዳም ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝጽዋዕ(ዝስመ) ክኸውን ከሎ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ የብዕል፦
1 ግንቦት 21 2 ሰነ 21 ኢዩ፥ ብሕልፊ በዓል ማርያም ሰነ ብዓብይ ድምቕት ኢዩ ዝብዕል።ኣብዚ ክልተ ዓበይቲ በዓላት ብዙሓት ኣመንቲ ውላድ ዝሰኣናን ብናብራ ዓለም ዝተሸገሩን በብይነት ሕማም ዝሳቀዩን ናይ ሕልና ጸሎትን መብጻዓን ይገብሩ ድልየቶም ድማ ስለ ዝፍጸመሎም ኣመንቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይበዝሑን ይውስኹን።
ገዳም ደብረሲና ካብ ጥንቲ ካብ ዘመን ብሉይኪዳን ጀሚሩ ኣምልኮ ሥነ ሥርዓት ዝፍጸመሉ ከምዝነበረ ዛንታ ይሕብር። በዚ መሠረት ተታሒዙ ዝመጸ ሃይማኖታዊ ልምድን ሥነ ሥርዓትን ስለ ዝጸንሐ 332. ግዕዝ ኣባ ሰላማ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ናብ ሃገርና ብፍላይ ናብ ደበረሲና ኣትዮም ንብዙሕ ኣዋርሕ ትምህርቲ ክርስትና ብምሃብ ንዘይኣምኑ እናእመኑን እናጥመቑን እናቁረቡን ጸንሑ።
ከምኡውን ኣዜናን ዛዜናን ክልተ ኣሕዋት ነገሥተ ኣኹሱም ናብ ዝተጠቅሰ ገዳም ደብረሲና ተጓዒዞም ከምዝተጠምቑን ከምዝቁረቡን ኣብርሃ ወኣጽብሐ ተባሂሎም ድማ ከምዝተስምዩን ገድለ ኣብርሃ ወኣጽብሐ ይነግር።
ከምኡውን ሓደ ሓደ ኣዋልድ መጻሕፍቲ ከምዝትርኽዎ ብዘመነ ሄሮድስ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስደት ናብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ዝወረድትሉ ግዜ ብመልኣክ ተሓቢራ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ክሳዕ ገዳም ደብረ ሲና በጺሓ ኣስታት 4 ኣዋርሕ ከምዝተቀመጠት ንንጉስ ባዜንውን እዚ ነገር ብሕልሚ ስለዝተገለጸሉ ሰራዊት ኣኸቲሎ መጺኡ ኣብ ቦታ ከምዝተባረኸን ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ እዚ ቦታዚዝተባረኸን ዓቢይን ስለዝኹነ ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ብስመይ ታቦት ተቐሪጹዎ ክኣትዎ ኢዮ ኢላ ንንጉሥ ባዜን ከምዝነገረቶ ታሪኽ ይሕብር።
ብድሕሪ ብዙሓት ኣቦታት መናንያን ብፍቅሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምክንያት ብብሕትውናን ብሱባኤን ኣብኡ ንምንባር መረጹ።
ደብረሲና ተባሂሉ ዝተሰመየሉ ምኽንያት
ተሰዐቱ ቅዱሳን ኣቦታት ኣባ ኣረጋዊ፡ ኣባ ጰንጠሊዎን፡ ኣባገሪማ፡ኣባ ጉባ፡ ኣባ ጽሕማ፡ ኣባ ይምእታ፡ኣባ ሊቃኖስ ፡ኣባ ካሌፍ፡ ኣባ ኣፍጼ፣ 469. ብዘመን ኣልኣሚድ ወዲ ሰል ዓጅለ ካበ ሃገሮም ናብ ሃገርና መጺኦም ኣን መንጽር ደብረሲና ብወገን ሰሜን ፍሉይ ስሙ ኣግዒሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽውዕ ኮይኖም ክጽልዮ ከለው ከም ሙሴ ኣብ ደብረሰና ዝረኣዮ ኣብ ናይ ሕጂ ደብረሲና ዝተተኽለ ዓምዲ ብርሃን ረኣዮ። ብድሕሪ ናብ ዝረኣይዎ ዓምዲ ብርሃን እንተኸዱ ይስወሮም፣ ከምዚ እናበሎ 3-ግዜ ተደናገሮም ኣብ 3 ጊዜ መወዳእታ እቲ ዓምዲ ብርሃን ኣብዛ ሕጂ ዘላ በዓቲ ቤተክርስትያን ተተኺሉ ጸንሖም። ማለት መንፈሳዊ ምስጢር ብዘይፈተና ስለዘይግለጽ ድሕሪ ብዙሕ ድኻም ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ተገለጸትሎም። በዚ ምኽንያት ድማ ሙሴ ምስ ኣምላኽ ኣብ ደብረ ሲና ቃል ቃል ንዝተዘራረበሉ ብምምስሳል ገዳም ሰሓት ትብሃል ዝነበረት ደብረሲና ኢሎም ሰመይዋ። ኣብ እግዒሮ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ክመላለሱ ከለው ከይጠፍኦም ሓሓልፎም ንዓመት ንዝኣኽል ጨርሒ እምኒ ሽዑ ዝጨርሕዎ መዘከርታ ዝኣክል ክሳዕ ሎሚ ህልዊ ኩይኑ ይነብር ኣሎ።
ገዳም ደብረሲና ዝተመሥረተሉ ጊዜ
ኣባ ዮሓኒ 474, ብዘመን ንጉስ ገብረመስቀል ወይ ካሌብ ምስ ብዙሕ ታቦታትን ምስ ብዙሓት መነኩሳትን ካብ ምድሪ ግብጺ ናብ ሃገርና ምስመጹ 478. ነቲ ስም ማርያም ዝመጸ ጽላት ጳጳስ ኣባ ናሆም ባዕሎም ናብዛ ሕጂ ዘላ ቤተክርስትያን ኣእትውዋ
እዚ ዝተባህለ ገዳም ክስዕ ጥንታውነቱ ዓቂቡ ብማኅበርን ብመቅነንን ዝነብሩ መነንቲ መነኩሳት ሓቂፉ ትምህርቲ ሃይማኖት እናሃበ ኣረጋውያንእናጠወረ ሕጻናት እናዕበየ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከወፊ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ዓመት 2 ጊዜ 21 ግንቦት 21ሰኔን ክብዓል ዝተገብረሉ ምክንያት!
ኣባ የሐኒ ኣብ ሕጂ ዘላ ቤተክርስትያን ኣብ ውሽጢ ቤተ መቅድስ 27 ግንቦት ቆይሙ ክጽሊ ከሎ ቅድስት ድንግልማርያም ጻድቃን ሰማዕታት መላእክትን ኣኸቲላ ካብ ጸሓይ እትበርህ ኰይና ብራእይ ስለዝተገለጸትሉ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቅ 21 ግንቦት በዓል ማርያም ክብዕል ተገይሩ።
20 ሰነ ድማ ጐይታናን መደሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ 12 ሓዋርያት ቅዱስ ኣልጢፋኖስቅዱስ ቅሩባን ክሰርዕ ስለዝረኣየ 20.21 ሰነ ሕንጸተ ቢታ ቅዳሴ ቤታ ከምዝብዕል ተገይሩ።
ብዛዕባ ሕንጸት ገዳምደብረ ሲና
ቤተክርስትያን ገዳምደብረሲና መቅደሱን ቅዱሳቱን ብኢድ ሰብ ዘይተሐንጸ መሰረት ዘይብሎ ከም ደብተር ሙሴ ብፍቃድ ኣምላክ ዝተገብረ ዓቢይ ደንጐላ እምኒ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ዝጥቀሙሉ ዘለው ኢዮ። ንኣገልግሎት ማኅሌት ቅኔ ማኅሌት ጥራይ ብወገን ምዕራብ ምስቲ በዓቲ ለጊቡ 1951 , ዝተሓነጸ ዘመናዊ ሕንጻ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!
ወለወላዲቱ ድንግል!
ወለመሰቀሉ ክብር!

No comments:

Post a Comment