Tuesday, December 2, 2014

1 ቈረንቶስ 13:1-13


1. ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይ ጨርባሕ ከም ዚብል ጸናጽል ሸሓኒ ምዀንኩ።
ፍቕሪ እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም
2. ውህበት ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ቕዱስ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ ምዀንኩ።  
3. ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት ከብልዕ ኢለ እንተ ዝዕድል፡ ምእንቲ ኽምካሕ እውን ሰብነተይ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ሓንቲ እኳ ኣይምተጠቐምኩን። 
4. ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡  
5. ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን።
6. ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን።  
7. ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር። 
8. ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ። ግናኸ፡ ውህበት ትንቢት እንተሎ፡ ንሱ ኺሰዓር፣ ቋንቋታት እንተሎ፡ ንሱ ኺውዳእ፣ ፍልጠት እንተሎ እውን፡ ንሱ ኺሰዓር እዩ።  
9. ከመይሲ፡ ብኸፊል ንፈልጥን ብኸፊል ንንበን ኣለና፣  
10. እቲ ምልኣት ምስ መጸ ግና፡ እቲ ኸፊል ኪሰዓር እዩ።  
11. ቈልዓ ኸለኹ፡ ከም ቈልዓ እዛረብ፡ ከም ቈልዓ እሓስብ፡ ከም ቈልዓ እመራመር ነበርኩ፣ ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ ነቲ ነገር ቈልዓ ሓደግክዎ።  
12. ሕጅስ ብመስትያት ብረት ዘይንጹር ምስሊ ንርኢ ኣለና፣ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና። ሕጂ ብኸፊል እፈልጥ ኣለኹ፣ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ ብልክዕ እተፈለጥኩ፡ ብልክዕ ክፈልጥ እየ።  
13. ሕጂ ግና፡ እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚአን ይነብራ፣ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።

No comments:

Post a Comment