በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ማዕተብ “ዐተበ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ፡ ካብ
ሸበድበድ ሃድአ፡ ዝብል ትርጉም ዝሐዘ እዩ። ማዕተብ ከኣ ምልክት እምነት ወይ ዕላመት ማለት እዩ። ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ
ጳውሎስ “ኣነስ ዕላመት ኢየሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣለኹ” በለ፡ (ገላ6፡17) መከራ ክርስቶስ ንኽቕበል
ድልው ስለ ዝነበረ እዩ።
ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት እምነት እዩ። ማዕተብ
ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቂ እስራኤል ኣብ ክሳዶም ይኣስሩ ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይግለጽ። ታሪኽ ይሁዳን ታማርን
ምስ እንርኢ፡ ድልየቱ ንምፍጻም ትሕጃ ክህባ ኣብ ዝለመነትሉ፡ ምስ ሰኣነ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እታ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን
ሃበኒ በለቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብማዕተቡን በትሩን ተረትዐ። (ዘፍ 38፡12-23) ታማር ንማዕተብ ከም ትሕጃ
ምቕባላ፡ ኣብዚ ክብሪ ማዕተብ ንግንዘብ።
ማዕተብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምጀመርያ ግዜ ዘእተወ ኣቦ ኣቡነ ያዕቆብ
ዘኣልበረድእ እዩ። ብዘመነ ሰማእታት ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ እዋን፡ ከተማ ኣንጾኪያ፡ እታ ዝሓሸት
ሰላም ዝለመልአ ከተማ ነበረት እሞ፡ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝን ዝመጹ ክርስቲያን ኣብኡ ይእከቡ፡ ዝጥመቑ ሕጻናት ድማ ኣዚዮም
ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ እዋን ነቶም ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ምትሕውዋስ ንኸይከውን፡ ነቶም ዝተጠምቑ ጻዕዳ ፈትሊ ኣብ
ክሳዶም ኣሰረሎም፡ በዚ ኸኣ መላለዪ ምልክት ኮነ። ካብ’ዚ እዋን ጀሚሩ ከኣ ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ህዝበ
ክርስቲያን ካብ ኣህዛብ ፈልዩ መላለዪን፡ ከምኡ’ውን ብትምቀት ዉሉድነት ስላሴ ዝረኽቡ ምዃኖም ዝምስክር ምልክት ምዃኑ ስለ
ዝተገንዘቡ ንኹሉ ውሉድ ጥመቀት ክኣስረሉ ጀመሩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ “ማዕተብ” ምእሳር ምስ ምእታው ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ
ብርሃን ዝኣተወ እዩ።
ትርጉም ማዕተብ
ካብ ኣህዛብ ፈልዩ፡ ደቂ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃና ይምስክር። ክርስቲያን
ምኻንካ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብማዕተብካ የለልየካ። ብዙሓት ናይ ዘመና እምነት ኣሎና በሃልቲ፡ እምነት ኣብ ልብኻ እምበር ኣብ
ክሳድካ ማዕተብ ስለዝገብርካ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ግና’ኸ እምነት ዘለዋ ልብስ ንማዕተብ ኣይትጸልእን እያ።
እምነት እንተ ዝህልዋ ኔሩስ፡ ዕላመት ክርስቶስ ክትጸውር ኣይምጸልአትን ነይራ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ቤተ መቕደስ ህያው
ኣምላኽ ኢኹም”፡ ድሕሪ ምባል “ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” በለ (1 ቆሮ 6፡20)
ስጋና ናይ ክርስቶስ ምልክት ዝኾነ ማዕተብ መስቀል ክትጸውር ኣይግባእን ማለት፡ መሰረት ምልኣት እምነት ኣይኮነን። እምነት
ምልኣት ክህልዋ፡ ብውሽጢን ብደገን ምስ ትትግበር እያ። ሓደ ሰብ ብውሽጡ እምነት ኣሎኒ እንተበለ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብማዕተብ
ክርስቲናኡ ክገልጽ ሓፋርን ፈራህን እንተኾነ፡ ከምቲ ጎይታ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እዩ፡ ዝኽሕድ ዘሎ። (ማቴ 10፡32)
ስለዚ ብማዕተብ ስቅለት ጎይታና ኣብ ስጋና እዩ ዝገልጽ። (ገላ 6፡17)
ማዕተብ ንዶግማ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ሓደ ፈትሊ በይኑ ወይ 3ተ ብሓደ ዝፍተል ማለት (ብሰለስተ
ሕብሪ) ዝቀውም እዩ። እዚ ጻዕዳ ምስ ዝኸውን፡ ብደም ክርስቶስ ከም ዝነጻህና የመልክት። ክምኡ’ውን ኣዕጽምቱ
ክሳዕ ዝርአ ስለና ክብል ከም ዝተገርፈ የመልክት። ቀይሕ ብደሙ ከም ዝደሓና ከመልክት ከሎ፡ ጸሊም
ድማ ስጋ ለቢሱ ኣብዛ ዓለም ከም ዝተገልጸን፡ ስለና ክብል ስጋኡ ክሳዕ ዝርግፉ ከም ዝተሳቀየን፡
ይገልጽ። 3ተ ፈትሊ ኣብ ሓደ ጠምጢምና ኣብ ክሳድና ምእሳርና፡ ናይ ሓድነትን ሰለስትነትን ስላሴ የመልክት። በዚ
ኸኣ በቲ ሓደን ልዑል ብዝኾነን ብጎይታናን መድሓኒናን፡ ብምፍሳስ ደሙን ብምቁራስ ስጋኡን ድሕነት ከም ዝረኸብና ንኣምን።
ንእምነትና ኸኣ፡ ኣርማ ክርስቲያን ብዝኾነ፡ ብማዕተብን መስቀልን ንገልጾ። “ወዘልፊ፡ ንጸውር ሞቶ ለክርስቶስ በስጋነ፡
ከመ ይትዓወቅ ሕይወቱ ለክርስቶስ በላዕለ ዝንቱ ነፍሳትነ፡ መዋቲ።” ትርጉም “ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ
ኽትግገድ’ውን፡ ኩሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና” (1 ቆሮ 4፡10) ከምቲ ቃልና ምስክር ክርስቶስ ክኸውን
ዝግብኦ፡ ኩሉ ኣካላትና ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ዝተፈጥረ፡ ክሳድና’ውን ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ክምስክር ይግባእ እዩ።
ማዕተብ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና ንኣስሮ።
ክርሰቲያን ብቓሉ ብግበሩ፡ በካይድኡ፡ ንኽብሪ ክርስቶስን ምስክሩን ክኸውን ከም
ዘለዎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ “ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹም’ውን
ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዘበለ ኹሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣለኹ።” (ፊል 1፡9-11) ቅዱሳን ኣበው፡
እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ስርዓት ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመርሖም ገሊጾምልና እዮም። ማዕተብ ከኣ ሓደ ካብ ናይ እምነት
ምስክርን ምልክትን ምዃኑ ፈልጥና ንመጋየጺ ዘይኮነ፡ ንሓቀኛ ውሽጣዊ እምነትና ዝገልጽ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ክንኣስሮ ይግባእ።
በታ ቅዱሳን ዘርኣዩና መገዲ ድማ ንመላለስ። “ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብኹሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ
ደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ኾነኒ። (ይህ 3)።
ምንጪ፡ መሰረት እምነት ብመም. ዘርአ ገብረእግዚኣብሔር
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!
No comments:
Post a Comment