በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ቁጽሪ 8 ሆሳእና መጋቢት ፴/8 (2004/2012) ዓ.ም
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!
ትሕዝቶ፡ ሆሳእና ሰናይ ንባብ
"ነብዩ ግና ብዘይ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ወጻኢኣይመውትን እዮሞ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕንንኢዮርሣሌም ክድይብ ይግበኣኒ እዩ። ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ።"
።ሉቃ.13፣-31-35።
።ሉቃ.13፣-31-35።
ሆሳእና፡
ሻሙናይ ሰንበት ሆሳእና ይበሃል። እዚ ስም ዝረኸበሉ ምኽንያት ኣብ ዕለት ሰንበትን ዋዜማኡን ዝዝመር ጾመ ዱጓ <<ሆሳእና በአርያም>> ናይ ሆሣእና ቃል ብተደጋጋሚ እንዳተጠቕሰ ስለዝዝመር እዩ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነን እንዳተዘመረሉን ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ጻዕብ ኣድጊን ተወጢሒ ካብ ከባቢ ደብረዘይቲ ናብ ኢዮርሳሌም ከተማ ብኽብሪ ዝኣተወሉ ኩነታት እንዳተረኸ ስለዝዝመር ብምዃኑን፡ ከምኡ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብጐይትነቱ ክብሪ ብውዳሴን ቅዳሴን ሆሳእና ኣብ ኣርያም እንዳተባህለሉ ብኣፈ ዓበይቲን ህጻናትን ዋላውን ኣእማን ከይተረፉ ልሳን ኣውጺኦም እንዳመስገንዎ ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ገልገላ ኣድግን ተወጢሑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታው ስለዝገልጽ እዩ። ማቴ 21፡1-17። ማር. 1-10። ሉቃ. 19፡29-38። ዮሓ. 12፡12-15። ዘካ. 9፡13። 2ይነገ. 9፡13። መዝ. 117(118)፡25-26። ኢሳ.56፡7። ኤር. 7፡12። መዝ.8፡2። እዚኣቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ብዛዕባ ሆሳእና ዝተነግረ ትንቢትን ተፈጻምነቱን ይነግሩና።
ሆሳእና ኣብ ኣርያም
ሆሳእና
ዮሓ.12፣15 ,<< ከምቲ ኣንቲ ጓል ጽዮን ኣይትፍርሂ እንሆ ንጉሥኪ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑይመጽእ ኣሎ>> ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ኣምላኽናን ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጻዕብ ኣድጊተወጢሑ መጸ። ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምምጽኡ 1400 ዓመታት ኣቀዲሙእግዚአብሔር ብእምነት ኣብርሃም ናይ ቃልኪዳን ሕዝቡ ዝገብሮም እስራኤላውያን ካብቲ ጽኑዕ ባርነትኣውጺኡ መዓልቲ ብደመና ለይቲ ብዓምደ ብርሃን እንዳመርሐ ኣብታ ናይ መራኸቢት ድንኳን ሓዲሩ እሱንጉሦም ኮይኑ ንሶም ድማ ህዝቡ ኮይኖም ኣብቲ ምድረበዳ እንዳመርሐ ናብ ናይ ተስፋ ምድሪ (ምድረርስቲ) ከንኣን ኣእቲዎም። እስራኤላውያን ግና ምድራዊ ንጉሥ ብምድላይ ንንጉሦም እግዚአብሔር ብምግዳፍንእግዚአብሔር በደሉ። ኣብ ምድሪ ብዘላ ናይ መንግሥቱ መርኣያን ኣብነትን ንክኾኑ ዝመረጾም ህዝቢምድራዊ ንጉሥ ደልዮም። እቲ ምልኩዕ ዝኾነ ሳኦል'ውን እስራኤል ዝመረጽዎ ምድራዊ ንጉሥ ግዳማዊክብሪ ዘለዉ ንጉሥ ምዃኑ ጥራሕ ኮይኑ ተረፈ። እግዚአብሔር ግና ካብዛ ዓለም ዘይኮነት ብሰብ ዝሰርሖመመልክዒ ዘይመልክዐት፣ ናይ ትሕትናን ፍቕርን ምስጋናን ዝኾነት መንግሥቲ ከርእዮም ምእንቲ ካብ ኣሕዋቱዝነኣሰ በዓል በገና ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ወዲ እሰይ መሪጹ። ናይ ዳዊት መንግሥቲ ዋላ እንተሓለፈት <<እግዚአብሔር ንዳዊት ካብ ፍረ ከርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ።>>መዝ.132፣11። ዝበሎቃልኪዳን ግን ኣይሓለፈን ። ስለዚ ብኣምኽነቱ ናይ ዘልዓለም ናይ ነገሥታት ንጉሥ ዝኾነ ወልደእግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ሰብ ምስ ኮነ ተስፋ ኣበው ተስፋ ዳዊት ተፈጺሙ።ብመለኮታዊ ሥልጣኑ ኣብ ናይ እግዚአብሔር እሪና ዘሎ ወልደ እግዚአብሔር ወዲ ዳዊት ኮይኑ ትንቢትተፈጺሙ። ስለዚ እዩ ከኣ መልኣኩ ቅዱስ ገብርኤል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከበሥራ ከሎ <<ካባኺ ዝውለድ ወዲ ልዑል እግዚአብሔር ክበሃል እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋንኣቡኡ ዳዊት ዙፋን ክህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘለዓለም ክነግሥ እዩ። መንግሥቱ ከኣመወዳእታ የብሉን።>> ብምባል ናይ ትንቢት ፍጻሜ ኣበሲሩ። ሉቃ.1፣26-38።
ንጉሥነ ክርስቶስ
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክውለድ ከሎ ሰብአ ሰገል << እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይኣሎ።>> ማቴ.2፣2። ብምባል ንጉሥነቱ ገሊጾም እዮም። ኮይኑ ግና ብምድራዊ ክብሪ ዘጊጸ ዘይኮነ ኣብናይ መብሎዒ ማል ዝደቀሰ፣ ብጓሶትን ግዑዛን እንስሳ ዘቤት ዝተኸበበ ትሑት ንጉሥ እዩ። መንግሥቱምድራዊት ዘይኮነት ዘልዓለማዊት ካብ ሰማያት ስለዝኾነት መላእኽቲ ብዝማሬ ኣመስገንዎ። ጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘልዓለማዊ ንጉሥ፣ንጉሠ ነገሥት እዩ። እዚኣ መንግሥቱ ምድራዊ ክብሪ ዘይኮነትብትሕትናን ፍቅርን ዝማዕረገት ሰማያዊት ስለዝኾነት ብሓሳቦም ምድራውያን ዝኾኑ ሰባት ክፈልጥዋኣይከኣሉን። ስለዚ እታ ናይ ቆጸራ መዓልቲ ምሰ በጽሐት ሰማያዊትን መንፈሳዊትን መንግሥቱ ኣብልዕሊ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ገሊጽዋ። << ሆሳእና ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ንጉሥ እስራኤል ብሩኽእዩ።>> ዮሓ.12፣13። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ ናይመጨረሻ ድራር ድሕሪ ምብልዑ ንሓዋርያት ሊኢኹ ጻዕብ ኣድጊ ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊኣ ተቀሚጡ ናብኢዮርሳሌም ኣተወ። ኣብቲ እዋን'ውን እዞም ዝስዕቡ ተገሊጾም፣-
1. መንግሥቱ ናይ ትሕትናን ናይ ፍቓድን ምዃና
ኣድጊ ካብ ኩሉ እንስሳ ዘይተፍርሕ እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ከም ናይ ነገሥታትሥርዓት ብዝኸበረ ሠረገላን ፈረስን ዘይኮነ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታዉ መንግሥቱናይ ትሕትና ምዃኑ ኩሉ ሰብ ተገዲዱን ፈሪሑን ዘይኮነ ብፍቓዱ ዝኣትዎ ምዃኑ ንኸረድእን ንኸርእይንእዩ። ኣብ ልዕሊ ኣድጊ ተወጢሕካ ንሰብ ጎይኻ ንምሓዝ እንኳን ኣይከኣልን እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ወዝቢዝመጸ ዘይኮነ ነብያት ብትንቢት ዝተዛረብሉን ኣብ ጉዕዞ ነገረ ድኅነት ብእግዚአብሔር ዝተሓስበ እዩ።ነብዩ ዘካርያስ <<ኣንቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጎሲ ኣንቲ ጓል ኢዮርሣሌም እልል በሊ። እንሆ ንጉሥኪ ንሱጻድቅ መድኃንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።>> ዘካ.9፣9።ብምባል ገሊጽዎ እዩ።
2. ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸሉ ዕላማ ንድኅነት እምበርንኽብሪ ዘይምዃኑ
እስራኤላውያን በዓለ ፋሲካ ቅድሚ ምኽባሮም ኣቀዲሞም ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብዚ ዕለት ንበዓልፋሲካ ዝኸውን ገንሸል ሒዞም ናብ ኢዮርሳሌም ይኣትዉ ኔሮም። ዘጻ.12፣1-36። ጐይታና መድኃኒናኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዕለት ናብ ኢዮርሳሌም ምምጽኡ ናይ መንግሥቱ ምሥጢር ብመስቀልን ብፍቕሪመሥዋእትነት፣ ዝገልጽ ናይ እግዚአብሔር በጊዕ ምዃኑ ንኸረድእ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰናይ ዘካርያስ ትንቢት <<እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቅ መድኃንን ትሑትን እዩ፣>>ዝብል ። ጐይታና መድኃኒናኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ ኮይኑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታዉ ንኽምስገን ሓሲቡ ዘይኮነ ክቕበልዎ ምእንቲንዓለም ከድኅን ዝመጸ ንጉሥ እሱ ምዃኑ ኣብ ኣደባባይ ንኽእውጅ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ምስጋና ካብ ኣፈህጻናት ዝተቀበለ፣ ህጻናት ንኹሉ ስለዝቅበሉ። ነዚ እዩ ከኣ << ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኮይኑዘይተቀበላ ከቶ ከም ዘይኣትዋ ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ። >>ዝበለ።ሉቃ.18፣17። ናይ ድኅነት ተስፋዝተነግረሎም እስራኤል ኣብ ዘይተቀበልዎ እዋን፣ ዝመጻላ ዕላማ እዚ ስለዝነበረ ብዛዕብኦም ከኣ ከምዚ ኢሉበኸየ። << ምስ ቀረበን ነታ ከተማ ምስ ረኣያን ከምዚ ኢሉ በኸየላ። ኣየ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ ሕጂ ግና ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።>>ሉቃ.19፣41። ዝመጻሉ ዕላማ ንዓለምሰላም ዝህብ ምስ ( ንእግዚአብሔርን ሰብን ዘተዓርቅ)፣ መድኅን ንጉሠ ሰላም፣ በጊዕ ፋሲካና ምዃኑንኽእውጅ እዩ ኔሩ ኣብ ዘይተቀበልዎ እዋን ግና በኸየሎም። << ሆሳእና ማለት ሕጂ ኣድኅን >>
ማለት እዩ። መድኅን ምዃኑ ክቅበልዎ ይግባእ ኔሩ ግና ኣይተቀበልዎን። ንጉሥን መድኃኒን ምዃኑ ምግላጹ፣መንግሥቱ ናይ ፍቕሪ ምዃና ዙፋኑውን መስቀል ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። እቲ በጊዕ << ናይ ነገሥታትንጉሥ ናይ ጐይቶት ጐይታ ስለዝኾነ >> ራእ.19፣13-16።
ናይ ሆሳእና ኣከባብራ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና
ቅድስቲ ቤተክርስቲያና በዓለ ሆሳእና ብዓቢ ድምቀትን ክብርን እያ ተኽብሮ። ኣከባብራና ከኣ ከም ኣይሁድ፣ሰንበት ሆሳእና ብእግዚአብሔር ስም ዝመጸት ናይ ኣቦና ዳዊት መንግሥቲ ዝተባረኸት እያ። ሆሳእና ኣብኣርያም ድሕሪ ምባሎም ኣብ ዕለት ዓርቢ << ስቀልዎ ይሰቀል >> ብምባል ዘይኮነ ስጋብ መጨረሻ ምስጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዃን እዩ። እዚ ከኣ ብተግባር ዝርኣዩ መንፈሳዊ ሥርዓትቤተክርስቲያና ምስክር ኮይኖም ዝግለጹ እዮም ። እሶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣-
ዑደት
ብናይ ቤተክርስቲያና ሥርዓት መሠረት ንግሆ ዕለተ ሆሳእና ቅዳሴ ቅድሚ ምእታዉ ዑደት ይግበር። እቲዑደት’ውን ካብ ቤተመቅደስ ተጀሚሩ፣ ብኣርባዕተ ኆኃተ (ማዕጾ) ቤተክርስቲያን ምስባክ እንዳተሰበከወንጌል እንዳተነበበ ድሕሪ ምዛር ኣብ መጨረሻ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ቤተ መቅደሱ ምስ ተመልሱይውዳእ። እቲ ዑደት ዲያቆናት መስቀልን ስእለ ማርያም ሒዞም ፣ ካህን ማእጠንት እንዳዓጠነ ይመርሕዎ።
እዚ ዑደት ናይ ቤተክርስቲያን ዘልዓለማዊ ጉዕዞኣ እዩ። ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ካብ እግዚአብሔርይጅምር። ክርስትና ናይ እግዚአብሔር ጅማሪ እምበር ናይ ሰብ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዚ ዑደት ካብመሰውኢ ይጅምር፣ መሰውኢ ሰማያዊ ስለዝኾነ። ናይዚ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ መራሒ ንህዝቡ ናብእግዚአብሔር መሪሑ ዘብጽሐ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ካህን ዕጣን እንዳዓጠነ ይመርሕ።እዚ ጉዕዞ መከራ ዘለዎ እቲ መገዱ ዋላ ጸቢብ እንተኾነ ብደስታ (ብሓጎስ) ዝተመልአ እዩ። ሰለዚዲያቆን መስቀል ክሕዝ ህዝቢ ድማ ይዝምሩ። ደስታን መስቀልን ብሓንሳብ ንምግላጽ እዩ። ናይዚ ጉዕዞፍጹም ኣብነት ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እያ። ክልቲኡ ስለ ተርእይ። ብሓደ ወገን <<ኃዘን ብልባ ዝሓለፈ >> ስለዝኾነ ብኻልእ ወገን ድማ << ተአብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ወትተሐሰይመንፈስየ >> ኢላ ዘሚራ እያ። ዑደት ብወገን ምዕራብ ኆኃተ (ማዕጾ) (በቲ ቀንዲ ማዕጾ) ምጅማሩንኣብ ነፍሲ ወከፍ ኆኃተ (ማዕጾ) ደው ምባሎምን ናይ ዘልዓለም ኆኃተ (ማዕጾ) ምኽፋቶምንሰማያውያን ናይ ጉዕዞና ( ናይ ማኅበርና ) ተኻፈልቲ ምዃኖም ንምሕባር እዩ።
ኣብ መጨረሻ ዑደት ካህናት ናብ ቤተመቅደስ ምስ ኣተዉ ይፍጸም። ናይ ክርስትና ጉዕዞና ምስእግዚአብሔር ሓቢርና ንዘልዓለም ብምንባር ምፍጻሙ የርእየና። በዚ ጉዕዝኣ ቤተክርክስቲያን ስጋብ መጨረሻምስ ክርስቶስ ዝጸንዕ ዘልዓለማዊ ጉዕዝኣ ትነግር።
ቅዳሴ
ድሕሪ ዑደት ቅዳሴ ይቅጽል። ኣብ ቅዳሴ’ውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡንክቡር ደሙን ንቅበል በዚ ከኣ ምስ ክርስቶስ ዘለና ዘየቋርጽ ሓድነትና ንገልጽ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስክርስቶስ ናብ ኢዮርሳሌም ክኣቱ ከሎ << ናብ ኢዮርሳሌም ንድይብ ኣለና፣ እቲ ብዛዕባ ወዲሰብ ኣብነብያት እተጻሕፈ ኩሉ ከኣ ኪፍጸም እዩ። ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ ኬላግጹሉ ክጸርፍዎ ጡፍውንክብሉሉ፣ ገሪፎም ድማ ክቐትልዎ እዮም፣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ'ውን ክትንሥእ እዩ። በሎም >> ሉቃ.18፣31። ከምዚበለና ናይ ኢዮርሳሌም ጉዕዞኡ ናብ ሞት ዝተገብረ ጉዕዞ እዩ ኔሩ። ስለዚ ብሥጋወደሙ ምስ ክርስቶስ ሓደ ዝኾና ምእመናን ምስኡ ናብ ሞት ንኸይድ።
ፍትሓት
ድሕሪ ቅዳሴ ፍትሓት ይግበር። እዚ ከኣ ንኽሉ ህዝቢ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት እዚ ፍትሓት ምናልባት ኣብዚሰሙን ዝሞቱ እንድሕር ሃልዮም ንዕዖም እዩ ዝግበር ተባሂሉ ይዛረብ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ፍትሓትንኹሎም ክርስቲያን’ውን እዩ። ኣብዚ ሰሙን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሣኤንምሕሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ሓቢርና ሞቱን ትንሣኤኡን ንካፈል ኢና። ሰብነትና ብጸሎትን ብስግደትን ንዓለማዊፍቃድና ኩሉ ቀቲልና ብናቱ ትንሣኤ፣ ትንሣኤ ልቦና ንትንሥእ። እዚ ከኣ ከምቲ ንመነኮሳት ዝግበረሎምፍትሓት ዓይነት ማለት እዩ። መነኮሳት ክምንኩሱ ከለዉ ነዚኣ ዓለም ዝመቱ ምዃኖም ናይ ክርስቶስ መስቀልምስካሞም ንምርኣይ ናይ ሙታን ጸሎት ከም ዝግበረሎም፣ ምእመናን’ውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስክርስቶስ መስቀል ብምስካም መከራ ብምቅባል ንዓለም ክሞቱ ብምውሳን ቤተክርስቲያን ናይ ሙታን ጸሎትትገብር። በዚ'ውን ሓቢርና ናብ ሞቱ ንስዕቦ።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።
No comments:
Post a Comment