''ብድሕሪ'ዚ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ፡ ብዲያብሎስ ኪፍተን፣ ናብ በረኻ ወሰዶ።ኣርበዓ መዓልትን፣ ኣርበዓ ለይትን ጾመ፣ ሽዑ ጠመየ'' ማቴ 4፡1-2
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ጥቅሲ ክብርን ምስጋንን ንጐይታናን ኣምላክ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኩን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርብዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ከም ዝጾመ እዩ ዝስተምህረና።
እዚ ጾም እዚ ብብዙሕ መጸዊዒታት’ዩ ዝጽዋዕ ካብ ብዙሕ ዉሑድ በዓቅምና ክንሪኢ ክንፍትንን ኢና እግዚኣብሔር ምስ ኩላትና ይኹን፦
ስያሜ ጾም 40 |
2. ጾመ ሁዳዴ ይብሃል፦ ሁዳድ ማለት ናይ መንግስቲ መሬት፡ ናይ መንግስት ርስት ማለት እዩ። ናይ መንግስት ሁዳድ፣ ኣብ ዝሕረሰሉ ግዜን፣ ኣዝመራ ኣብ ዝሕፈሰሉ ግዜን፣ ኩሉ ዓብዩን ንእሽቶኡን፡ ናይ መንግስቲ ኣባል ዝኮነ ተዓጢቁ ከም ዝሰርሕ፡ ንሕና ድማ ብወልድ ዉሉዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ስለ ዝኮና ኵላትና ካህና ምእመንና፡ ሰብኣይና ሰበይትና፡ ዓቢና ንእሽቶና ክንጸውም ይግባኣና ከምይ’ሲ ንሕና ኣባል ክርስቶስ ስለ ዝኮና። በዚ ድማ ጾመ ሁዳዴ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
3. ጾመ ካሕሳ፦ ኣዳምን ሄዋንን ብምኽንያት መብልዕ እዮም፣ ካብ ገነት ዝተሰጉን ንገነት ዝሰኣኑን፡ ብሰንኪ ሕግን ትእዛዝን እግዚኣብሔር ብዘይ ምእዛዞም፣ ንሞትን ንውርደትን ተፈሪዶም፣ ኣብ መንጸፈ ድይን ወዲቖም፡ በእግረ ኣጋንንት ተቐጥቂጦም ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ ወዲ ሰብ ንኣዳም ንምድሓን ፈጣሪ እክንሱ ምስ ስጋ ፍጡር ተወሓሓደ፡ ዘይጸምእ እንክንሱ ጸማእኩ በለ፡ ዘይጠሚ እንክንሱ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ምስ ጾመ ጠመየ፡በዚ ኩሉ እዚ ድማ, /እግዚአሔር ወልድ/ ንኣዳምን ንደቂ ኣዳምን (ካሕሳ) ኮነና። በዚ ድማ ጾመ ካሕሳ ተማሂሉ ይጽዋዕ።
4. ናይ ዓወት ጾም፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ብቀጥታ ናብ ገዳመ ቆሮንጦስ እዩ ዘምርሐ። ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ብምጻሙ ብመብልዕ ንኣዳምን ንሄዋንን ንዝሰዓሮም ድያብሎስ፣ ብሰለስተ ኣርእስተ ሓጣውእ ጐይታ ንድያብሎስ (ብዓወት) ሰዓሮ። እዚ ድማ ጸመ ዓወት የብሎ።
5. ናይ መሳጋገሪ ጾም፦ ሊቀ ነብያት ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና፡ ኣርበዓ/40/ መዓልትን ኣርበዓ/40/ መዓልትን ጾይሙ፡ ካብ ሕገ ልቦና ናብ ሕገ ኦሪት፣ ከም ዝሳጋገሮም ከም’ኡ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ጾይሙ፣ ካብ ሕገ ኦሪት ናብ ሕገ ወንጌል፡ ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓዲሽ ኪዳን (ኣሳጋገረና) ክብርና ምስጋናና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን!
6. ጾመ ኣስተምህሮ፦ ኩላትና ከም እንፈልጦ ጐይታና ኣምላክናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸሉ ሓደ ምክንያት ንዓና ኣርኣያ ንኳን ንምስትምሃርን እዩ ነዚ’ዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ /1ይ ጴጥ2፡21/ ምእንታኩም መንከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያውን ኃደገልኩም። ክብል ዝጸሓፈልና። ስለዚ ንሕና ድማ ኣርኣይነት ክርስቶስ ተጠቂምና ካብ ጾሙ ኽንምሃር ይግባና።
7. ጾም ናይ ስራሕ ኵሉ መጀመርታ እዩ፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ,, ቅድሚ ስብኩቱን; ተኣምራት ምግባሩን; ትንቢት ምንባዩን; ቅድሚ ኩሉ እዚ; ጾም እዩ ኣቀዲሙ እዚ ድማ ንዓና ንምስትምሃር እዩ:: ሓደ ኣማኒ ድማ ቅድሚ ዝኮነ ይኩን መንፈሳዊ ሕይወት ምጅማሩ ክጸምውም ከም ዝለዎ እዩ፡ ዘስተምህረና ንኣብነት ሓደ ዲያቆን ክህነት ክወአስድ እንድህሪ ደኣ ሃሲቡ ቅድሚ ስሜቱ ብዓበይቲ ኣቦታቱ ተመሪቁ ስባዔ ክዓቱን ክጸውምን ይግባእ።
ወስብሃት ለእግዚአሔር፡ ወለ ወላደቱ ድንግል፡ ወለመስቀል ክቡር፡
ኣሜን!!!
No comments:
Post a Comment