Monday, March 17, 2014

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቑዱስ






በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

geb

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ንሰላሳ(፴) ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ።

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፳፱/29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ።

ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ።

ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም። ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስለ ዝነበረ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ካብ ገዳማሞ ወጹ እሞ  እንሆ ድማ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጾም ሓጎስ መሊእዎ ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ገዳም ረኸብዎም። እንሆ ከኣ ወሲዶም ኩሉ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ትምህርተ ወንጌልን ዲቁናን ምሃርዎም። ናብ ኣቡነ ኣብርሃም ዝበሃሉ ጳጳስ ወሲዶም ድማ ማዕርገ ዲቁና ኣውሃብዎም። ብድሕሪ እዚ ሃብቲ ምፍዋስ ተዋህቦም፡ ብሓደ ግዜ ድማ ብዙሓት ሓንካሳትን ዕዉራንን ፈወሱ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ገብርኤል መላኣኽ ብክንፉ ገይሩ ተሰኪሙ ናብ ቅድሚ ጎይታ ኣቕረቦም፡ ጎይታ ድማ በረኾም ብጸሎትካን ብኣማላድነትካን ካብ ሲኦል እተድሕነን ብዙሓት ነፍሳት ስለዘለዋ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ሰብ ናብ ዘይብሉ በረኻ ኪድ፡ ናብራኻ ምስ ፷/60 ኣናብስን ፷/60 ኣናብርን ይኹን” ድማ በሎም። “ዘኬድከ ጸበለ እግሪከ ይልሕሱ ወበውእቱ ይጸግቡ. . . . . . . . ጸበል እግሪኻ ልሒሶም ተመጊቦም ይንበሩ” በሎም። በዚ መሰረት ከኣ ናብ ገዳም ኣትዮም ምስ ኣናብርን ኣናብስን ምንባር ጀመሩ። ነቢይ ዳኒኤል ናብ ኣፍ ኣናብስ ኣብ ዝተደርበየሉ ግዜ ኣብቲ ጉድጓድ ዝጸንሑ ኣናብስ  ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ከምዘየውረድሉ፡ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዝረኸብዎ ጸጋ ምስ ፷/60 ኣናብስን ፷/60 ኣናብርን ብሰላም ይንበሩ ነበሩ። ንሳቶም ኣይጎድእዎምን፡ ጸበል እግሮም ተመጊቦም ድኣ ነበሩ እምበር። ከምዚ ኢሎም ከኣ ን300 ዓመታት ተቐመጡ።

ብድሕሪ እዚ “ሑር ምድረ ኢትዮጵያ ወበህየኒ ሀለውከ ነፍሳተ ዘታወጽኦሙ” በሎም። ቅዱስ ገብርኤል ብሰረገላ ንፋስ ጽዒኑ ምድረ ከብድ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብጽሖም። ቀጺሉ ድማ ናብ  ዝቋላ (ደብረ ቅዱስ) ኣብጽሖም። ኣብዚ ኮይኖም ብንጽህና ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓጢኣት ርእዮም ኣብ ባሕሪ ኣትዮም ቁልቁል ኣፎም ተደፊኦም ብርእሶም ኣብ ባሕሪ ቆይሞም ክጽልዩ ጀመሩ፡ ድሕሪ ኣርበዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ድማ እግዚኣብሔር “ዘገብረ ተዝካረከ ወዘጸውዐ ስመከ እምሕር ለከ” በሎም። ንሶም ከኣ ኢትዮጵያ ብምልእታ ከይመሓርካለይ ካብዚ ዘለኽዎ ቦታ ኣይወጽእን እየ ኢሎም ን100/፻ ዓመት ዝኣክል ብርእሶም ቆይሞም ጸለዩ። ድሕሪ 100/፻ ዓመት ጎይታ “ተንሥእ ወጻኣ መሐርኩ ለከ ኩሎ ኢትዮጵያ” በሎም እሞ ካብቲ ዝነብርዎ ወጹ።

ብድሕሪ’ዚ ናብ ምድረ ከብድ ወሪዶም ካብ ሰማይ ንታሕቲ ካብ ምድር ንላዕሊ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ከም ዝተተኽለ ዓምድ ኮይኖም፡ ዓይኖም ከይከደኑ ንሸውዓተ ዓመት ምሉእ ጸለዩ። ሰይጣን ንመንቀንኘት ስለ ዘይዓርፍ ግና ኳኽ መሲሉ መጺኡ ዓይኖም ኣንቊሩ ኣዕወሮም። ክልተ ሱባኤ ምስ ፈጸሙ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ ኣብ ዓይኖም ኡፍ ኢሉ ኣሕወዮም ከም ቀደሞም ድማ ኮኑ። ብድሕሪ’ዚ  ናብ ዝቋላ ተበገሱ፡ ሥላሴ ብኣምሳል ሰለስተ ኣረጋውያን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣዕሪፎም ጸንሕዎም፡ እንሆ ድማ ብዝፋን ኣምላኽ ንምሕጸነካ ኣለና ሓሓደ ምዕራፍ ተሰከመና በልዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብኣምላኻዊ ፍቕሪ ተደሪኾም ሐራይ ኢሎም ተሰኪሞሞም ተበገሱ፡ እንተኾነ እንዳ ተጓዓዙ ከለዉ ብሓድነትን ብሰለስትነትን ተገልጽሎም እሞ ደንጊጾም ናብ ምድሪ ወደቑ፡ እንሆ ከኣ ኣተንስእዎም ናብ ዝቋላ ድማ በጽሑ።

ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣባ አንበሴ ዘሐዘሎን ኣባ ብንያም ዘግብጽን ዝናኦም ሰሚዖም ኣናብሶም ኣኸቲሎም ንኽሓትዎም መጹ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ተገልጽሎም፡ እንተኾነ ሒዘሞም ዝመጹ ኣናብስ በቶም ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣናብስ ስለ ዝተበልዑ ሓዚኖም ነበሩ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግና እንሆ ጎይታ ጸበል እግረይ ልሒስኩም ክትምገቡዶ ኣይኮነን ዝፈቐደልኩም ስጋን ደምን ክትበልዑዶ ተፈቒድልኩም ኢዩ፧ ኢሎም ቀልጢፍኩም ትፍእዎም ክብሉ ነቶም ኣናብስ ኣዘዝዎም። ንሳቶም ከኣ ተፍእዎም ባሪኾም ድማ ኣተንስእዎም ንሳቶም ድማ “ርኢነ መንክረ ኦ ኣባ” እንዳ በሉ ነናብ ቦትኦም ተመልሱ።

 ብድሕሪ እዚ እግዚኣብሔር ናብ ንክርስቶስ ዝኸሓዱ ናብ ምዕራብ ሃገር  ወሰዶም ኣብ ነገስታትን መኳንንትን ዝኣትውሉን ዝወጽእሉን ቦታ ድማ ኣቖሞም። ናይ ኣዕራብ ንጉስ ድማ ብዙሓት ሰራዊትን መኳንንትን፡ ጣዖታቱን ሒዙ ናብቲ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝነበርዎ ቦታ መጽአ’ሞ እቶም ኣብቶም ጣኦታት ሓዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ፈሪሖም ክሃድሙ ጣኦታቱ ክሰባበሩ ርእዩ ፈርሐ፡ ነቲ ፈትሊ ብዝመስል ጸጉሪ ዝመልአ ሰብነቶም ርእዩ ከኣ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ “ንስኻ ሰብ ዲኻ፧” ክብል እንዳ ተገረመ ሓተቶም። “እወ በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ሰብ እየ” በልዎ። ምሊሱ ድማ እቲ ኣረሜን ንጉስ “ኣይሁድ ሰቒሎም ብዝቐተልዎ ወዲ ሰብ ተኣምን ኢኻ” በሎም። ንሶም’ውን “እወ ይኣምን እየ! በቲ ምእንታይ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኣይሓፍርን እየ! ንሱ ምእንቲ ኩላትና እዩ ዝሞተ ንስኻን ሰራዊትካን ብእኡ እመኑ እሞ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ክትረኽቡ ኢኹም” በልዎ። ነዚ ዝሰምዐ ንጉስ ብሓዊ ኣቃጽልዎ ክብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡ እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ክገብሮም ኣይከኣለን ብሰላም ድኣ ካብቲ ሓዊ ወጹ። ነዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ወተሃደራት ድማ ኣመኑ። እቲ ንጉስ ምስቶም ዘይኣመኑ ወታሃደራቱ ኮይኑ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ወታሃደራቱ ብሴፍ ገይሩ ኣራእሶም ክቆርጽ ጀመረ። ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ርእሶም ክቆርጾም ደለየ እሞ ካብ ሰማይ ሓያል መብረቕ መጺኡ ንዕኡን ንሰራዊቱን  ቀተሎም። ንነፍሳቶም መላእኽቲ ጽልመት ክወስድዎም ዝረኣዩ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እዚ ኩሉ ዝኾነ ብሰንከይዶ ኣይኮነን፧ ኢሎም ካብ ብርቱዕ ሓዘን ዝተላዕለ ኣእጋሮም ብገመድ ኣሲሮም ንቑልቁል ኣፎም ጠልጠል በሉ። ሕጂ’ውን ሰይጣን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ነቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ገመድ በተኾ እንተኾነ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኣየር ከለዉ ተቐበሎም ግደፈኒ ብርእሰይ ይቑም ድማ በልዎ። በዚ ከኣ ን፴/30 ዓመታት ዝኣክል ብብርቱዕ ገድሊ ኣልቀሱ። እግዚኣብሔር ንገድሎምን ልማንኦምን ርእዩ ነቲ ዝለመንዎ ልማኖ ተቐበለሎም፡ ነቶም ሰባት ድማ መሓረሎም።

በዚ ንምስምዑ ዕጹብን ድንቅን ዝኾነ ገድሊ ሓሊፎም እምበኣር ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ን262ዓመት ጸኒሖም ኣብ መበል 562 ዕድሚኦም ካብዛ ብስጋ መከራ ዝበዝሓ ዓለም ብሓሙሽተ(5)መጋቢት ብዕለተ ሰንበት ኣዕረፉ።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Eritrean Orthodox Tewahedo Mezmur

Saturday, March 1, 2014

ስያሜ ጾመ40


ስያሜ ‘‘ጾመ40’’ ማቴ 4፡2
''ብድሕሪ'ዚ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ፡ ብዲያብሎስ ኪፍተን፣ ናብ በረኻ ወሰዶ።ኣርበዓ መዓልትን፣ ኣርበዓ ለይትን ጾመ፣ ሽዑ ጠመየ'' ማቴ 4፡1-2
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ጥቅሲ ክብርን ምስጋንን ንጐይታናን ኣምላክ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኩን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርብዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ከም ዝጾመ እዩ ዝስተምህረና።
እዚ ጾም እዚ ብብዙሕ መጸዊዒታት’ዩ ዝጽዋዕ ካብ ብዙሕ ዉሑድ በዓቅምና ክንሪኢ ክንፍትንን ኢና እግዚኣብሔር ምስ ኩላትና ይኹን፦
ስያሜ ጾም 40
1.    ዓብይ ጾም ዓብይ ጾም መበሊኡ ምኽንያት፣ ምናልባት፡ ካልኦት ኣጽዋማት ካብ ቅዱሳን ዝተቀበልናዮም ክከኑ እንከለው እዚ ጾም እዚ ግን ካብ ባዕሉ፣ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቀበልናዮ ብምኳኑ፡ ብዓብዩ ድማ ዲያብሎስ ዝተሳዕረሉን ዕለት ስለ ዝኮነ በዚ ዓብዪ ጾም ይብሃል።
2.   ጾመ ሁዳዴ ይብሃል፦ ሁዳድ ማለት ናይ መንግስቲ መሬት፡ ናይ መንግስት ርስት ማለት እዩ። ናይ መንግስት ሁዳድ፣ ኣብ ዝሕረሰሉ ግዜን፣ ኣዝመራ ኣብ ዝሕፈሰሉ ግዜን፣ ኩሉ ዓብዩን ንእሽቶኡን፡ ናይ መንግስቲ ኣባል ዝኮነ ተዓጢቁ ከም ዝሰርሕ፡ ንሕና ድማ ብወልድ ዉሉዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ስለ ዝኮና ኵላትና ካህና ምእመንና፡ ሰብኣይና ሰበይትና፡ ዓቢና ንእሽቶና ክንጸውም ይግባኣና ከምይ’ሲ ንሕና ኣባል ክርስቶስ ስለ ዝኮና። በዚ ድማ ጾመ ሁዳዴ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
3.   ጾመ ካሕሳ፦ ኣዳምን ሄዋንን ብምኽንያት መብልዕ እዮም፣ ካብ ገነት ዝተሰጉን ንገነት ዝሰኣኑን፡ ብሰንኪ ሕግን ትእዛዝን እግዚኣብሔር ብዘይ ምእዛዞም፣ ንሞትን ንውርደትን ተፈሪዶም፣ ኣብ መንጸፈ ድይን ወዲቖም፡ በእግረ ኣጋንንት ተቐጥቂጦም ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ ወዲ ሰብ ንኣዳም ንምድሓን ፈጣሪ እክንሱ ምስ ስጋ ፍጡር ተወሓሓደ፡ ዘይጸምእ እንክንሱ ጸማእኩ በለ፡ ዘይጠሚ እንክንሱ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ምስ ጾመ ጠመየ፡በዚ ኩሉ እዚ ድማ, /እግዚአሔር ወልድ/ ንኣዳምን ንደቂ ኣዳምን (ካሕሳ) ኮነና። በዚ ድማ ጾመ ካሕሳ ተማሂሉ ይጽዋዕ።
4.   ናይ ዓወት ጾም፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ብቀጥታ ናብ ገዳመ ቆሮንጦስ እዩ ዘምርሐ። ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ብምጻሙ ብመብልዕ ንኣዳምን ንሄዋንን ንዝሰዓሮም ድያብሎስ፣ ብሰለስተ ኣርእስተ ሓጣውእ ጐይታ ንድያብሎስ (ብዓወት) ሰዓሮ። እዚ ድማ ጸመ ዓወት የብሎ።
5.   ናይ መሳጋገሪ ጾም፦ ሊቀ ነብያት ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና፡ ኣርበዓ/40/ መዓልትን ኣርበዓ/40/ መዓልትን ጾይሙ፡ ካብ ሕገ ልቦና ናብ ሕገ ኦሪት፣ ከም ዝሳጋገሮም ከም’ኡ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ጾይሙ፣ ካብ ሕገ ኦሪት ናብ ሕገ ወንጌል፡ ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓዲሽ ኪዳን (ኣሳጋገረና) ክብርና ምስጋናና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን!
6.  ጾመ ኣስተምህሮ፦ ኩላትና ከም እንፈልጦ ጐይታና ኣምላክናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸሉ ሓደ ምክንያት ንዓና ኣርኣያ ንኳን ንምስትምሃርን እዩ ነዚ’ዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ /1ይ ጴጥ2፡21/ ምእንታኩም መንከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያውን ኃደገልኩም። ክብል ዝጸሓፈልና። ስለዚ ንሕና ድማ ኣርኣይነት ክርስቶስ ተጠቂምና ካብ ጾሙ ኽንምሃር ይግባና።
7.   ጾም ናይ ስራሕ ኵሉ መጀመርታ እዩ፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ,, ቅድሚ ስብኩቱን; ተኣምራት ምግባሩን; ትንቢት ምንባዩን; ቅድሚ ኩሉ እዚ; ጾም እዩ ኣቀዲሙ እዚ ድማ ንዓና ንምስትምሃር እዩ:: ሓደ ኣማኒ ድማ ቅድሚ ዝኮነ ይኩን መንፈሳዊ ሕይወት ምጅማሩ ክጸምውም ከም ዝለዎ እዩ፡ ዘስተምህረና ንኣብነት ሓደ ዲያቆን ክህነት ክወአስድ እንድህሪ ደኣ ሃሲቡ ቅድሚ ስሜቱ ብዓበይቲ ኣቦታቱ  ተመሪቁ ስባዔ ክዓቱን ክጸውምን ይግባእ።

ወስብሃት ለእግዚአሔር፡ ወለ ወላደቱ ድንግል፡ ወለመስቀል ክቡር፡
ኣሜን!!!

ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ


ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ Love of God
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
እየሱስ ክርስቶስ
ብርግጽ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” (1 ዮሓ 4፡8) ከመይ ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ኣምላኽ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ቀሪቡ ብቅዱሳን ኣእዳው እቲ ዝዓዘዘ ፍቕሪ “ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር” ዝብል ናይ ኣጋእዘት ዓለም ጥዑም ቃል እዩ ነይሩ (ዘፍ 1፡26)። ጣዕሙ ኣብ ምድሪ ከም መዓር ኣብ ሰማያት ከኣ ከም ያም እዩ። መልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ክበሃል ከሎ ደጋዊ መልክዕን ምስልን ማለት ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝገለጸሉ ገለ ንምጥቃስ፡ ንጽህና፡ ዘይውዳእ ብርሃን፡ ዘለኣለማዊነት፡ ቅድስና፡ ፍጹምነት፡ ፍቕሪ እዩ። ኣዳም ከም ዝሓጥእ እግዚኣብሔር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሰብ ክርስዖ ዘይብሉ ግና ነጻ ፍቃድ ተዓዲሉ ምንባሩ እዩ። ብየማን ህይወት ብጸጋም ከኣ ሞት ማለት እዩ። ነጻ ፍቃድ ዝነበሮ ኣዳም ብገዛእ ምርጭኡ ንሞት መረጸ። ሕጂ’ውን ድሕሪ ሞት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣይተለወጠን። ነዚ ዝምስክር ሓቂ ከኣ ፍቕሪ ከመግቦ ድሕሪ 5500 ዓመታት ብዘደንቕ ነገረ ተዋህዶ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣደና ድንግል ማርያም ሓዲሩ ካብ ስግኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ንዓለም ኣብረሃ። እቲ ዘይጭበጥ ዘይድህሰስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቅዱሳን መላእክት ኣብ ቅድሚኡ ቆይሞም “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” ኢሎም ክውድስዎ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ገጾም ክሽፍኑ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ክኽውሉ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ከኣ ክነፍሩ ተዓዲሎም እምበር ክርእይዎ ኣይተፈቕደሎምን። ኣብ መብልዕ ማል ብነገረ ስጋዌ ምስ ተጋህደሎም ግና ሰብን መላእክትን ሓቢሮም “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ (ሉቃ 2)። ፍቕሩ ንኹሉ ምዃኑ ክነግር’ውን ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። ህዝብን ኣህዛብን ኣብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ሓደ ምዃኖም ብምስጢረ ጥምቀት ውሉድነት ክንቅበል ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስን ምንጻህ ማይን ዳግም ምውላድ ግዲ ኮነ (ዮሓ 3)። እዚ ፍቕሪ ንይሁዳ መዓርገ ሓዋርያነት ክቅበል ፈቀደ። ይሁዳ ማለት ወላዲኡ ዝቀተለ ምስ ኣዲኡ ክድቅስ ዘይሓፈረ ንጎይትኡ ብ30 ቕርሺ ብሩር ዝሸጠ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ነፊጉ ክንዲ ንስሓ ንሓንቲ ምስጢር ሒዙ ቅድሚ ጎይታናን መድሓኒናን ትንፋሱ ከሕልፍ ዝሃቀነ እዩ። ፍቕሪ ብፍቕሪ እምበር ፍቕሪ ብጥበብ’ዛ ዓለም!፤ ኣይግድን። ካብ “ህያው ክትከውን ኢኻ” ዝብል ግርማ ዝመልኦ ድምጺ እግዚኣብሔር እንታይ ዝዓቢ ኣሎ፤ ፍጹም የለን ኣሕዋተየ። እንትርፎ ንገዛእ ነፍስና ክንብድል እምበር ንእግዚኣብሔር ዝግባእ ፍቕሪ ሂብናዮ ኣይንፈልጥን። ኣብ ቅዱስ ቃሉ (1 ዮሓ 4፡15) “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር” ይብለና። እስከ ንሕተታ ንነፍስና “ኣበይ ክትነብሪ ትደልይ” ንበላ፤ እታ ካባና ዝደልያ እግዚኣብሔር “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር”” ትብል እያ (ሉቃ 10፡27)። ብምሉእ ልብኻ ማለት፡ ንኣብነት፡ ሓደ ካብ ባሕታውያን ኣቦታትና እናኸደ ይጽሊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሃንደበት ክልተ ማላእክት ሓደ ብየማኑ ሓደ ብጸጋሙ ይኸዱ ከምዘለው ኣስተውዓለ። ናብ ሓዲኦም ክርኢ ኢሉ ግን ኣይሓሰበን። ምኽንያቱ ምስ ልዑል ባህሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይዛረብ ምንባሩ፡ ልቡ ምስ እግዚኣብሔር ብጸሎት ዓሪጋ ስለዝነበረት እዩ። ብሕልንኡ ከምዚ እናበለ ከኣ ንነፍሱ ይዛረባን ይወቕሳን ነበረ “መላእክት ይኹኑ ሊቃነ መላእክት ካብ ክርስቶስ ኣምላኸይ ዝፈልየኒ የለን!” (ብፁእ ቅዱስ ኣቡነ ሽኖዳ-3ይ)። ምኽንያቱ ብምሉእ ልቡ ምስ ክርስቶስ ስለዝነበረ። ሓንቲ’ኳ ከየትረፈ ምስ ጎይትኡ ነበረ። ምሉእ ማለት ጎደሎ ዘይብሉ ማለት እዩ። ስለዚ “ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሓ 3፡16) ዝብል ቅዱስ ፍቕሪ ስለዝሃበካ ንስኻ ፍቕርኻ ክትህቦ እንታይ ምኽንያት ኣለካ፤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተግባር ዝመሃረና ”ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኮኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ (ማቴ 5፡44) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጸላእቱ መጀመርያ ኣፍቐረ። ኣይሁድ ንበርባን ክፍተሓሎም ኣብ ክንድኡ ከኣ ኣበር ዘይብሉ ንጹህ ገንሸል “ይሰቐል፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” (ማቴ 27፡20-25) ኢሎም ክጭርሑ ከለው ጎይታ ግና ብኣንጻሩ ንድሕነቶም ይጽሊ ነበረ “ኦ ኣቦይ ዚገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” (ሉቃ 23፡34)። ጎይታናን መድሓኒናን ክኹንኖም ኣይሓለነን፡ ብደም ዝረኸሰ ኣእዳዎም ኣይራኣየን። ምሉእ ፍቕሪ ግና ሃቦም። ክድሕኑ ክመሓሩ ናብ’ቲ ስፈር ቅዱሳን ክኣትው ጸለየሎም። ናይ ክርስቶስ ቤተ-ሰብ ክንበሃል እንተኾይና እምበኣር ምሉእ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምስ ዝህልወና ጥራሕ እዩ። ነዚ ዓቢ ጸጋ ንዓቅቦ። በዚ ከኣ ጸላኢ ዝበሃል ብዘይካ ድያብሎስ ካልእ ኣይክህልወናን እዩ። ብኻልእ ወገን ነዚ ዘገርም ፍቕሪ ዘስተማቐረ ቅዱስ ለንጊኖስ ንውሰድ። ቅዱስ ለንጊኖሰ ማለት ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹናት ዝወግኦ ወትሃደር እዩ ነይሩ(ዮሓ.19፡34)። ንቕሩብ እሞ ነስተውዕል ክርስቶሳውያን! ጎይታ ፍጹም ፍቕሪ ስለዘለዎ እዚ ወተሃደር’ዚ ቅዱስ ለንጊኖስ ክበሃል በቒዑ። ንምንታይ እንተ ኢልና፡ ብሓቂ ጻድቕ ምዃኑ ስለዝመስከረን (ሉቃስ 23፡47)፡ እቲ ዘቃጽል ፍቕሩ ስለዝተመገበን እዩ። "ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ" (1 ጰጥ 1፡16) ቅዱስ ስለ ዝኾነ ኩሎም ሕሩያቱ ቅዱሳን ክኾኑ ዕድል ሃበ። ኣየናይ ፍቕሪ ኢና ነፍቕር ዘለና፤ ካልእ ዓይነት ፍቕሪ ይጽነሓልና። ምኽንያቱ ካልእ ፍቕሪ እንተ ኣእቲና ንኣምላኽ ንኽሕዶ ኣለና። ኣቦና ኣብርሃም ዓርኪ እግዚኣብሔር ክኸውን ዝበቐዐ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ” ምስ በሎ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ስለዝሓደሮ ዓቢ ባህታ ተሰመዖ (ዘፍ 12)። ኣቦና ኣብርሃም መስዋእቲ ቀሪቡ ንእግዚኣብሔር ክጽበ ምሉእ መዓልቲ ኳኻት ክሰጉግ ይውዕል ነይሩ። ከይተሃከየ ንእግዚኣብሔር ይጽበ ነበረ። ኣብ ካልእ’ውን ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ከይተቀበለ እኽሊ ኣይለክፍን ነበረ። ድያብሎስ ጽቡቕ ነገር ስለዘይፈቱ ናብ ኣብርሃም ዝመጹ ሓለፍቲ መንገዲ (ኣፍቀርቲ ኣብርሃም) ብሓሶት ርእሱ ዝተፈግአ ሰብ መሲሉ “ኣብርሃም ሃሪሙኒ” ብዝብል ሓሶት መገዶም ከምዝቕይሩ ይገብር ነበረ። ኣብዚ’ውን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ፍሉይ ምዃኑ ክገሃድ ንኣቦና ኣብርሃም ብሰለስተ ስላሴ ተገልጹሉ። እግዚኣብሔር ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ንኣብርሃም ጋሻ ኾኖ። እዝስ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ እዩ፤ ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ መሃልየ መሃልይ 6፡3 “ኣነ ናይ ፍትወይ እየ ፍትወይ ከኣ ናተይ እዩ” እናበለ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝገለጸ፡ ንሕና’ውን “ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ” ዝብል ቅዱስ ዜማ ፍቕሪ ብውሽጢ መዓሙቕ ልብና ንደጋግሞ!!! ንሱ’ኮ’ዩ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጸኣኒ፡ ፍቕሩ እምበር ፍቕረይ ኣይኮነን ካብ ሰማይ ዝሰሓቦ። ቶማስ “እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እነተ ዘይርኣኹ ኣብ ጎድኑ ኢደይ እነተ ዘየእቶኹ ኣይኣምንን እየ” ምስ በለ፡ ጎይታ ንቶማስ “ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ እሞ፡ ናብ ጎድነይ ኣእትዋ ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ኢሉ ብሓቂ ጓሳ ኣባጊዑ ምዃኑ ኣብረሃሉ። ቶሞስ ብኣጻብዑ ዝተንከፎ ዘቃጽል መለኮት እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ኸኣ ቶማስ “ጎይታይን ኣምላኸይን በሎ” (ዮሓ 20፡25-27) እዚ ዘቃጽል መለኮት ፍቕሪ’ዶ ኣይኮነን። ኣምላኻዊ ፍቕሪ’ኳ ደኣ። ነቶም ዓሰርተ ሓዋርያት መጀመርያ ዝተገልጸሎም ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ንቶማስ “ኣይኣምንን እየ” ዝበለ። ዘቃጽል ፍቕሪ ስለዝነበሮ ንኹሎም ተገለጸሎም። እግዚኣብሔር ኣምላኽናስ ከመይ ዝበለ ፍጹም ፍቕሪ ኣለዎ፤ በረድን ሓዊን ኣንጻር እዮም። በረድሲ ኣይንኹን። ተኽሊ ምስ ኮስኮሰካያ ትዓቢ ንሕና’ውን ኣብ ፍቕሩ ክንዓቢ ኣሎና። ኣብ በረድ ህይወት የለን። ስለዚ ነዚ ህወት ዘለዎ ፍቕሪ ንጠቐመሉ። ሓዊ እንተዘይተጠቂምካሉ ሓምኹሽቲ ይኾውን እምበር ዝጠቕሞ የብሉን። ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እዚ ሓዊ እዩ። ብኡ ጌርና ነኣሕዋትና ነቃጽሎም። ፍቕሪ እግዚአብሔር ነፍልጦም፡ ቅዱስ ቃሉ ንመግቦም። ናይ ኩልና ሓላፍነት ስለዝኾነ። ኣብ ልዕሊ ከውሒ ዝተሃንጸት ቤተክርስትያን ኣይክትናወጽን እያ ፍጹም ኣይክትወድቅን ከኣ እያ። ፍቕሪ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን። ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ጸሎቶም፡ ጥርጥር ዘይብላ ንጽህቲ ቅድስቲ እምነቶም ኣባና ጸኒዓ ትንበር። ስለ ቅዱስ ቃሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግለ
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!