በዓላትን ኣጽዋማትን ፳፻፮ ዓ.ም ግእዝ
ዓውደ ኣዋርሕ ግእዝ ካብ 191 ዓ.ም - 223 ዓ.ም ናይ እስክንድርያ ሉቀ ጳጳሳት ብዝነበረ ቅዱስ ድሜጥሮስ ዝተሰርዓ፡ ክሳዕ 1528 ዓ.ም ድማ ኣብ መሊእ ክርስቲያናዊዓሇም ዘገልግል ዝነብረን ጥንታዊ ዓውደ ኣዋርሕ እዩ። ኣብ ዘፍጥረት 1፡14 “ ኣምሊኽ ድማ፥ ንመዓልቲኻብ ሇይቲ ዚፈልዩብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትንከኣ ንመፈሇጥታ ይኹን።” ብዝበሎ መሰረት ናይ ዓመታትን ዘመናትን ቀመር ኣብ ጸሓይን ወርሕን ተመርኲሱ ይካየድ። በዚ መሰረት ነፍስ ወከፍ ዓመት 365 መዓልታት ክህልዋ እንከሎ፡ ራብዓይቲ ዓመት ግን 366 መዓልታት ኣሇዋ። ብመሰረት ዓውደ ኣዋርሕ ግእዝ እዘን መዓልታት እዚኣተን ኣብ 12 ሙለኣት ኣዋርሕን 1 ንእሽቶ ወርሕን፡ ብጠቅሊል ኣብ 13 ኣዋርሕ ይኽፈሊ።ነፍስወከፊ ወርሒ ድማ 30 መዓልታት ትሕዝ፡ እታ ናይ መወዳእታ ንእሽቶ ወርሒ ግን ኩለ ግዜ 5 መዓልታት ክህልዋ ከሎ ኣብ ራብዓይ ዓመት ድማ 6 ትኸውን።
ቅዱስ ድሜጥሮስ ነዚ ቀመር እዚ ክሰርዕ ካብ ዘገደድዎ ቀንዲ ነጥብታት ሓደ፡ ከም ስቕሇትን ትንሣኤን ጐይታ ኢየሱስ ዝኣመሰለ ዓበይቲ በዓሊት ካብቲ ዝተፈጸሙለመዓልቲ ወጻኢ (ማሇት ስቕሇት ዝተፈጸመለ 27 መጋቢት ዓርቢ መዓልቲ ክንሱ፡ 27 መጋቢት እዚኣ በብዓመቱ ዓርቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ በበይኑ መዓልታት ትውዕል።) ይበዓል ስሇ ዝነበረ፡ ካብዚ ዘገሊግል ቀምር ከውጽእ ግድን ኮነ። ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት እዞም ዓበይቲ በዓሊትእዚኣቶም ዘወርቲ በዓሊት ኮይኖም፡ዝበዓለለ ዕሇታት እናተቐያየረግን ስቕሇት ጐይታ ካብ ዓርቢ ከይወጸ ትንሳኤ ድማ ካብ ሰንበት ከይወጸ ከም ዝበዓል ተገብረ።
ዘወርቲ በዓሊትን ኣጽዋማትን
1. ጾመ ነነዌ
2. ዓቢይ ጾም
3. ደብረ ዘይት
4. ሆሳዕና
5. ስቕሇት
6. ትንሳኤ
7. ርክበ ካህናት
8. ዕርገት
9. በዓሇ መንፈስ ቅዱስ
እዞ በዓሊትን ኣጽዋማትን እዚኣቶም ኣብ ዓመተ ፳፻፮ ዓ.ም.ግ (2013 – 2014 ዓ.ም.ፈ) በዘንዝስዕባ ዕሇታት ክበዓል እዩ
በዓል/ጾም | ዝውዕለሉ ዕለት ብግእዝ | ዝውዕለሉ ዕለት ብፈረንጂ |
ጾመ ነነዌ | የካቲት ፫ | February 10 2014 |
ዓቢይ ጾም | የካቲት ፲፯ | February 24 2014 |
ደብረ ዘይት | መጋቢት ፲፬ | March 23 2014 |
ሆሳዕና | ሚያዝያ ፭ | April 13 2014 |
ስቕሇት | ሚያዝያ ፲ | April 18 2014 |
ትንሣኤ | ሚያዝያ ፲፪ | April 20 2014 |
ርክበ ካህናት | ግንቦት ፮ | May 14 2014 |
ዕርገት | ግንቦት ፳፩ | May 29 2014 |
በዓሇ መንፈስ ቅዱስ | ሰኔ 1 | June 8 2014 |
ኣጽዋማትን በዓላትን ዘመነ ማቴዎስ 2006 (fast and feast) 2013-2014
fast and feast | Date | ኣጽዋማትን በዓላትን |
The Nayrouz Feast ( New Year) | September 11 | ሐድሽ ዓመት መስከረም 1 |
The Feast of the Cross | September 27 | በዓል መስቀል መስከረም 17 |
The Holy Nativity Fast | November 25 – January | ጾመ ነብያት ጾመ ልደት ሕዳር 16-ታሕሳስ 28 |
The Holy Nativity Feast | January 7 | በዓል ልደት ታሕሳስ 29 |
The Circumcision Feast | January 14 | ግዝረት ጥሪ 6 |
The Holy Epiphany | January 19 | ጥምቀት ጥሪ 11 |
Feast of the Wedding of Cana of Galilee | January 21 | ቃና ዘገሊላ ጥሪ 13 |
Presentation of the Lord into the Temple | February 15 | ጐይታ ኣብ መበል 40 መዓልቲ ናብ ቤተ መቕድስ ምእታዉ የካቲት 8 |
Jonah's (Nineveh Fast | February 10 | ጾመ ነነዌ የካቲት3-5 |
Holy Great Fast | February 24 | ዓቢይ ጾም የካቲት 17 |
The Feast of the Cross | March 19 | በዓለ መስቀል መጋቢት 10 |
Annunciation Feast | April 7 | ቅዱስ ሊቀ መላእክት ገብርኤል ን ቅ/ድ/ ማርያም ዘበሰረላ መዓልቲ መጋቢት 29 |
Lazarus Saturday | April 12 | ኣልኣዛር ካብ ሞት ዝተንሥኣሉ ሚያዝያ 4 |
Entry of our Lord into Jerusalem (Hosanna Sunday | April 13 | ሆሳዕና ሚያዝያ 5 |
Holy Pascha | April 14-16 | ሕማማት ሚያዝያ 6-8 |
Covenant Thursday | April 17 | ሓሙስ ጽግቦ ስርዓት ሕድሽ ኪዳን ሚያዝያ 9 |
Good Friday | April 18 | ስቅለት ሚያዝያ 10 |
Glorious Feast of the Resurrection | April 20 | ትንሣኤ ሚያዝያ 12 |
Martyrdom of St. Mark the Evangelist | May 8 | ሰማዕትነት ቅዱስ ማርቆስ ሚያዝያ 30 |
Thomas’ Sunday | April 27 | ዳግማይ ትንሣኤ (ቶማስ ትንሣኤኡ ዝኣመነሉ ሚያዝያ 19 |
The Holy Feast of Ascension | may 29 | ዕርገት ግንቦት 21 |
Entry of the Lord into Egypt | June 1 | ክርስቶስ ናብ ግብጺ ዝኣተወሉ ግንቦት 24 |
The Holy Pentecost Feast | June 8 | በዓለ መንፈስ ቅዱስ ሰነ 1 |
The Apostles' Fast | June 9-july 11 | ጾመ ሓዋርያት ሰነ 2- ሓምለ 4 |
The Apostles' Feast (Martyrdom of St. Peter & St. Paul | July 12 | በዓል ሓዋርያት (ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ሰማዕትነት ሓምለ 5 |
St. Mary's Fast | August 7–21 | ጾመ ፍልሰታ ነሓሰ 1-15 |
Transfiguration Feast | August 19 | ደብረ ታቦር ነሓሰ 13 |
Assumption of St. Mary's Body | August 22 | በዓል ፍልሰታ ናይ ድንግል ማርያም ነሓሰ 16 |
No comments:
Post a Comment