ናይ ሜሮን
ኣሰያይማን ኣሰራርሓን፦
ሜሮን ብቋንቋ ጽርእ ሜሮን ይበሃል። ብግእዝን
ብትግርኛ ድማ ካብ ናይ ጽርእ ቋንቋ ብዙሕ ከይተፈለየ
ሜሮን እንዳተባህለ
ይጽዋዕ። ሜሮን ቅብኣ ቅዱስ ወይ ድማ ዝተቐደሰ ቅብኣት እዩ።
ሜሮን ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንና ዘለዉ ሸውዓተ ምሥጢራት
ቤተ ክርስቲያን
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ኮይኑ ደድሕሪ ጥምቀት ነቲ ተጠማቓይ
ስርዓተ ሜሮን እዩ ዝፍጸመሉ።
ሜሮን “በለሳን“
ካብ ዝበሃል ኦምን ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕጣን ዕንጨይትታትን
ካብ ካልኦት
40 ዝኾኑ ጥዑም /ምኡዝ/ ጨናታት ዘለዎም ኣታኽልቲ
ተቓሚሙ ዝዳሎ ንጹህን ቅዱስ ቅብኣት እዩ።
ናይ ሜሮን
ኣገልግሎት (ጥቕሚ)
ተጠማቓይ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ካብ ኣምላኹ ካብ እግዚአብሔር ብጸጋ ዳግማይ ከምዝውለድ
ናይ እግዚአብሔር
ሕዝቢ ኮይኑ ክቑጸር፡ ብክርስቶስ
ክርስቲያን ተባሂሉ ካብ ስም ንላዕሊ ስም ንኽረክብ፡ ናይ እግዚአብሔር መንግስቲ
ንኽወርስ፡ ብሓፈሽኡ
ብኣዳም በደል ምኽንያት ዝትወሰደሉ
ሃብቲ መሊሱ ንኽረክብ ዝሕግዞ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቅባሉ ዳግም ልደቱ ዘረጋገጸሉ ማህተም እዩ።
ዮሓ 3፡3-10,
ግ. ሓዋ 8፡14, 2ይ ቆሮ 1፡21-22,
ግ. ሓዋ 2፡38, ግ. ሓዋ 19፡5-6,
ዮሓ 2፡20
ሜሮን ብብሉይ
ኪዳን
ቤተክርስቲያንና ካብ ብሉይ ኪዳን ከምዝረኸበቶም መብዝሓትኦም
ንዋያት ቅዱሳት ብሉይ ኪዳናዊ መሰረት ዘለዎም እዮም። ልዑል እግዚአብሔር ቅዱሳት ሕጉ ኣብ ጽላት ቀሪጹ ንዝሃቦ ሊቀ ነብያት ሙሴ ናይ ሜሮን ኣሰራርሓን ቅዱስነቱን
ኣገልገለቱን ብዝግባእ
ገሊጹ እዩ። ነብዪ ሙሴ’ውን ብዝተኣዘዞን
መሰረት ንኣሮንን
ደቁን ንክህነት
ንዝተፈላለዩ ናይ ቤተ መቅደስ መገልገልቲ ኣቑሑት ዝፈልዮም ዝነበረ በዚ ቅብኣ ቅዱስ እዩ ኔሩ። ስለዚ ሃብተ ክህነት፡
ሃብተ መንግስቲ፡
ሃብተ ትንቢት ዝረኽብዎ ብመንገዲ
ሜሮን ብዝወሃቦም
መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኦሪ ዘጸ 30፡22-34,
ኦሪ ዘፍ 28፡18
ሜሮን ብሓዲስ
ኪዳን
ኣቦታት ቅዱሳን ሓዋርያት እዚ ቅዱስ ቅብኣት ናይ ኣንብሮተ
እድ ቦታ ቅድሚ ምሓዙ ናይ እግዚኣብሔር
ናይ ጸጋ መተሓላለፊ ከም ዝኾነ ብዝተፈላለየ
ኣገላልጻ ብመልእኽቶም
ጺሒፎም እዮም።
2ይ ቆሮ 1፡21, 1ይ ዮሓ 2፡20
ናይ ሜሮን
ምሥጢርነ
ካብ ግዙፍ ነገር ዝተዳለወ
ብዓይኒ ዝረኣይን
ብኢድ ብዝድህሰስን
ቅዱስ ቅብኣት ኣቢሉ ብሥጋዊ ዓይኒ ዘይረኣን
ብሥጋዊ ኢድ ዘይድህሰስን ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ዝመሓላለፈሉ ስለዝኾነ
ምሥጢር ተባሂሉ።
ናይ ሜሮን ኣቀባብኣ ስርዓት ድሕሪ ስርዓተ ጥምቀት ምውድኡ ዲያቆን እቶም ዝተጠምቁሉ ሰባት ነብሶም ዝፈልጡ እንተኾይኖም ርእሶም ኣድንን ኣቢሎም ደው ክብል ይእዝዞም። ኤጲስቆጶስ
ወይ ካህን ነቲ ሜሮን ሒዞም ኣብቲ ቅድሚ’ቲ ዝጥመቅ ሰብ ደው ይብሉ፦
፩ ናይ ተጠማቓይ
ግንባር ብቅርጺ መስቀል እንዳቐብኡ
ኡፍ ይብልሉ።
፪ ናይ ዘልኣለም
ሕይወት ንምቅባል
ቅዱስ ቅብኣት ይቕብኣካ/ኪ ኣለኹ እንዳበሉ
ንኽልቲኡ መሳኹት ኣፍንጭኦም፣ ክልተ ከንፈሮም፣ ክልተ እዝኖም፣ ክልተ ዓይኖም፣ ኣፍልቦም፣
መዓንጥኦም፣ ሽምጦም፣
ሕንብርቶም ይቐብእዎም።
፫ “ብዘይፍታሕ ናይ ኣምላኽ መሲሕ ማሕተም እቐብኣካ/ኪ ኣለኹ ኣሜን” እንዳበሉ
ክልቲኡ አእዳዉ/ዋ፣ መጋጠሚክልቲኡ
መንኩብ ክሳዱ/ዳ ናይ ክልቲኡ አእዳዉ መጋጠምን ብደገን ብውሽጡን ይቀብእዎ።
፬ “ቅዱስ ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ)
ቅብኣት ይቐብኣካ/ኪ ኣለኹ” እንዳበሉ ክልቲኡ ዳንግኡ፣ ክልቲኡ አእጋሩ፣ ኣጻብዕቲ
አእጋሩ፣ ሰለፉ፣ ቀቢኡ ድሕሪ ምውድኡ ኣብ ልዕሊ ተጠመቕቲ
ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ብምንባር “ብሰማያውያን
መላእኽቲ በረከት ዝተባረኽካ/ኪ ኩን/ኩኒ “ብሩኽ ኩን/ኩኒ ብበረኸት
መላእኽቲ ሰማያውያን”
ድሕሪኡ ተጠማቓይ
ጻዕዳ ክዳን ለቢሱ ቅዱስ ቁርባን ይቕበል።
ይቕጽል …